Haddas ertra 12112014[1]

Page 1

መበል 24 ዓመት ቁ. 73

12 ሕዳር 2014

ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 3

ገጽ 4

ገጽ 10

ገጽ 11

ጸባ’ተን ብጋይት

ዓሻ ዓሊ ኖር - ቅድሚ ገድሊ፡ . . .

ብዕዳ ዝዘቕበበ ዴቪድ ጄምስ ንብረቱ ኣብ ዕዳጋ የውርድ

ኣንጠልጣሊ ቅድድም ብሽክለታ-ሞኖፖልዮ

ገጽ 5 ምልክታትን ሳዕቤናትን ዓሶ

ረቡዕ

ኤርትራውያን ነበርቲ ሪያድ፡ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ድልውነቶም ኣረጋጊጾም

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን - ንግስነት ስዑድ-ዓረብ፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ቊጠባዊ ሓርነት ንምጉንጻፍን ዝዓለሙ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት፡ ከም ወትሩ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ ከም ኣካል ናይቲ ብ6 ሕዳር ዝተኸፍተ ፈስቲቫሎም፡ ብ8 ሕዳር ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ኣብ ዝገበርዎ ርክብ’ዩ። ሚኒስተር ፎውዝያ ሃሽም፡ ንህሉው ኩነታት ሃገር፣ ልምዓታውን ህንጻውን መደባት ንምስፋሕ ዝካየዱ ዘለዉ ስራሓት፡ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ኣመልኪታ ሰፊሕን ዝርዝራውን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ብዘይ ንቚሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዝግስግስ ሃገራዊ ዕማማት ስለዘየለ፡ ዜጋታት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ኮም ዝተሰረተ ትካላት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ፍትሒ ምምስራት ዝያዳ ኣድማዒ ውጽኢት ስለዘለዎ፡ ብልዑል ኣቓልቦ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሃ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣቶ መሓመድ-ዑመር ማሕሙድ ብግደኡ፡ ሃገራዊ ምትእኽኻባት

ንዘጓንፉና ብድሆታት ብስሙርን ሓባራውን ኣረኣእያን ተግባርን ንምግጣም መሰረታዊ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ “ዛጊት ተረኺቡ

ብዘሎ ውጽኢት ከይተዛነና፡ ንዝያዳ ዕቤት ዓጸፋ ምጽዓር የድልየና” ክብል ኣገንዚቡ። “ጉዳይ ሃገር ቅድሚ ኹሉ

ዝስራዕ’ዩ” ዝበሉ ተሳተፍቲ፡ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን ገስጋስ ንምትዕንቓፍ ዝካየድ ሽርሕታትን ተጻብኦታትን፡

ከም ወትሩ ብሓያል መኸተኦም ከፍሽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ***

ድገ፡ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስ ክታበት ይወሃብ ኣሎ ከም ኣካል ናይቲ ጥዕና ጥሪት ብምውሓስ ምህርተን ንምብርካት ዝግበር ጻዕሪ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ ንዝርከባ ጥሪት ክታበት ግዳማውን ውሽጣውን ሕማማት ይወሃብ ኣሎ። ዕላማ ናይቲ ብቐንዱ ኣብ ጤለበጊዕ ዘተኰረ ክታበት፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንዝስዕብ ጥዕናዊ ጸገም ንምግታእ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሓኪም እንስሳ መንእሰይ ሃብቱ ወልዱ፣ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣስታት 40 ሽሕ ዝኾና ጤለቢጊዕ ንምኽታብ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ። ወነንቲ ጥሪት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ሳላ’ቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ናይ ክታበት መደብ ጥዕና ጥሪቶም ኣብ ጽቡቕ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ዝጸንሖም ስክፍታታት ኣብ ምውጋድ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ኣብሪሆም። ***

ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን-ዲሲን ከባቢኣን፡ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣካዪዶም ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንዲሲን ከባቢኣን - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓድነቶምን

ጥምረቶምን ኣደልዲሎም ንዝበረኸ መኸተን ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ድልዋት ምዃኖም፡ ብ2 ሕዳር

ኣብ ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣረጋጊጾም። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 2

ኤርትራ

ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን-ዲሲን ከባቢኣን፡ . . . . ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት፡ “ብድሆታትን መኸተን ኣብ ትሕቲ ድልዱል ሓባራዊ ሃገራዊ መረዳእታ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንቊጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሚድያን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን፡ እዋናውያን ብድሆታት፡ ከምኡ’ውን ልኡላውነት ሃገር ንምውሓስን መደባት ህንጸት ንምዕዋትን ዝካየድ

ዘሎ ንጥፈታት፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ዝፍጠሩ ዘለዉ ንዜጋታት ዘርብሑ ዕድላት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ምስጢር ዓወትን ህላወን ኤርትራ፡ ስሙር ሃገራዊ ሓባራዊ መረዳእታ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ብርሃነ፡ ነዚ ጥሙር ሓድነት’ዚ ንምዕቃብን ንምትራርን ቅድመ-ኲነት ዘየድልዮ

ዕማም ምዃኑ ብምንጻር፡ ተሳተፍቲ - ምዕባለን ብልጽግናን ሃገሮም ንምርግጋጽ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ንዝቐረበ መግለጺ ዘጐልብት ለበዋታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሮም ዝመያየጡሉን ብቐረባ ዝፈልጡሉን ባይታ ዘተ ብቐጻሊ

ዞባ ጋሽባርካ፡ ተሳታፍነት ኣብ ትምህርቲ ንምሕያል ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ ተቓኒዑ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዘሎ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝዓብየሉ መንገዲ ንምንዳይ ዝሕግዝ ዓውደዘተ፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተቓኒዑ። ኣብቲ ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ወከልቲ ወለድን ሓለፍቲ ኣብያተትምህርቲን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብቲ ዞባ ገለ ኣብያተ-ትምህርቲ ልዕሊ ዓቕመን ተመሃሮ ክምህራ ከለዋ፡ ገለ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ቊጽሪ ሒዘን ከምዘለዋ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ

ድማ ብፍላይ ምስ ምውሳኽ ደረጃ እናንቈልቈለ ከምዝመጽአ ተገሊጹ። ሓላፊ ጨንፈር ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ መሓመድዓሊ ኢብራሂም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ግዜ ምጅማር ትምህርቲ ብቐጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ብኽነት ግዜ ንምምሕያሽ፡ እተን ደንጉየን ዝጅምራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ እዋን ምዕጻው እቲ ዝጠፍአ ግዜ ክትከኣ ክግደዳ ምዃነን ብምንጻር፣ ሕጽረት መምህራን ፍታሕ ንኽረክብ፡

\\\\\\\\\\\\\

መዓልታዊት ጋዜጣ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮን ቍ.ስ 201820(2217) ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322 ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ለይ-ኣውት ኤደን ሃብተኣብ ነብያት ጸጋይ

ሳምራዊት መለስ ምስጋና ተዓገስ

ደቂ ዓዲ መምህራን ንምቚጻርን ምስልጣንን ክስረሓሉ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይረክተር ጨንፈር ምክትታልን ምርግጋጽን ብቕዓት ትምህርቲ ኣቶ ኣብራሃም ተኽለ ብግደኡ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ተጠቃሚ ተዋዲድሉ ዘሎ ትካላት ትምህርቲ ክኸውን ጎስጓስ ኪካየድ ብምዝኽኻር፡ ኩሎም ብቐረባ ምስ ህዝቢ ዝነጥፉ ኣካላት ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ተላቢዩ። ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ መንግስቲ ዜጋታት ማዕረ ዕድላት ትምህርቲ ረኺቦም ኣብ ከከባቢኦም ብቐረባ ዝግልገሉለን ትካላት ንምህናጽ ዘካይዶ ጻዕሪ ብዝሓየለ መልክዑ ይድፋኣሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሱታፌ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምዕባይ ናይ ሓባር ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣነጺሩ። ኣብ መዛዘሚ’ቲ ዓውደ- ዘተ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ጋሽባርካ ኣቶ ዑመር መሓመድ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ነተን ኣብ ዳሳት ዘገልግላ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ እዋኑ ንምጽጋንን ብኡ መጠን ተጠቃምነት ትምህርቲ ንምምሕያሽን ኩለን ኣብቲ ዞባ ዝነጥፋ ኣካላት ተዋሃሂደን ክሰርሓ ምዃነን ኣፍሊጡ። ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶታት፡ ሱታፌ ንምዕዛዝ ሰፊሕን ሓያልን ጎስጓስ ክካየድ፡ ኣመሓደርትን ኣነባበርቲ ዓድታትን ምስ ወለዲ ብምውህሃድ ዕድመኡ ዝኣኸለ ህጻን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምልኣኽ ክጽዕሩ፡ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ ንምውጋድ ዝለዓለ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ክካየድ ኣዘኻኺሮም። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣባላት መንእሰያት ህግደፍ ዋሽንግተን-ዲሲን ከባቢኣን፡ ኣብ 2008 ንዝተጀመረ ምልኣኽ ኤለክትሮኒካዊ መንበብቲን ምዕጣቕ ዲጂታላዊ ላይብረሪን ከካይድዎ ናይ ዝጸንሑ ንጥፈታት ብዝምልከት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2013/2014 ኣስታት

70 ኤለክትሮኒካዊ መንበብቲ ክሰዱ እንከለዉ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ 200 ኤለክትሮኒካዊ መንበብቲ ንምስዳድ መደብ ኣውጺኦም ይሰርሑ ከምዘለው ድሕሪ ምሕባር፡ ተሳተፍቲ ነቲ ፕሮጀክት ንምዕዋት ዝውዕል ሸውዓተ ሽሕ ዶላር ከምዘወፈዩ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ዞባ ማእከል፡ ብምትሕብባር ምምሕዳር ዞባን ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊትን መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ ይጽገን ኣሎ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብምትሕብባር ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ጨንፈር ረሳሕ ፈሳሲን ተዓቢሱ ዝጸንሐ መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ ይጽረግን ይጽገንን ኣሎ። ኣብ ክፍሊ ማይ ዞባ ማእከል ሓላፊ ምክትታል ምጽጋን መስመር ረሳሕ ፈሳሲ ኣቶ ታረቀ ኣርኣያ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝዕመም ዘሎ ስራሕ፡ ነቲ ኣብ እዋን ክራማት ብውሕጅ ኣዕለቕሊቑ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ዝጸንሐ ቀዳምነት ብምሃብ ይዕመም ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት በብኸባቢኦም ንዝተዋህቦም መደብ ንምዕዋት ብንጥፈት ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ኣካል ናይ’ቲ ጥዕና ሕብረተ-ሰብን ግርማ ከተማን ንምውሓስ ዝሰላሰል መደባት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ታረቀ፣ ነቲ መደብ ንምዕዋት ምምሕዳር ዞባ ማእከል እኹል ናውቲ ቀሪቡ ከምዘሎ

ብምምልካት፡ ዛጊት ኣስታት 2 ሽሕ ብድበት ዝመልአ ፋኛቱራታት ክጽረግ እንከሎ፡ ልዕሊ 1 ሽሕን 100 ድማ መኽደኒኡ ከምእተጸገነ ገሊጹ። ኣካያዲት ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣባሻውል ወይዘሮ ደሃብ ኣባይ ብወገና፣ ጽሬት ምሕላው ረብሓ መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ብዘይካ’ቲ ኣብ ምልማዕን ምግራብን ዘካይዶ ዘሎ ወፈራዊ ማእቶት መልክዕን ጽባቐን ከተማ ንምሕላው ብወኒ ይሰርሑ ከምዘሎ ኣብሪሃ። ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ ከባቢኦም ዘዕለቕልቕ ማይ ንምንቅስቓስ ተሸከርከርትን ነበርትን ከጸግም ከምዝጸንሐ ብምምልካት፣ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ንምዝዛም ብኣድማዕነት ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ኣብ ጎልጅ ዝተሰርሓ ራህያታት፡ ኣብ ንጥፈታት ምርባሕ ጥሪት መስተርሆት ፈጢረን ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ዝተሰርሓ ራህያታት ሎሚ ዓመት ብዝነበረ ጥሉል ክራማት እኹል ትሕዝቶ ማይ ብምውህላለን፡ ወነንቲ ጥሪት’ቲ ከባቢ ብቐረባን ብውሑድ ሃልክን ጥሪቶም ማይ ከስትዩን ክኣልዩን ከምዝበቕዑ ገሊጾም። ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እተን ራህያታት ኣብ ማእከል’ቲ ንመጋሃጫ ዝተወሰነ ቦታታት ምህናጸን ተወሳኺ ብልጫ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ማይ ንምድላይ ዝጠፍእ ዝነበረ ግዜን ጉልበትን ኣብቂዑ ጥሪቶም ምስ ዝረኽብኦ ዘለዋ ክታበት፡ ጥዕናአን ተሓልዩ ምህርተን ይስስን ከምዘሎ ሓቢሮም። እቶም ወነንቲ ጥሪት ኣስዒቦም፡

እተን ራህያታት ዝህብኦ ኣገልግሎት እናበርሃሎም ስለዝመጸ፡ ድበት ከይመልኣ ግቡእ ምክትታል ክገብሩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ሓላፊ ቊጠባዊ ልምዓት ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ኣቶ ዳንኤል ተወልዳይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ብልዑል ወጻኢታት ኣብ ነፍሲወከፍ ምምሕዳር ከባቢ ራህያ ዝሃነጸ፡ ብቐንዱ ሓረስቶት ቀዋምን ርጉእን ማሕበራዊ ሂወት ንኽህልዎም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነበርቲ ብንጡፍ ማእቶታዊ ስራሕ ክዕቅብወን ኣዘኻኺሩ። ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ 14 ራህያታት ከምዘለዋ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ይሕብር።


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 3

ኤርትራ

ጸባ’ተን ብጋይት

ኣማኑኤል በርሀ -ኣብታይ ክዕንድራ ኣብ’ቲ ቀጠልያ ጎልጎል ኣሓና የዒመን፡ ተስቶት’ውን ኣድሪሶም ዛዓጉል ክመስላ እተን ጤለ በጊዕ ስልማት ይመስላ ልምዓት ነቲ ልሙዕ ኣግማል ዘብዘብ ክብሉ ምልክት ጽጋቦም ጓሶት ጸባ ክሰትዩ መሊኡ ሒላቦም ከርስን ኣዒንትን ብሓደ ይድረራ ከተማን ገጠርን ሽሻይ ይማቐላ ጸባ ርጉኦ ብራሕ ኣጅቦ ምስ ጠስሚ ቅምስ ‘ተቢልካዮ ዘይሰድድ ጣዕሚ. . . -ኣንታ እንታይ ደኣ ቅድሚ ሰላምታ ክንድ’ዚ ግጥሚ? -ሰላም ተናፋቒት። ግጥሚ መዓስ ኮይኑ እዚ ደኣ፡ ባዕሉ ዝነቱጒ ምስጋና ውሽጢ’ዩ። መጉስዕ ጽጋብ’ዩ። ኮሊፍክኒ’ንዶ ግዳ ሓሳበይ ከይወዳእኩ። -እዋእ. . .! ኣበይ ዲኻ ቀኒኻ ሎሚ ቕነስ? ክንድ’ዚ ምጉራዕ ደኣ እንታይ ተረኽበ? -ምጉራዕ እምበኣር ከኣ ኢልክዮ። ፈረይቲ ይኹና፡ ይሰስናልና እኳ’የ ክብል ደልየ። ገና ነቲ ሰጣሕ ጎላጉል ምልእ ኢለንኦ፡ በብዓሰርተታት ተጎጃጅለን ኣድሪሰንን ኣዕሪፈንን ክትርእየን ከለኻ፡ ብኣዒንትኻ ጥራይ ኢኻ ትዓግብ። ንስልማት ኢለን ዝተዘርዋ ኣዕናቚ’የን ዝመስላ። ልዕሊ’ቲ ጸጋ፡ እቲ ጽባቐ ንበይኑ’ውን ዓይንኻ ይመልኣልካ። -ኣየኖት’የን ንሰን? ኣበይ ዲኻ ቀኒኻ? -ብዛዕባ ከብቲ ጋሽ ባርካ’የ ዘዋግዓኪ ዘለኹ። ብምንታይ ከምዝቖጽርወን ትፈልጢዶ? -ኪኖ ብቑጽሪ ደኣ ብምንታይ

ክቖጽርወን? ብኪሎ፡ ብሊትሮ፡ ብሜትሮ፡ ብጥምሮ ጥራይ ከይትብለኒ። -ሃሃሃሃሃ. . .ካልእ ቋንቋ ከስመዓኪ’የ። ብበትሪ’ዮም ዝቖጽርወን በሊ። -በትርን ቁጽርን ደኣ እንታይ ኣራኸቦም? -ሓደ ክልተ ኢልካ ዝቑጸራ’ኳ ቁንጣሮ እንተኾይነን’የን። ንኣማኢት ግን ብበትሪ ኢኻ ትቖጽረን። ሓደ በትሪ ከብቲ ማለት፡ ሓደ ሚእቲ ማለት’ዩ። ‘ክልተ በትሪ ሓሊፈን’ ክበሃል ከሎ ኸኣ ንኽልተ ሚእቲ ሓሊፈንኦ ማለት’ዩ። ጸባ ገመል ሰቲኺ ትፈልጢዶ? -ጸባ ገመልከ ይሰት ድዩ ወደይ? ሰትየ ጥራይ ከይትብለኒ። -ሓንፊፈዮ’ወ ሒላበይ መሊአ። ዕግብ ኢለሉ ደስ ዘብል ጎሲዐ። ኣብዚሐዮ’ኳ ደኣ ቁርብተይ ሰሲዐ። ላይቭ’የ ሰትየዮ ክገርመኪ። -እንታይ ‘ላይቭ’ ኢልካ

ዘረባ? -ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ምስ ተሓልበ፡ ኣብ ለቖታ ይኹን ካልእ መትሓዚ ከይኣተወ፡ ካብ ጎሎ’ታ ገመል በቐጥታ ናብ’ዛ ጎሮሮይ። -ኣነስ ኣብ ጎሮቤትና’ለዋ እስታላ ናተን ጸባ ጥራይ’የ ዝፈልጥ። -እስታላ ደኣ’ሞ መሳኺን፡ ተዓጽየንን ተኣሲረንን እናወዓላ፡ ዝተመስርሐ መግቢ ይበልዓ፡ ሽዑ ኸኣ ኣቃጢኖም ዝተመስርሐ ጸባ ይሸጡልካ። ንሱ ደኣ እንታይ ህይወት ኣለዎ ኢልክዮ ኢኺ። ፍሩስካን ኣእካልን ዝኣመሰሉ ኮንሰንትረይትስ ዝኾኑ መግብታት እናተመገባ ደኣ፡ ኣርቲፊሻል ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ ናተንሲ። እዘን ዝብለኪ ዘለኹ’ኳ፡ ኣብ ጎልጎለን ልሙዕ ሳዕሪ ብህየቱ

ተመጊበን፡ ኣብ ሩባ ሰቲት ማየን ሰትየን፡ ኣብ ደንበ ኣይዕጸዋ ዋላ ኣይሕጸራ፡ ኩሉ ናቹራል’ዩ። ፍርቂ መሬት ኤርትራ መጋሃጫ ስለዝኾነን ምስ ክሊማ ዝኸዳ ከብቲ ስለዘለዋናን ልግብ ኢልካ እንተሒዝካዮ ጸባ ከም ልብኻ’ዩ። በጋይት’ኳ ጸበአን ይኹን ስጋአን ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝልዓለ ተፈላጥነት’ዩ ዘለወን። ካብ ጋብላ እናዘመሩ ማይ ከስትይወን ከለዉ ዘሎ ኬፍ‘ዩ ዝህበካ። ምእንቲ ብዙሕ ክሰትያሎምን ድኻሞም ከይፍለጦምን፡ ምስ ቅልጣፈ’ቲ ናብ ጋብላ ዝድሽድሹለን ማይ ዝኸይድ ህርመት ዝኸይድ ደርፊ እናደረፉ’ዮም ዘስትይወን። ገመል እንታይ ዓይነት ማይ ከም ዝሰቲኸ ትግጥምዮ ዲኺ? -እሂ. . . ማይ ሰሓ ድዩ ዝሰቲ?

ሃሃሃሃሃ። -ማይ ጥዑም ኣይብርሆን’ዩ ንገመል። ማይ ሰሓ’ሞ ኸኣ ኣይምለኸፎን። ማይ ጨው’ዩ ዝሕንፍፍ። ወይ ኣብ’ቲ ዝሰትየሉ ተእትወሉ፡ ወይ ከኣ ጥረ ጨው ምስ ኣጉሰምካዮ’ዩ ማይ ዝሰትየልካ። ሽዑ ኣርባዕተ ጀሪካን ዝኸውን ሓንፊፉ ደሃይ ማይ ከይገበረ ምቕናዩ’ዩ። -እሞ ጸባ ገመል ተማሊእካዶ? -ኣይወዓልክዎን ከምኡስ። ርጉኦ ተማሊአ’ለኹ፡ ይብርሃኪ ድዩ? -ርጉኦ ምስታይማራ’የ ዝፈቱ ክገርመካ። -ርጉኦ ጋሽ ባርካ ኣይስተን’ዩ ኣንቲ ቆልዓ። -እሂ እንታይተረኽበ!? -ይብላዕ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ፍርጅ ፈጋዕጋዕ ምስ በለ፡ ማንካኻ ጌርካ ኢኻ ትበልዖ። እምበር ክንድኡ ዝሓፍስ ርጉኦ ደኣ ከመይ ኣቢሉ ክስተየልካ። መመሊሱ ሃዋ ሃዋ ስለዝመልሰልካ ግን፡ ምስ “ተመስገን” ምባል የባእሰካ’ዩ። እቶም ጓሶትእንታይ ከምዘድረሩና ፈሊጥኪ’ለኺ? -ኣሃ? -ካብ ጥቓና ዕንጨይቲ ስሕብ ስሕብ ኣቢሎም፡ መጋርያኦም ኣጒዶም፡ መሸመዖም ፈቲሖም፡ ግዕት ግዕት ኣቢሎም ብጸባ ጌሮም ኣድሪሮሙና። ኩሉ ናቹራል’ዩ በቃ። -ክላ ሕጅስ ኣፈይ ማይ መሊኣካዮ፡ ቻው ይኣኽለኒ ተሃዲድካ። -እንቋዕ ጥራይ ቀናእኪ’ምበር ዘወር ትብልየን ትኾኒ። -እንሻ’ላህ።


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 4

ኤርትራ

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ዓሻ ዓሊ ኖር - ቅድሚ ገድሊ፡ ኣብ ገድልን ድሕሪ ገድልን መበል 14ን ናይ መወዳእታን ክፋል “. . . ኣብ ዘየቋርጽ ውግእ ኢና ነይርና። ኣብ ምክትታል ጸላኢ ተጸሚድና ከለና፡ ብቕድሚ ድፋዕ ደርጓዕጓዕ ዝብል ድምጺ ሰሚዕና። ጸላም ስለ ዝነበረ ብዓይኒ ንርእዮ ነገር ኣይነበረን። እቲ ድምጺ ናይ ሰብ ወይ ናይ እንስሳ ምዃኑ ንኸረጋግጽ ኢለ ክብገስ ምስ በልኩ፡ ‘ዓሻ ጽንሒ! ንሕና ኣረጋጊጽና ክንምለስ ኢና’ ኢሎም ከልከሉኒ እሞ፡ ክልተ ሰለስተ ዝዀኑ ፊተውራሪ ናብ’ቲ ድምጺ ዝሰማዕናሉ ገጾም ኣምሪሖም ኣረጋጊጾም ተመልሱ።. . . ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ ናብ ዝዀነ ይኹን ሰውራዊ ዕማም ንገዛእ ርእሱ እዩ ዘቐድም። ናብ ውግእ፡ ናብ መስዋእቲ ‘ኣነ ክኸይድ እየ፡ ኣነ ክኸይድ እየ. . .’ እናበሉ እዮም ዝቀዳደሙ. . . ኣብ ራህዋ ይኹን ኣብ ጸበባ ካባኻ ዘይፍለዩ፡ ንገዛእ ነብሶም እናወጽዑ ዝሓልዩልካ፡ ሞት እንክመጽእ ሂወቶም ብምሃብ ዝሓልፉልካ፡ ኣብ’ቲ ጸቢብ፡ ናይ ሞትን ሕየትን ናብራ ቅድሚ ጎሮሮኦም ጎሮሮኻ ከርውዩ ዝጽዕሩ፡ ቅድሚ ከስዐኦም ከስዐ ብጻዮም

ከዐንግሉ ዝደልዩ፡ ቅድሚ ደም ብጻዮም ደሞም ክኽዕዉ ዝመርጹ፡ ኣብ ክንዳኡ ዝደኽሙ. . . ብጾት እዮም ነይሮምኒ ኣብ ገድሊ. . .” ተጋዳላይ ንሓድሕዱ እናተሓላለየ፡ ከይተገዳድዐ መስተንክር ዝዀነ ፍጻመታት ኣሕሊፉ። በለጽ - ካብ ሜዳ ኤርትራ በሪራ ከም እትጠፍእ ብምግባር፡ ብሓባር ጽዒሩን ደኺሙን፡ ብሓባር ተዋጊኡ፡ ብሓባር ተሰዊኡ፡ ብሓባር ጠምዩን ጸሚኡን፡ ብሓባር ተዓንጊሉን ረውዩን. . . ብሓባር ናጽነት ጸይሩ ዓዲ ኣትዩ። “ኣብ ሻድሻይ ወራር፡ ተወጊእና ሕክምና ምስ ኣተና፡ ገና ቁስልና ከይሓወየ ከሎ ‘ስደዱና! ወላ ሓንቲ ጸገም የብልናን’ እናበልና ንሓካይም ረቢሽናዮም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ቁስልና ከይሓወየ ድፋዕ ኣቲና። ኣብ ድፋዕ እናተዋግኡ ዝገደፍናዮም ብጾትና፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ሰብ ከይግድዑ ወትሩ ብኣታቶም ኢና እንሓስብን እንጭነቕን። ተጋዳላይ ብፍላይ ኣብ ጽንኩር ኩነት፡ ምስ ብጾቱ እንተ ሃልዩን ሰናይ ይኹን ጸገም ምስ ብጾቱ እንተ ተኻፊሉን እዩ ሕልናኡ ዝቐስን። ካብ መውጋእቲ ንላዕሊ ብዛዕባ ብጾትካ

እትሻቐሎ ይኸፍእ. . .” ተጋዳላይ ንተወፋይነት ኣብ ጥርዚ ዘብጽሐ፡ ንመስዋእትን መውጋእትን ሕልፊ ብጾቱ ክረኽባ ዘብዘብ ዝብል፡ ሂወቱ ናይ ሃገርን ህዝብን ደኣ’ምበር ናይ ውልቁ ከም ዘይኰነት ብኣጋ ዝኣመነ፡ ምእንቲ ናጽነት ሂወት ክኸፍል ዝሕጥ ዘይብል፡ ሞሳ ከይተጸበየ ትንፋሱ ዝህብ በይዛ እዩ። ሂወቱ ኣወፍዩ ናጽነት ናብ ዋናታታ ዝመለሰ ተኣምራታዊ ፍጥረት! “. . .ፍቓድ ረኺበ ሱዳን ምስ ከድኩ፡ ኣደይ ካብ ኣርባዕተና ደቃ ሓደ ዝኣሊ ዘይብላ ንበይና ሕልምልም ክትብል ጸኒሓትኒ። ምስ ረኣኹዋ ብልቢ ደንጊጸላ። እቲ ጸኒሑ ዝመጽአ ሓወይ ከኣ መውጋእተይ ምስ ረኣየ ኣመና ሰንቢዱ። ኩነታተይ ምስ ተዓዘቡ ናብ ገድሊ ዝምለስ ኰይኑ ኣይተሰመዖምን። ስለ ዝዀነ ድማ ‘ሕጂ ፍርቂ ሰብ ኢኺ ተሪፍኪ፡ ካብ ሕጂ ንንየው ናብ ገድሊ ኬድኪ’ውን ወላ ሓንቲ ትገብርሎም ስለ ዘይብልኪ፡ ኣነ ዝደለኽናኦ ክገብረልክን ምስ ኣደኺ ተቐመጢ’ ኢሉኒ። ‘ብዛዕባ ምትራፈይን ዘይምትራፈይን ንስኻ ኣይምልከተካን እዩ ምስ በልኩዎ ኣመና

እዩ ሰንቢዱ። ንኣደይ እውን ‘ኣብ’ቲ ዘለኹዎ በረኻታት ዝፈትዎም ብጾተይ ቀቢረ እየ መጺአ፡ ከም’ቶም ብጾቶምን ዕላማኦምን ገዲፎም ዝኸድዑ ክኸድዕ ኣይደልን እየ ምስ በልኩዋ’ ነገር

ናይ’ቲ ኣሃዱ ዘምዕርዎ . . . ብጾተይ ተሰዊኦም ጸኒሖምኒ። እቲ ውዕዉዕ ሰሓቕ፡ ጸወታ፡ ምትሕልላይ፡ ፍቕሪ ዘሕለፍኩሉ ድፋዕ ጸምዩኒ። ዝሓለፉ ብጾተይ ካብ ዓይነይ ምኽዋል

ማዕረ ሓዋ መሪሻ!

ወላዲት ሕማቕ እናተሰማዓ ‘ሕራይ ኪዲ ጻዕዳ ርገጺ ኢላትኒ. . .” ንተጋዳላይ - ዕላማ ልዕሊ ኩሉ እዩ። ንናይ ስጋ ዝምድናኡ - ብዝምድና ሓመድ፡ ዝምድና መሬት፡ ዝምድና ብጻይ፡ ዝምድና ዕላማ. . . ዝተከአ ተጋዳላይ፡ ኩሉ ምቾትን ዘንጸባርቕ ነገራትን ክንዮ ዕላምኡ ሰተት ከየበሎ እዩ ናጽነት ህያው ገይሩ። ሓው፡ ሓፍቲ፡ ኣቦ፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ዓጽ-መስጋ. . . ኣብ ድሕሪ’ቲ ዝወፈረሉ ዕላማ ኣቐሚጡ ናብ መዓርፎኡ ጥራይ ገስጊሱ። ካብ ኩሉ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት ንገዛእ ነብሱ ኣንጺሁ፡ ዘይነጽሁ ከንጽህ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ ናብ ዕላማኡ ኣሚቱ። “ካብ’ቲ ዝነበርናዮ ታባ ሃጸይነት፡ ሸለው ዝበለ ቁልቁለትን ዘንቃዕረረ ዓቐበትን እናተጓዓዝና ኢና ማይ፡ መግብን ዕጥቅን ነምጽእ ዝነበርና። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ሰሜናዊ ሳሕል፡ ብፍላይ ኣብ ገለ ወቕትታት ንምድሪ ናብ ረመጽ ዝቕይር ጸሓይ እዩ ዘለዎ። ኣነባብራና ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ። ናብ ማይ ይኹን ናብ ካልእ ዕማም፡ ብትእዛዝ ዝኸይድ ተጋዳላይ ኣይነበረናን። ነብሲ ወከፍ ሰብ “ኣነ፡ ኣነ. . .” እናበለ ባዕሉ እዩ ዝብገስ። ሓደ እዋን ጀሪካን ኣልዒለ ምስ ብጾተይ ናብ ማይ ተበገስኩ። በጺሕና ንኽንምለስ ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወስድ ጎልጎል፡ ዓቐብን ቁልቁልን ክንሓልፍ ኣለና። ማይ መሊእና ክንምለስ ከለና፡ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ተብተብ እናበልኩ ተጓዓዝኩ። ‘ደኺመ’ ዝበሃል ቃል ኣየውጽእን እዩ ተጋዳላይ። ክሳብ እትወድቕ ትልኽ እናበልካ ምቕጻል ጥራይ እዩ። ኣብ ጥቓ ጋንታና ምስ በጻሕኩ ከኣ ብኮልቮዲሶሎ ጠረብ ኢለ ወደቕኩ. . .” “. . .ካብ ሕክምና ምስ ተመለስኩ፡ ሓያሎ ዘፍቅሮም፡ ውፉያት፡ ንሂወት

ኣብዮምኒ። ኰይኑ ግና፡ ዕላማ - መንፈስካ ኣትሪርካ ቃልሲ ብምቕጻል ጥራይ ስለ ዝብጻሕ ከም ወትሩ ሂወትናን ቃልስናን ቀጺልና” ጽንዓት ተጋዳላይ - ጽንዓት ኣብ ኲናት፡ ጽንዓት ኣብ ጥሜትን ጽምእን፡ ጽንዓት ኣብ መውጋእትን ቃንዛን፡ ጽንዓት ኣብ ጉዕዞን ሃለኽለኽን፡ ጽንዓት ኣብ ዕላማ፡ ጽንዓት ኣብ ኩሉ. . . ሰሃሮ ኣስጊሩ ተኣምራታዊ ታሪኽ ወሪቑ። ከይበልዐን ከይሰተየን ንመዓልታት ይጓዓዝ ተጋዳላይ! ነፈርቲ ኲናት፡ ታንክታት፡ ከበድቲን ፈኮስቲን ኣጽዋር ኣይሂ ዓረር እናዝነቡሉ ካብ ዕርዱ ምንቕ ከይበለ ይከላኸል። ምድረ ሰማይ ብሂምታን ቦምባታትን እናተገማጠለ፡ ተጋዳላይ ስጋኡ እናተመንጠለን ኣዕጽምቱ እናተሰባበረን ኣትኪሉ ይዋጋእ። ቀመማዊ ጋዝ ክዘንቦ ከም ዝዀነ እናፈለጠ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ክምክት ኣብ ዕርዱ ይጸንዕ። ዓለም ምሉእ ክትጠፍእ ኢኻ እናበላ ኣብ ኣድማስ ዘጋውሕ ፕሮፓጋንዳ እናነፍሓ ኣብ ዕላምኡ ገጥ ኢሉ ይምክት። ጽንዓት ተጋዳላይ ንረመጽ ናብ ማይ ቀይሩ ብዓወት ዛዚሙ። ክቡራት ኣንበብቲ “ዓሻ ዓሊኖር ቅድሚ ገድሊ፡ ኣብ ገድልን ድሕሪ ገድልን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ክወጽእ ዝጸንሐ ዕላል ምስ ታሪኽ ኣብ’ዚ ተዛዚሙ ኣሎ። ኣብ ዓምዲ ዕላል ምስ ታሪኽ” ዘለኩም ርእይቶ፡ ሓሳባት፡ ነቐፌታ ይኹን ሓበሬታ እንተ ሰዲድኩልምና ኣብ ምዕባይን ምምሕያሽን ዓምድና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ስለ ዝህልዎ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበል ድሉዋት ኣለና። ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ዓምዲ ዕላል ምስ ታሪኽ፡ ቁጽሪ ሳንዱቕ ቡስጣ 247 ኢልኩም ስደዱልና።


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 5

ኤርትራ

ዶ/ር ኪዳነ ተኽላይ

ምልክታትን ሳዕቤናትን ዓሶ ሕማም ዓሶ ብመንከስቲ ኣንስተይቲ ጣንጡ ዝመሓላለፍ ክሳብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሓደገኛ ተመሓላላፊ ሕምም’ዩ። ብፍላይ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ (ኣብ ከባቢ ቅናት ምድሪ ዝርከባ ሃገራት) ዓመታዊ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብሰንኪ’ዚ ሕማም’ዚ ግዳይ ሞት ይኾኑ። መጽናዕታት ከም ዘመልክትዎ ከኣ ዝበዝሑ እዞም ግዳያት ህጻናት፡ ኣረጋውያንን ነፍሰ-ጾራትን’ዮም። ሃንደበታዊ ረስኒ ኣካላት፡ ቃንዛ ርእሲ፡ ቅርጥማት፡ ምዕጻው ሸውሃት፡ ዕረ-ዕረ ምጥዓም፡ ቁሩ-ቁሪ፡ ቅርጥማት፡ ረሸሽታ፡ ዕግርግር፡ ተምላስ ከምኡ’ውን ረሃጽ ካብ ቀንዲ መለለይ ሕማም ዓሶ እዮም። ብቑልጡፍ ምስዘይፍወስ ከኣ ምዕውልዋልን ሃለዋት ምጥፋእን የስዕብ ጠንቂ ሞት ከኣ ይኸዉን። ስለዚ ሓደ ሰብ ዝኾነ ካብዞም ምልክታት ምስ ዝርኣዮ ብፍላይ ኣብ ዓሳው ኣከባቢ ዝነብር ምስ ዝኸውን፡ ተቐላጢፉ ናብ ሕክምና ክመጽእ ኣለዎ። ጠንቂ ሕማም ዓሶ ፕላስሞድዩም ዝበሃሉ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ጽግዕተኛታት’ዮም። እዞም ጽግዕተኛታት ኣብ ደም ሰብን ጣንጡን ይነብሩ። ኣንስተይቲ ጣንጡ ከኣ ካብ ሕሙም ሰብ ናብ ጥዑይ ሰብ ነዞም ባእታታት ብመንከስቲ ተማሓላልፎም ማለት’ዩ። ጣንጡ ኣብ መታሕትን ጠሊ ዝበዝሖን ማይ ዝዓቑሮን ኣከባቢ ትፋረ። እዚ ድማ ሓንቲ ጣንጡ እንቋቑሖ ክትጸፊ እንተድኣ ኮይና ዕቋር ማይ የድልያ። እዚ እቲ ዝመችአ ቦታ መራብሒ ጣንጡ’ዩ። ስለዚ’ዩ ድማ ጣንጡ ኣብ ግዜ ክራማት ብብዝሒ እትፋረ። ሕማም ዓሶ ብኣግኡ ተለልዩ ምስ ዘይፍወስ፡ ናብ ሞት ዘብጽሑ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ኣለዎ። ግዜ ምስ ዝወስድ፡ ምልክታት እናሓየሉ ይመጹ።

ሓያል ረስኒ ምስ ተምላስን ምዕጻው ሸውሃት ተደማሚሩ ናብ ጽምኣት ኣካላትን ሓደገኛ ዝኾነ ትሑት መጠን ሽኮር የምርሕ። ምንሃር ውሽጣዊ ንጥፈታት ኣካላት ከምኡ’ዉን ምህላኽ ሽኮር በቶም ወረርቲ ድቀ ሂወታውያን ካልእ ተወሳኺ ጠንቂ ትሑት መጠን ሽኮር ኣብ እዋን ሕማም ዓሶ’ዩ። ሕማም ናብ ሓንጎል ክምዕብልን ዓሶ ርእሲ የኸትልን፡ ምልክታት ወቕዒ ሓንጎል ከኣ ከምጽእ ይኽእል። ዓሶ ዘስዕቡ ፕላስሞድዩም፡ ንቀያሕቲ ዋህዮታት ደም የጥቅዑ፡ እዚ ድማ ናብ ቁልጡፍ ምምዕባል ዋሕዲ ደም የምርሕ። ምዕባይ ላልሽን ጸላም ከብድን’ዉን ካብ ሳዕቤናት ሕማም ዓሶ ዝኾኑሉ ዉሑድ ኣይኮነን። ምዕባይ ላልሽ (ቃባ)፡ ዘይምችኡነት ዝፈጥርን ንዋሕዲ ደም ዘጋድድን’ዩ። ሕጽረት ምስትንፋስ ዘስዕብ ምእካብ ማይ ኣብ ሰናቡእ፡ ቅልጡፍ ዕንወት ኩሊት’ዉን ካብ ሳዕቤናት ናይዚ ሕማም’ዮም።

ረኽሲ ፋንገስ ፋንገስ ካብ ዓይነታት ድቀሂወታውያን ኮይኖም፡ ኣብ ኣካላት ዝተፈላለዩ ረኽስታት ከስዕቡ ይኽእሉ። እዞም ረኽስታት ኣብ ቆርበት ዝዓብለሉ ኮይኖም፡ ኣብ ካልእ ክፋል ኣካላት’ዉን ክርኣዩ ይኽእሉ። ረኽሲ ፋንገስ ኣብ ቆርበት ተውሳስ ተባሂሉ ይፍለጥ። ተውሳስ ኣብ ርእሲ፡ ገጽ፡ ኢድ፡ ኣእጋርን ካልእ ክፋላት ቆርበትን ይርአ። ኣብዚ ጽሑፍ ረኽሲ ፋንጋስ ኣብ እግሪ ቀሪቡ ኣሎ። ረኽሲ ፋንገስ ኣብ እግሪ፡ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ሞንጎ ኣጻብዕቲ እግሪ ዝብገስ ኮይኑ፡ ጸቢብ ጫማ ዝለብሱን ኣእጋሮም ብብዝሒ ዝርህጽ ሰባትን ከኣ ብብዝሒ የጋጥም። ምልክታት ናይዚ ረኽሲ’ዚ ከቢብ ወይ ቅርጺ ካትም ዝመስል ዕንፍሩር ኣብ ቆርበት ምስ ሰሓ ኮይኑ ቀጻሊ ምሕካኽ ይደሊ። እዚ ሳሓ ቆርበት ኣብ ልዕሊ’ታ ዕንፍሩር ዉሱን ኮይኑ፡ ጫማ ወይ ካልሲ ኣብ ዝወጻሉ እዋን ዝሓየለ ይኸዉን። ተደጋጋሚ ምሕካኽ ናብ ካልእ ረኽሲ

የቃልዕ። እዚ ረኽሲ’ዚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብዝተበከለ ክዳንን ሽጎማኖን ክመሓላለፍ ይኽእል። ቀጻሊ ጸቢብ ጫማ ወይ ካልሲ ምልባስ፡ ዘይናትካ ክዳን፡ ጫማ፡ ክዳን፡ ምንጻፍ ወይ ሽጎማኖ ምጥቃም፡ ኣብ ሰባት ብብዝሒ

ምክንኻን ኦሞሮድዮ ኦሞሮድዮ ብምግፋሕ ኣብ ባጡቕ ዝርከቡ እኩባትን ደቀቕትን ቨይናት ዝበሃሉ ሻምቆታት ደም ይኽሰት። እዞም ቨይናት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክገፍሑን ሕበጥ ከቑምን ይርኣዩ። ኦሞሮድዮ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ክሊ ዕድመ 40-65 ዓመት ይርአ። ኦሞሮድዮ ሓደ ካብ ሕማማት ባጡቕን ከባቢ መሃንቱስን ኮይኑ፡ ቃንዛ ዘይብሉ መድመይቲ ብመሃንቱስ ብፍላይ ኣብ እዋን ቀልቀል ምውጻእ፡ ሳሓ ኣብ ኣፍ መሃንቱስ ዘሎ ቆርበት፡ ቃንዛ( ዋላ’ኳ ሳሕቲ እንተጋጠመ) ከምኡ’ው ዝርአ ሕበጥ ቀንዲ ምልክታት ናይዚ ሕማም እዮም። ኦሞሮድዮ እውን ምልክት ናይ ካልኦት

ሕማማት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ካልኦት ንኦሞሮድዮ ዝመሳሰሉ ሕማማት ኣለዉ። ኦሞሮድዮ ምዃኑ ምስ ዝፍለጥ፡ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣብ ምጉዳል ምልክታትን ምቹኡነት ምፍጣርን ጽቡቕ ተራ ይጻወቱ። • ምልክታት ኦሞሮዲኦ ኣብ ግዜ ቀልቀል ምውጻእ ብዒሕታ ስለ ዝጋደዱ፡ ብዝታኻእለ መጠን ድርቀትን ዓጺቕ ቀልቀልን ክውገድ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ኣመጋግባ ምምሕያሽ ብምግባር’ዩ። ፋይበር ዘለዎም መግብታት ምዝውታር እቲ ቀንዲ ኣማራጺ መገዲ ኣብ ምክንኻን ኦሞሮድዮ እዩ። ፋይበር (ሓሰርምሳር) ኣብ ምልስላስ ቀልቀል ዓቢ ተራ ኣልዎ። እዚ ድማ ኣብ ፍረታትን ኣሕምልትን

ኣእካልን ይርከብ። • ፈሰስትን ማይን ምብዛሕ’ውን ኣብ ምክንኻን ኦሞሮድዮ ተራ ኣለዎ። • ኦሞሮድዮ ብጽሬት ክትሓዝ ኣለዎ። መዓልታዊ ብልቡጥ ማይ ገርካ ንመሃንቱስ ምሕጻብ’ዉን ኣብ ብዙሓት ሰባት፡ ምልክታት ኣብ ምጉዳል ኣዚዩ ውጽኢታዊ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። • ብሕክምና ዝወሃብ ዝልከ መድሃኒት’ውን ኣካል ናይ ምክንኽን ኦሞሮድዮ እዩ። እዚ ቃንዛን ሳሓን ከባቢ መሃንቱስ የጉድል ካብ ነድሪ’ዉን ይከላኸል። እዚ ክንክን እናተገብረ ምልክታት ኣሸገርቲ ምስ ዝኾኑ፡ ኦሞሮድዮ ብመጥባሕታዊ ሓገዝ ክእለ ይኽእል።

ዝእከብሉ ከም መሐንበሲ ቦታታት፡ ኮሮድዮ፡ ህዝባዊ ሽቓቕ ወይ ሻወር ብዘይ ጫማ ነዚ ረኽሲ ካብ ዘቃልዑ ነገራት እዮም። ኣእጋር ብግቡእ ክጸርን ጠሊ (ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኣጻብዕቲ እግሪ) ከይህልዎን ምግባር፡ ካልሲ ብቐጻሊ ምቕያር ብፍላይ ኣግሪ ኣብ ዝርህጸሉ ኣዋን፡ ፍኹስ ዝበለ ጫማ ምልባስ ወይ ንፋስ ክኣትዎ ዝኽእል ጫማ ምዝውታር፡ ናይ ካልእ ሰብ ጫማ ዘይምጥቃም፡ ኣብ ጅምናዝዩም፡ መሐንበሲ፡ ወይ ህዝባዊ ባኞታት ሽዳ፡ ሸበጥ ወይ ሰንደል ምልባስ፡ ድሕሪ ዝኾነ ንምትንካፍ ቆርበት ዝዕድም ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት (ስፖርት)፡ ኣካላት ብሳቡና ምሕጻብ፡ ኣካላት ምስ ተሓጽበ፡ ምዝፋፍን ብሽጎማኖ ምውልዋልን ገለ ካብዚ ረኽሲ ንምክልኻል ዘኽእሉ ሜላታት’ዮም። ረኽሲ እግሪ ፋንገስ ምስ ዘይፍወስ ናብ ካልእ ክፋል ቆርበት ብቐሊሉ ክሓልፍን ከስፋፍሕን ይኽእል። ኣእዳው፡ ከባቢ ሽምጢን ናብ ርእስን ከብል ይኽእል። እዚ ከኣ ኣብ ግዜ ምሕካኽ ካብ ዝተለኽፈ ናብ ኢድ ስለ ዝልከፍ፡ ብቐሊሉ ናብ ካልእ ክፋል ቆርበት ክሓልፍ የኽእሎ።


áˆ“á‹łáˆľ

12 áˆ•á‹łáˆ­ 2014 - áŒˆáŒ˝ 6

áŠ¤áˆ­á‰ľáˆŤ ኢዎቤዾ ሰለሞን á‰Ľáˆ˜áŠ•áŒˆá‹˛ ሞáŒ?ዚቹ ጸጋ áŒ?ርማይ áŠŁá‰˘áˆ‰á?Ą áˆľáˆ? áŠŁá‰Śáˆ“áŒŽá‹­ ቼኣደ ወገን áŒ?ርማይ á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áŒˆá‰Ľáˆ¨áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በለá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን9/12/14 áˆ°á‹“á‰ľ 8á?Ą00 ቅ/ቀ ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 5á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.39 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

ሰ

ታደ áˆ? ሄ ቤተáˆ? ዳዊቾ ቼ ሃ á‹ł

ዞባ áˆ›áŠĽáŠ¨áˆ? áŠŁáˆľáˆ˜áˆŤ ኣቜ ጸሃየ áŒ?ርማይ á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą ጸሃየ áŒˆá‰Ľáˆ¨áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በሉá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን4/12/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 6á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.41 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

áˆłáˆ?áˆśáˆ? áŒ?ርማይ á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áˆłáˆ?áˆśáˆ? áŒˆá‰Ľáˆ¨áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በለá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን4/12/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 6á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.41 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ ወ/ሎ ጸጋ áŒ?ርማይ á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą ጸጋ áŒˆá‰Ľáˆ¨áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በላá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን4/12/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 6á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.41 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ ኣቜ መንáŒ?áˆľá‰ľáŠŁá‰Ľ áŒ?ርማይ á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą ኣቜ መንáŒ?áˆľá‰ľáŠŁá‰Ľ áŒˆá‰Ľáˆ¨áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በሉá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን9/12/14 áˆ°á‹“á‰ľ 8á?Ą00 ቅ/ቀ ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 5á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.39 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

QATAR AIRWAYS GROUP RECRUITMENT Asmara Recruitment Qatar Airways will soon be flying to Asmara, Eritrea and have a number of exciting opportunities in our newest station. We continue to grow at a rapid rate and are looking for people to join our world-class workforce of more than 30,000 employees with more than 100 different nationalities. Each of them strives to uphold our mission statement: “Excellence in everything we do� 1- Airport Service Manager (Ref: QR6200)

á‰Ľáˆ­áˆƒáŠ? áŒ?ርማይ á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą á‰Ľáˆ­áˆƒáŠ? áŒˆá‰Ľáˆ¨áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በለá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን9/12/14 áˆ°á‹“á‰ľ 8á?Ą00 ቅ/ቀ ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 5á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.39 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ ረዘáŠ? ወáˆ?á‹°áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? ተወáˆ?á‹° áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą ረዘáŠ? ወáˆ?á‹°áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? ተወáˆ?á‹°á‰Ľáˆ­áˆƒáŠ• á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በለá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን20/11/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 3á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ ኣቼ መንጎ ቼá??/ሰ/መሰáˆ? ወረ/áŠ?á??/áŒ?áˆŤ/á??áˆľáˆƒá‹¨ á‰ áˆŤáŠş 1.የማáŠ? á??áˆľáˆƒá‹¨ +5 ቼá??/ሰ/á‹•á‹ł ወረ/áŠ?á??/áŒ?áˆŤ/á??áˆľáˆƒá‹¨ á‰ áˆŤáŠş 1.ተወáˆ?á‹° á??áˆľáˆƒá‹¨ +2 ዘሎ ናይ áˆ˛á‰Şáˆ? ክርክር áŒ‰á‹łá‹­á?Ą ቼá??/በ/á‹•á‹ł በ.3 áŠŁáˆľá‰´áˆ­ á??áˆľáˆƒá‹¨ á‰Ľáˆ˜áŒ¸á‹‹á‹•á‰ł áŠ­á‰ľá‰€áˆ­á‰Ľ áˆľáˆˆá‹˜á‹­áŠ¨áŠŁáˆˆá‰ľ ተጸዊዓ ን2/12/14 áˆ°á‹“á‰ľ 8á?Ą00 ናይ ንáŒ?ሆ ኣቼ ላ/ቤ/á?? 1á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‰ľá‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ áŠĽáŠ•á‰°á‹˜á‹­á‰€áˆŞá‰Ł á‹ľáˆ› áŒ‰á‹łá‹Ť ኣቼ á‹˜á‹¨áˆˆá‹ˆá‰ľáˆ‰ ክረአáˆ?ዃኑ áŠ?á??áˆ?áŒĽá?˘

Will ensure that Customers are provided with the Qatar Airways 5 Star Service promise.

−

Must be a customer advocate, maintaining a high level of customer service delivery by all station personnel in conjunction with various vendors to meet departmental and corporate goals and objectives.

−

Will regulate changes in operational conditions and proactively solve problems.

−

Will ensure efficiency of check-in and gate operations

−

Will develop all functions of station activity within budget constraints with strong emphasis on customer service/safety

−

And will develop and mentor employees to their fullest potential

Applicants must:− Have aBachelors Degree in Business Administration, Management, IATA Travel and Tourism −

Possess a minimum of 7-10 years Airlines or ground handling experience, of which 5 years are in operational management positions with an IATA Airline.

−

Have experience in handling wide and narrow bodied aircrafts and have experience handling multiple operations.

−

Be able to be physically involved in the operation and therefore have a strong operational background including excellent interpersonal skills. Must have excellent knowledge on aircraft safety, weight and balance and DCS systems preferable Amadeus

−

Be fluent in English (both oral and written).

−

Have at least 3 years’ experience in a similar capacity.

−

Be service oriented with knowledge in IATA standard reservation/ticketing procedures. Fair knowledge of world geography is required.

−

Have excellent communication skills in English and a strong command of the MS Office suite.

Interested candidates are welcome to send application and CVs until 20th November 2014 at 12:00 PM to Qatar Airways C/o Hotel Asmara Palace. Shortlisted candidates will be contacted for interviews set for Friday 21st November 2014. Please include the following in your applications:− 1 Passport size Photograph −

CV/Resume

−

Copy of your Highest qualification Certificate

−

Evidence of completion of the National Service with a letter of release.

Important Notice Qatar Airways group does NOT charge candidates for application forms or interviews. If somebody has solicited money from you in relation to this recruitment campaign please report the incident to: reportfraud@qatarairways.co..qa

ሰለሙን áŠŁáˆˆáˆ? ኣáˆ?áˆ˜á‹śáˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą ሰለሙን á‹˜áˆ­áŠŁá‹­ áŠŁáˆľá??ሃ á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በለá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን27/11/14 áˆ°á‹“á‰ľ 8á?Ą 00 ቅ/ቀ ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 5á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.39 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ áŠ¨áˆ­áŠ¨á‰ á‰ľ ኼዎቼ áˆľá‹Šáˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áˆ¸á‹Šá‰ľ ኼዎቼ áˆľá‹Šáˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?á‰ áˆˆá‰ľá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን27/11/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 6á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.41 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ áˆ?áˆ•áˆ¨á‰ľ ውቆቼ áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áˆœáˆŞ ውቆቼ á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?á‰ áˆˆá‰ľá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን25/11/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 7á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ ወ/ሎ ሓርáŠ?ቾ ጎዖይ áŒˆá‰Ľáˆ¨áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą ሓርáŠ?ቾ áŠŁá‰Ľáˆ­áˆƒ ወáˆ?á‹°áŒˆá‰Ľáˆ­áŠ¤áˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በላá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን/14 ኣቼ ቤ/á?? á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘ ተወáˆ?á‹°á‰Ľáˆ­áˆƒáŠ• áŒˆá‰Ľáˆ¨á‹?ጊ ወáˆ?á‹°áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą ተወáˆ?á‹° áŒˆá‰Ľáˆ¨á‹?ጊ ወáˆ?á‹°áˆ›áˆ­á‹Ťáˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በለá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን3/12/14 áˆ°á‹“á‰ľ 8á?Ą00 ቅ/ቀ ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 2á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

ወáˆ?á‹°áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? áˆƒá‰Ľá‰ą á‰°áŠ˝áˆˆáˆƒá‹­áˆ›áŠ–á‰ľ áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? áˆƒá‰Ľá‰ą ተ/ áˆƒá‹­áˆ›áŠ–á‰ľ á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በለá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን8/12/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 7á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

áˆŽá‹łáˆľ á‹“áŠ•á‹°á‰Ľáˆ­áˆƒáŠ• በርሀ á‰ĽáˆžáŒ?ዚታ á‹“áŠ•á‹°á‰Ľáˆ­áˆƒáŠ• በርሀ á‰°áˆľá?‹á‹­ áŠŁá‰˘áˆ‹á?Ą áˆŽá‹łáˆľ á‹“áŠ•á‹°á‰Ľáˆ­áˆƒáŠ• በርሀ áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áˆŠá‰ł á‹“áŠ•á‹°á‰Ľáˆ­áˆƒáŠ• በርሀ á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?á‰ áˆˆá‰ľá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን4/12/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 6á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.41 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

áˆˆá‰°áŠşá‹łáŠ• áŠŁáˆ›áˆ¨á?Ą áˆľáˆ? ኣደይ áŠŁá‰Ľáˆ­áˆƒáŒ˝á‹ŽáŠ• á‰°áŠ˝áˆˆ á‰°áˆľá?‹á‹­ áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą ተበርህ á‰ áˆŤáŠş áŒˆá‰Ľáˆ¨áˆ˜á‹ľáˆ…áŠ• á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?á‰ áˆˆá‰ľá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን3/12/14 áˆ°á‹“á‰ľ 8á?Ą00 ቅ/ቀ ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 2á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

áˆ“áŒŽáˆł á‹´áˆľá‹¨ áˆƒá‰Ľá‰° áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áˆ“áŒŽáˆł ደሴ áˆƒá‰Ľá‰° á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?á‰ áˆˆá‰ľá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን3/12/14 áˆ°á‹“á‰ľ 8á?Ą00 ቅ/ቀ ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 2á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

ሃጸይ በርሀ áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áŒ˝á‹ŽáŠ• በርሀ á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?á‰ áˆˆá‰ľá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን3/12/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 8á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

The successful candidate; − Will ensure that Airport Operations in all arears run smoothly while conforming to safety and security requirements. −

áˆ?áŒ€á‰ľ ህá‹?ቅኤáˆ? áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áˆ?ችው ህá‹?ቅኤáˆ? á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?á‰ áˆˆá‰ľá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን25/11/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 7á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

`8.p ÂŒÂś

k 1

áŠŁáŠ•áŒˆáˆśáˆ? á‰°áˆľá?‹áˆšáŠŤáŠ¤áˆ? ማህደረ áˆ?ባáˆ? á‰°áˆŞá?‰á?Ą áŠŁáŠ•áŒˆáˆśáˆ? ወáˆ?á‹°áŒˆá‰Ľáˆ­áŠ¤áˆ? áŠŁá‰Ľáˆ­áˆƒ á‰°á‰Łáˆ‚áˆ‰ á‹­á‰°áŠŁáˆ¨áˆ˜áˆˆá‹­ áˆľáˆˆá‹?በለá?Ł á‹?ቃወáˆ? áŠĽáŠ•á‰°áˆŽá?Ą ን28/11/14 ኣቼ 1á‹­ ቤ/á?? 6á‹­ áˆ˜áŒ‹á‰ŁáŠŁá‹Ť በ.41 á‹­á‰•áˆ¨á‰Ľá?˘

¢` 6Ăš ¤ij ¤6` 1Ăš Ă p ÂĽ ĂŻp

š` 8‡-NĤ- ( k m¤8) Ă… Â

š` 8k=‡-np Ăš0Â&#x;^Ĺ‚ 07142402 / 07461121

Ä&#x;Ă´ p ¤pÄŽp pĂœ Ă–â?

9 ` ‰^ kÂŤ8k ÂœkĂ&#x; Âş ÂšĂ´Ăœ8m Ģ Äłm kćO Ĺ‚ Ć›

ÄŒT â€™Ă…ÂŒ Ģ Äłm

6Ăš-8Ăš ¤ij COMPLETE JUNIOR MATHEMATICS 9Ăš-12 ¤ij COMPLETE

ALGEBRA

1Ăš Ă p ÂĽ ĂŻp FUNDAMENTAL

CALCULUS

ž ž ž ž ž

¡Â&#x;5 Ăž Ă´ Ă´ 3+p ÂŒĂŠ Ă p 0m ž Ă&#x; š ÂŒ¡3ÂŒm ÄŽkŠnp ž Ă&#x; š ÂŒĂŹÂ‡. ž Ă&#x; š ÂŒ p-¤

9Ăš-12 ¤ij COMPLETE

GEOMETRY

šÂ&#x;ĹŠņ 4‰n 8k=‡- o 124009 ¡Ăš 07116587

Invitation for BID The Eritrean Social Marketing Group (ESMG) is planning to produce a 2015 annual calendar with the specification listed below.

NO. 1.

Description Full color, Glossy, 250 gm paper, coated and it will have seven pages, Ringed and stainless hanging hook

Size A-4

Quantity 1,500

ESMG would like to invite qualified and well experienced printing press for producing the above listed material. The bidders can collect the proforma from ESMG office and they are encouraged to contact ESMG for any clarifications. The bid will remain open for seven consecutive days from the day it appears in the newspaper and must be delivered to the address below at or before 18 hours of the seventh day and the bids will be opened in the next working day at 9:00 am in the present of the bidders or their due representatives. The bidders must have a valid license. Bidders are required to deposit a bid security of 10,000.00 NKF through C.P.O, or Cheque which will be returned back immediately after the opening of the bid for non winners and upon the successful accomplishment of the work for the bid winner.

Addendum On the QATAR AIRWAYS Group Recruitment published on Eritrea Profile on Wednesday 29.10.2014 the place for interview will be in Asmara Palace on 15.11.2014 at any time between 9am to 5pm.

The bid envelope must contain bid documents, deposit documents, valid license’s copy and be sealed and securely closed. The task must be completed within 45 days of the signing of the contract. ESMG will not be obliged by the bid if it finds a better offer that would benefit the organization. Address: ESMG office is located at the back of the Municipality ( ZobaMaekel Administration office) of Asmara, Tel 124379 /126946, P.O.Box 5839.


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 7

ኤርትራ ዞባ ማእከል ኣስመራ

እንተሎ፡ ን4/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሓያት ማሕሙድ ስዒድ ምባል ተሪፉ፡ ኣማል ማሕሙድ ስዒድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/12/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣበባ ተስፋዝጊ ሃብተ፡ ኣቦና ተስፋዝጊ ሃብተ ቀለታ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 8 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ጉዖይ ተኽለ ምባል ተሪፉ፡ ጉዖይ ከሓሰ መዓሾ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/12/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ከሳሲት ወ/ሮ ሳምራዊት ዓሊ ኣሕመድ ምስ ተኸሳሲ ሙሉጌታ ተኽላይ ኣርኣያ ብባህሊ ሃገር ተመርዒና ተኸሳሲ ንልዕሊ 2 ዓመት ደሃይ ስለዘይብሉ ተጸዊዑ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀረበ ፍትሕ ክፍጸመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዮውሃንስ ዘሚካኤል ተኽለማርያም ምባል ተሪፉ፡ ዮውሃንስ ዘሙይ ተስፋማርያም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/12/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ። ወ/ሮ ማክዳ ጸጋይ መለስ፡ ተጸዋዒ ኣቶ ኣፈወርቂ ኣማኑኤል ጊላዝጊ ብዛዕባ ዮስያስ ዝተባህለ ቆልዓ ሞግዚትነት ስልጣን ክወሃባ ስለዝሓተታ፡ ተጸዋዒ ኣድራሽኡ ዱበይ ኮይኑ ንጹር ኣድራሻ ስለዘይተፈልጠ ተጸዊዑ ብኣካል ወይ ብወኪሉ ን4/12/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ቤ/ፍ ኣብ ዘየለወሉ ጉዳዩ ክርእዮ ምዃኑ የፍልጥ። ኣመተ እምሃጼን ሓይለስ ምባል ተሪፉ፡ ማመት እመሃጼን ሃብተጼን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/12/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውል ከሳሲት ወ/ሮ ለምለም ትኩእ ኸሊፋ ምስ ተኸሳሲ የውሃንስ ወልደስላሴ ዘርእዝጊ ብባህሊ ሃገር ተመርዒና ተኸሳሲ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ኣበይ ከምዘሎ ደሃይ ኣይገበረለይን። ተኸሳሲ ደሃይ ከይገበረለይ ንዓመት ተጸብየዮ ስለዚ ተጸዊዑ ን5/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ሰናይት ተስፋይ ወልደገርግሽን ተኸሳሲ ኣቶ ጸጋይ ጸጋይ ወልደሚካኤል ተስፋይን ዘሎ ናይ ሓዳር ጉዳይ ከሳሲት ክሲ ኣቕሪባትልካ ስለዘላ፡ ኣድራሻኻ እውን ንጹር ስለዘይኮነ ን5/12/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ብኣካል ወይ ብወኪልካ ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ግን ቤ/ፍ ኣብ ዘየለኻሉ ክውሰን ምዃኑ ንሕብር። ወ/ሮ ቅድስቲ ወልደየሱስ እምባየ፡ ወላዲና ወልደየሱስ እምባየ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም

ኣቶ ሙሉጌታ ጎይትኦም ተኪኤ፡ ኣቦሓጎና ቀሺ ተኪኤ ገብረየሱስ ስለዝሞተ፡ 1.ንመልኣከጽዮን ቀሺ ወልደገርግሽ ተኪኤ 6 ተተካእቲ ደቁ 2.ንወ/ሮ ምልእተ ተኪኤ 3 ተተካእቲ ደቃን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ወ/ሮ እምባፍራሽ ኣባይ ምራጭ በዓል ቤተይ ኣቶ ኣብርሃም ዘርኡ ተኪኤ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቁን 1 ተተካእን ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ትእማር በይን ርስቱ፡ ኣደና ኣስገደት ወልደየውሃንስ ሓጂ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ህልውቲ ሓፈይን 3 መወቲ ኣሕዋተይን 10 ተተካእቲ ደቀንን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣማኑኤል ጸሃዮ ኪዳነ፡ ወላዲና ጸሃዮ ኪዳነ ካሕሳይ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 7 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና

ወ/ሮ ምሕረት ገብረመስቀል ወልደስላሴ በዓል ቤተይ ጸሃየ ሰለሙን ወልደማርያም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣስካሉ ተስፋይ ተኽለ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ኣብርሃም ገብረመድህን ዘርኡ ንኣስታት 20 ዓመት ስለእተፈለየኒ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጅዳ እንተዘይኮይኑ ንጹር ኣድራሻ ስለዘይፈልጦ ይጸውዓለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስ ወ/ሮ ሉኡላ ኣስመሮም ኣለሙ በዓል ቤተይ ስምኦን ገብረመስቀል ስእሉ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ወ/ሮ ገርግሽ በረኸትኣብ ሃይለ በዓል ቤተይ ኣማኒኤል ምስግና መንግስተኣብ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ 4 ኣስመራ

Invitation for Bids (IFB) Name of Country: Name of Project: Grant No: Date: IFB Title: IFB Number:

ወ/ሮ ክብራ መሓሪ ተኽለ በዓል ቤተይ መም/ሚኪኤል ምስግና ስጋለት ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Eritrea Global Fund ERT-H-MOH November 08 , 2014 Procurement of Servers and ICT Equipment GF/R10H/ICB/09/2014

1. The Ministry of Health of the State of Eritrea has received a grant from the Global Fund towards the cost of HIV/AIDS, Malaria, and TB Project. It is intended that part of the proceeds of this grant will be applied to eligible payments under the contract for procurement of Servers and ICT Equipment. 2. The Project Management Unit of the Ministry of Health now invites sealed bids from eligible bidders for the supply of Servers and ICT Equipment. 3. Bidding will be conducted through the International Competitive Bidding (ICB) procedures specified in the Global fund Guidelines: 4. Interested bidders may obtain further information from PMU, Ministry of Health and inspect the Bidding Documents at the Procurement Office, PMU, Ministry of Health, Denden Street No.82, Asmara, Eritrea; Tel: 2911-122978, Fax: 291-1-124357 from 08:00 to 12:00 hours. 5. A complete set of Bidding Documents in English language may be purchased by interested bidders on the submission of a written Application ( if agents, presentation of authorization and renewed licence) to the address and upon payment of a non refundable fee USD fifty (50.00) or equivalent. The method of payment will be cash or Bank transfer to the credit of our account No. 120-122-0184 with Bank of Eritrea through DZ BANK SWIFT. GENO DE F - Frankfurt, Germany IBAN. DE39500604000001030 736. The document will be sent by DHL/Express mail. 6. Bids must be delivered to the address below, on or before 14:30 Hours on December 16, 2014. All bids must be accompanied by a bid security amounting to not less than two (2) percent of the bid amount in a freely convertible currency which should be submitted sealed within the bid offer envelop. Address: PHARMECOR – ERITREA DENDEN STREET No. 84 ASMARA – ERITREA Tel. No. 291-1-127700/115144 Fax. No. 291-1-126455 7. Late bids will be rejected. Bids will be opened in the presence of the bidders’ representatives who choose to attend at the address below at 14:35 hrs on December 16, 2014

ሌ/ኮ/ገብረእግዚኣብሄር ኣማኒኤል ገብረሂወታ፡ ኣቦና ሻምበል ባሻ ኣማኒኤል ገብረሂወትን ኣደና ሳራ ተስፋማርያም መንግስቱን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ፌቨን ብርሃነ ነጋሽን ተኸሳሲ ኣቶ ተስፋስላሴ መስፍን ተወልደመድህንን ብዕለት 27/9/2010 ብዝተገብረ ውዕል መሸጣ ቶዮታ ኮሮላ ዝዓይነታ ናይ ገዛ መኪና ብቁ.ሰ. ER-1-08749 ቁ.ቻሲ AT171D100179 ዝተገብረ ውዕል መሸጣ ጌርና እንተኾነ ተኸሳሲ ናብ ስመይ ከየመሓላለፈለይ ናበይ ከምዝተሰወረ ኣድራሽኡ ስለዝጠፍኣኒ፡ ተጸዊዑ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ን6/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ኣቶ ዑቕባስላሴ ገብረኣብ እንግዳ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ንግስቲ ጸጋይ ወልደማርያም ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ወ/ሮ ዮሃና ግርማይ ተድላ፡ ወላዲተይ ነብያት ገብረስላሴ ማና ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረት ቲራቮሎ ወ/ሮ ሕርይቲ ኪዳነ በዓል ቤተይ ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣስፍሃ ንጉሰ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ወ/ሮ ዑቕባ ገብረስላሴ ደስታ በዓል ቤተይ ኣቶ ብርሃነ ንጉሰ ቀለታ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 1 ጓሉ ድማ ወራሲት ምዃና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ወ/ሮ ሄለይ ብርሃነ ንጉሰ፡ ዓባይየይ ወ/ሮ ትዕበ ተኽላይ ገብረመድህን ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ናይ ኣቦይ ተኪኤ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ኣቶ ተኽላይ ተወልደብርሃን ተስፋሚካኤል በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ሰማይነሽ መርእድ መስመር ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ኣቶ ርእሶም ዮውሃንስ ቦኽሩ፡ ወላዲትና ወ/ሮ ንግስቲ ተወልደመድህን ዘወልዲ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ቁሸት ወ/ሮ ዛይድ ተኽለኣብ እምባየ በዓል ቤተይ ሓይላይ ምስግና ዑቕባዝጊ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ንፋስ ወ/ሮ ውነሽ ተኸስተ ገብረመስቀል በዓል ቤተይ የማነ በላይ ክፍለ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ ተከሌዛን 02 1.ተስፋይ ዘርኤ ዑቕባጋብር 2.ነፍ/ወ/ሮ ጽጋይ ድራር ጊለማርያም፡ ወራሲና ወድና ኣቶ ጀርጆ ተስፋይ ዘርኤ ዑቕባጋብር ካብ ክልቴና ብርኪ ስለዝተወልደ 1 ወድና ወራሲና እዩ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 02, 03 ኣቶ ድራር ኣብርሃም ድራር፡ ወደይ ሰመረ ድራር ኣብርሃም ድራር

ስለዝሞተ፡ ኣብ ቀዋሚ ኮነ ተንቀሳቓሲ ንብረት ኣነ +1 በዓለቴ ወ/ሮ ራህዋ ብርሃነ ዳውራይ ሕጋውያን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ኣቶ መኮኒን ገረሲን ሓመድናካ፡ ኣደና ኢለን ኣስገዶም ዳምር ስለዝሞተት፡ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ወ/ሮ ሂወት ገብረመድህን ዑቕባዝጊ በዓል ቤተይ ኣቶ ጎይትኦም ኢሳቕ ተላ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ኣቶ ስዩም ደበሳይ ዓሸራ፡ ወላዲትና ለተብርሃን ህያቡ ሕምብራ ድሕሪ መርዓ ዝተጸውዓትሉ ቅድሚ መርዓ ንስሪት ህያቡ ሕምብራ ስለዝሞተት፡ ንኣደና ተኪእና ናይ ኣበሓጎና ህያቡ ሕምብራ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሊ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ ሓመድኑር ዓብዱ ዓሊ ምባል ተሪፉ፡ ሓመድኑር ዓብደልቃድር ዓሊ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

መንደፈራ ኣቶ ሓድሽ ቦኽረጽዮን ኪዳነ ምባል ተሪፉ፡ ሓድሽ ባህረጼን ኪዳነ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/11/14 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ክትመውሊዕ ዋሓዚት መሓሪ የማነ፡ ወላድየይ መሓሪ የማነ ኪዳኑ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዳምባ ምጭ ወ/ሮ ሂወት ገብረመድህን ሃይሉ፡ ኣቦይ ገብረመድህን ሃይሉ መሸሻ ስለዝሞተ፡ ናይ ኣቦይ ተኪኤ ናይ ኣቦሓጎይ ሃይሉ መሸሻ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ መርከጃ ወ/ሮ ለተብርሃን ጎይትኦም ተስፋይ በዓል ቤተይ ኣርኣያ ገብርሂወት መድህን ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ድባርዋ ወ/ሮ ፌቨን ሳሚኤል ስብሃትለኣብ በዓል ቤተይ የስኣከ ተኽሉ ዑቕባልደት ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ኣቶ ተኽለ ርእሶም ዘሞ፡ ወላድየይ ብለበዋ ብሂወቱ ከሎ ማለት ነፍ/ ርእሶም ዘሞ ሩፋኤል ብዕለት 22/10/2010 ብቁጽሪ መዝገብ 25/2010 ዝተዋህበኒ መሬት ኣብ ዓደይ ዓዲ ሎጎ ጤሳ ከም ኩሉ ተወላዲ ዓዲ ሎጎ ተዋሂቡኒ 3 ዓበይቲ ገዛን ክሽነ ሽቓቕን ዘለዎ ምስ ባስክኡ ስለ ዝሰራሕክዋ ክጸድቀለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ ዓረዛ ወ/ሮ ኣብርሀት ተኽለሚካኤል ግደይ፡ በዓል ቤተይ ነፍ/መኮነን በይን ብስሙ እንዳ ሓንጪ ቤት ገዛ ኣቕሑ ዝብል ኣውጺኡ ክንሰርሓሉ ጸኒሕና እንተኾነ በቲ ናይ ምውት ክቕጽል ስለዘይክእል እቲ ልቸንሳ መኮነን በይን ምባል ተሪፉ፡ ወ/ሮ ኣብርሀት ተኽለሚካኤል ኢሉ ክእረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ መንደፈራ ወ/ሮ ሃይማኖት ወልደማርያም መዘንግዕ፡ በዓል ቤተይ ነፍ/ኣቶ ደበሳይ ካሕሳይ ናይ መጻምዲ መሰለንን መሰል ደቆምን ክነብራ ዝጸንሓ ሰብ እየን፡ እንተኾነ ኣብዚ ግዜዚ ብዕዳ ዝተታሕዛ ነቲ ዘይንቀሳቐስ ገዝኤን ሸይጠን ዕደኤን ክኸፍላ ስለዝደለያ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ወ/ሮ ራህዋ ተስፋሚካኤል ካሕሳይ፡ ወላዲተይ ለተብርሃን ኣረጋዊ ወልደሩፋኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ሮቤል ጉዕሽ ኣስመሮም፡ ወለድና ጉዑሽ ኣስመሮም ተኽለሃይማኖትን ትርሓስ ገብሩ ኣብርሃን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ነፋሲት ወ/ሮ ኣረጋሽ ተገኘ ጎበና፡ ኣቦና ኣቶ ተገኘ ጎበና ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/12/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 8

ኤርትራ

Asmara Recruitment Event | 06th November 2014

Qatar Airways will soon by flying to Asmara, Eritrea and have a number of exciting opportunities in our newest station. We continue to grow at a rapid rate and are looking for people to join our world-class workforce of more than 30,000 employees with more than 100 different nationalities. Each of them strives to uphold our mission statement: “Excellence in everything we do.” The following roles are available in Asmara:-

Senior Sales Executive:

(Ref: QR6027)

We are looking for enthusiastic, motivated, dynamic persons who are result oriented with excellent negotiating, communication and influencing skills. The successful candidate will be responsible for driving Qatar Airways’ sales performance in the market through the implementation of the Sales strategy across a portfolio of Trade Partners and national/multinational corporations maximizing revenue contribution to exceed revenue targets. Applicants must have a relevant degree in Business Administration or Marketing with at least 3 years work experience in the airline and trade industry. A basic understanding of IATA standard reservation and ticketing proceduresis required. They should be PC literate with knowledge of Word, Excel and Power Point. Fluency in English (both spoken and written) is essential.

Senior Sales Support Agent (Ref: QR5990) The Senior Sales Support Agent is responsible for identifying opportunities to improve commercial objectives whilst supporting the salesteam and travel industry with their daily requirements and follow up administration. This candidate should be self-motivated and dynamic with excellent organisation and communication skills and should be able to perform other related duties as assigned, for the purpose of ensuring the efficient and effective functioning of the work unit. The successful candidate should have at least 2 years sales or administration experience within the airline industry or travel industry. A degree in economics, Accounting or Statistics is an added advantage.Good knowledge of Amadeus, IT skills (Excel, Word and Power Point) and fluency in English (both oral and written) are required for this position.

Senior Reservations Agent(Ref: QR5989) The successful candidate will plan, supervise and support the Reservations staff in order to achieve optimal customer satisfaction. He/She will encourage teamwork, consistency of service and proper coordination. Excellent knowledge in airline CRS/GDS and reservations/ticketing procedures with flair in customer service, strong inter-personal ability, well-developed management skills are required. Strong exposure to AMADEUS, high proficiency in PC-based applications, and good communication skills in spoken/

as the ability to coordinate actions, activities and prioritize tasks. You should have Strong analytical, interpersonal and coordination skills.

Finance Assistant

(Ref. QR5981)

The successful candidate will ensure correct and timely processing of financial documents in line with QR financial policies and Internal Accounting Policies. To support in Verification and accounting of invoices, payments, sales, refunds, deposits and claims in line with QR policies and IAPs. Preparation and accounting of journal vouchers as per IAP Applicants must be Commerce Graduate from reputed university with total accounting experience of 3 years with preferably 1 year in airlines, User level experience in any ERP, good working experience on spreadsheets, good in either expenditure or revenue accounting

irport Services Supervisor(Ref. QR6022)

The selected candidate will be responsible for the overall control of the shift as a direct representative of Airport Services Manager. They will also monitor and coordinate activities of various sections at the airport as well as ensure punctuality and safety of all Qatar Airways operations. The candidates will ensure consistent delivery of high levels of service. Applicants must be graduates with a minimum of 5 years airline work experience, with at least 2 years in a supervisory position in ground services. Experience in airport handling including ramp handling, load sheets, weight balance, AMADEUS systems is mandatory. Excellent interpersonal skills in passenger service and customer relations, oral and written communication skills in English are essential requirements for this job. Proficiency in computer applications is also required.

Senior Airport Services Agent (Ref. QR5986) The successful candidate will deliver quality service to passengers with respect to checkins, boarding, special services, lounges, airport hotel and baggage services, as per QRs standard Quality and Safety standards. You will ensure passengers and their baggage is handled in a consistent and efficient manner.You will also ensure our Premium passengers receive 5-Star Quality service, adhering to our company standards. You should possess High energy, be enthusiastic, have a positive attitude and have a pleasant personality along with strong business acumen. You will have excellent attention to detail and the ability to work well in a team are essential to succeed. Willingness to work in shifts is essential. To be successful in this role you will require a minimum 3 years’ experience in a customer service within an Airline. Knowledge of Amadeus Reservations & DCS is essential. You will have a minimum High School education. Fluency, both spoken and written, in English is essential.

written English language are essential. Applicants must have a minimum of 5years’ experience in telephone sales, reservations/ ticketing within the airline/travel industry and sound knowledge of IATA standard reservations & ticketing procedures. Fluency in English (both oral and written) is required. Secondary School education is mandatory, a University Degree is preferred.

Reservations Agent X 2(Ref: QR5988) Applicants must have a minimum of 3 years of telesales work experience in an airline or travel industry with sound knowledge in IATA standard reservation/ticketing procedures. A sound understanding of Mathematics/World Geography and exposure to AMADEUS system are added advantage. Good interpersonal and communication skills in spoken/ written English language and adequate knowledge of PC-based applications are essential requirements of the job. To be successful in this role, you must have a minimum High School education, with at least 3 years’ experience in a similar capacity. You have to be service oriented with good interpersonal skills. Knowledge in IATA standard reservation/ticketing procedures is required with fair knowledge of the world’s geography. Excellent communication skills in English and a strong command of the MS Office Suite will be required.

Finance Officer(Ref: QR6025)

The successful candidate will ensure that the station trial balance is checked and major balance sheet accounts are reconciled, preparation of budgets, cash flows and audit reports and also assist in overseeing that company is in line with all government and internal statutory deductions and taxes. You will have to ensure that payment processing is in line with QR internal policies and strict adherence to credit terms and payment deadlines are followed, ensure receivable’s timely management, debtors aging is in line with acceptable aging buckets. You will also ensure that the financial statements are supported by comprehensive working sheets/ schedules/statements/aging analyses and provide relevant business support to other departments in the station To be successful in this role you must have a Bachelor’s degree in Commerce, accounting, finance and any other related field, CPA, ACCA is an added advantage. You will need a minimum of 5 Years of job-related experience in airline accounting and a working knowledge of financial accounting. You should have experience in use of any accounting package, preferably Oracle ERP and a basic knowledge of either Passenger or Cargo Revenue accounting. You must be able to demonstrate the ability to analyze and make improvements to business functions and processes to achieve organizational goals as well

Airport Services Agent x 2

(Ref. QR5984)

Successful candidates will provide service excellence to customers at the airport terminal and help create a stress free environment. The candidates will ensure consistent delivery of high levels of service, whilst adhering to the safety policy and security standards. . Applicants must have a minimum of 3 years airline work experience in customer services or passenger handling at the check-in counters, arrivalsand departure area. A strong knowledge and working experience of DCS with proficiency in computer applications are essential requirements of the job. Applicants must have a pleasing personality with excellent communications skills in spoken/ written English, good interpersonal skills and willing to work in shifts.

Executive Secretary(Ref. QR5983)

The Executive Secretary is responsible for assisting the Commercial Manager in the daytoday functions while promoting high standards of corporate values through correspondence, telephone, and personal contact. The role will also be responsible for various administrative functions to support the efficient running of the station. Applicants should have attained a Graduate level with excellent English language communication skills. and have worked as a secretary with an international company for at least 3 years. They should have high proficiency in PC-based applications, good organizational skills and communication skills in spoken/ written English language. Interested candidates are welcome to attend the interview. Details are mentioned below: Date: 06 November 2014 Time: Anytime between 9 am to 5 pm Candidates need to bring along: 1 x passport photocopy 1. Resume / CV 3. Highest Education Certificate Additional requirement: Having fulfilled one’s National Service obligations and provide evidence of release from the Ministry of Defence IMPORTANT NOTE: Qatar Airways Group does NOT

charge candidates for application forms or interviews. If somebody has solicited money from you in relation to this recruitment campaign please report the incident to: reportfraud@qatarairways.com.qa


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 9

ኤርትራ

ጕዳይ ተደገምቲ ፊደላት ትግርኛ ብግርማጽዮን የማነ “ኣእምሮ ደቂ ሰብ ካብ ዝፈጠሮም ኣደነቕቲ ጥበባት፡ እቲ ዝዓበየ፡ ብዘይጥርጥር ምህዞ ፊደላት እዩ።” ወንደል ሂ. ሆልንፊደላት ረቡዕ 11 ሰነ 2014 “ብፊደላት ንዘቲ ክንፈልጥ ምእንቲ፡” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣቶ ኣባዲ ግደይ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣንቢበ። ርእይቶይ ወስ ከብል ከኣ ኢደይ ክሕውስ ወሲነ። ቋንቋ ትግርኛ ዝጥቀመሎም ፊደላት ካብ ቋንቋ ግእዝ ዝተወርሱ ምዃኖም ዝበዝሑ ምሁራን ዝሰማምዑሉ ነጥቢ እዩ። ንምዃኑ ተደገምቲ ፊደላት ዝበሃሉ መነ መን እዮም፧ ሀ-ሐ-ኀ፡ ሠ-ሰ፡ አ-ዐ፡ ጸ-ፀ፡ እዮም። ተደገምቲ ፊደላት፡ ቋንቋ ትግርኛ ሰለስተ እዮም ንሳቶም ከኣ፦ ሠ፡ ኀ፡ ፀ እዮም። ተደገምቲ ዘብሎም ዘሎ ከኣ ካልእ ንዕዖም ዝመስል ድምጺ ስለዘሎ እዩ። ሐ=ኀ፡ ሀ=ኀ፡ ሠ=ሰ፡ ጸ=ፀ። ብዛዕባ ኣመጻጽኣን ኣጠቓቕማን ተደገምቲ ፊደላት፡ ጽሑፋት እንታይ ይብሉ፧ እዞም ፊደላት እዚኣቶም ዋላ’ኳ ካብ ቋንቋ ግእዝ ይምጽኡ፡ ካብዚ ሕጂ ዘለዎም ኣደማምጻ ዝተፈልየ ድምጺ ከምዝነበሮም ዝገልጽ ሓሳባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ሰፊሩ ይርከብ። ንምጥቃስ ኣባ ዮሐንስ ገብረ እግዚአብሄር “መዝገበ ቃላት ትግርኛ-አምሐርኛ” አስመራ ፲፱፻፵፰-፵፱ [1948-49] ዓ.ም ግእዝ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፎም (ኣባቴ ድርብ ፊደላት እዮም ዝብልዎም።) መቕድም ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ፍቕዲ ፲፭[15]“...ካብዞም ሀ-ሐ-ኀ፡ ሠ-ሰ፡ አ-ዐ፡ ጸ-ፀ፡ ምስጢር፡ዝፈልዩ፡አሎዉ። ምስጢር፡ ከይፈለዩ፡ከዓ፡ነቶም፡እተገልበጡሎም፡ወይ፡ መነጻጽርቶም፡ዝኾኑዕብራይስጢ፡ዐረብ፡ፅርኢ፡ ሱርስት፡መጠማምቲ፡ንቱ፡ ሡሮም፡ኀለውቲ፡ ኢዮም። ...” ክብሉ ኣስፊሮም። ኣ.ማ.ሓ. (ኣባ ማቴዎስ ሓጐስ) ብወገኖም ኣብ ዘዳለዉዋ ስዋስው-ትግርኛ፡ ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና ኣስመራ ፲፱፻፶፩ [1951] እትብል መጽሓፎም ከምዚ ዝስዕብ ጽሒፎም ኣለዉ። “3) ገሊኣቶም ፊደላት ጽሕፈቶም በበይኑ ክነሱ፡ ድምጾም ሓደ ኮይኑ ይርከብ። [ሕንጻጽ ናተይ] ብጥንታዊ ግዕዝ፡

ድምጾምውን በበይኑ ነቢሩ ኪኸውን ግድን ኢዩ። . . . ሀ) ሀ፡ ሐ፡ኀ። - እዞም ሰለስተ ፊደላት እዚኣቶም፡ ሎሚ ብዘሎ ናይ ግዕዝ ኣናብባ፡ ድምጾም ሓደ ኢዩ። [ሕንጻጽ ናተይ]ኣብ ትግርኛ’ውን፡ ካብ ግዕዝ ኣብ ዝተወስደ ቃላት፡ ሓደ ድምጺ ኣሎዎም። ብስርዓቶም ግን ሀ፡ ዳርጋ ብትንሓግ ዝድመጽ ልሕሉሕ ኢዩ። ሐ ብጎሮሮ ኣሓርግግ ኣቢልካ ዚድመጽ ኢዩ። ኀ ቀደም ከም ኸ ገቢርካ ዚድመጽ ዚነበረ ኢዩ። (ኸ፡ ደሓር ዝኣተወ ኢዩ።) ሎሚ ግን ናይ ኀ ድምጺ ምስ ናይ ሀ፡ ሐ፡ ተደባሊቑ ይርከብ። [ሕንጻጽ ናተይ] ለ) አ፡ ዐ።- እዞም ክልተ ፊደላት’ውን ብናይ ሎሚ ግዕዝን ናይ ትግርኛ ካብ ግዕዝ ዝተወስደ ቃላትን፡ ሓደ ኮይኖም ይርከቡ። ብስርዓቱ፡ “አ” ብዳሕረዋይ ወገን ልሳን ኣብ ትንሓግ ሃሪምካ ዚድመጽ ኢዩ። “ዐ” ብጎሮሮ ንዳሕረዋይ ወገን ልሳን ጥፍልዕ ኣቢልካ ዚድመጽ እዩ። ሐ) ሠ፡ ሰ።- ቀደም ሓዲኡ ከም ሸ ገቢርካ ዚድመጽ ዝነበረ ኢዩ። (መቸም ሸ ድሓር ዝኣተወ ኢዩ)። መ) ጸ፡ ፀ።- እዙይውን ሓዲኡ ናይ ጨ ድምጺ ዝነበሮ ኢዩ።” (ገጽ 6-7) ብምባል ጥንታዊ እንታይነቶምን ኣመጻጽኦምን ዘርዚሮም የርእዩና። ብተወሳኺ ኣብ ገጽ 7 ትርጋጽ (footnote) ንሶም (ደራሲ) ንኣጠቓቕማ እዞም ተደገምቲ ፊደላት ኣብ መጽሓፎም ከምዚ ዝስዕብ ገሊጾሞ ኣለዉ። “ነዙ ድርብ ፊደላት ኣጥፊእካ፡ ንሓደ ድምጺ ሓደ ፊደል ምሓዝ ዚብል ባህሊ በዙ ጊዜዙይ ይዝውተር ኣሎ። ነቱ ደሓር ዝኣተወ ሸ፡ ኸ፡ ጨ፡ ኣጥፊእካባ፡ ነቱ፡ ሎሚ ድርብ ኮይኑ ዘሎ ፊደላት፡ ጥንታዊ ድምጹ ምሃቡ ዚብሉ ከዓ ኣሎዉ። ኃይሊ-ልማድ፡ ናብ ሓዲኡ ክሳብ ዜብል፡ ነቱ ፍሉጥ ዝኾነ ቃላት፡ ከም ናይ ግዕዝ ኣጸሓሕፋኡ፡ ነቱ ብዙሕ ዘይፍለጥ ከዓ፡ በዙ ሓዲስ ባህሊ ንጽሕፎ ኣሎና።” ብምባል ጕዳይ ተደገምቲ ፊደላት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ጸገም ይፈጥር ከምዝነበረ ኣንፊቶምልና ነይሮም። መሪጌታ ግርማጽዮን መብራህቱ ኣብ

ዘዳለውዎ፡- “ልሳነ አግዓዚ ዘእም ግርማ” ዝብል መጽሓፍ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብትግርኛ ፲፱፻፸፮ [1976] አስመራ ከምዚ ኢሎም ኣለዉ። “ሐ/ፊደላትና፡ከምቲ፡ጥንታውያን፡ አቦታትና፡ካብቶም፡መሰረቶም፡ዝኾኑ፡ ሴማውያን፡ቋንቋታት፡ክወርስዎም፡እንከለዉ፡ አደማምፃኦም፡ኮነ፡ዝህብዎ፡አገልግሎት፡ ከይለወጡ፡ብምቕባል፡ክጥቀሙሎም፡ ዝጸንሑ፡ንሕና፡እውን፡ከምቲ፡ዝነበርዎ፡ካብ፡ ወለድና፡ብምቕባል፡ክንጥቀመሎምን፡ ናብቲ፡ተተካኢ፡ትውልድ፡ከነመኃላልፎምን፡ ይግባእ።” ድሕሪ ምባል ነዚ ዝስዕብ ይገልጹ። “ነገር፡ግን፡አብ፡ክንዲ፡ብ3-፡ሀ-ሐ-ኀ፡ ብ2ሠ-ሰ፡ብ2አ-ዐ፡ብ2ጸ-ፀ፡እንጥቀም፡ካብነፍሲ፡ ወከፎም፡ሐደ፡ሐደ፡መሪጽና፡ እንተተጠቐምና፡ እንታይ፡ለውጢ፡የምጽእ፡ዝብሉ፡ሰባት፡ ኣለዉ።” ድሕሪ ምባል ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ርእይትኦም ከምዚ ዝስዕብ የፍስሱ። “እዚ፡አበሃህላ፡እዚ፡ግን፡ቅኑዕ፡አይመስለንን፡ ምኽንያቱ፡ድማ፡ባህልና፡ኮነ፡ምስጢራዊ፡ ትሕዝቶና፡ኣብ፡ኣደማምጻ፡ፊደላትና፡ እተመስረተ፡ስለዝኾነ፡እዩ።”. . .ይብሉ’ሞ ኣስዒቦም ከኣ፡- “ፊደላትና፡እውን፡ምንም፡ ደአ፡ብስም፡ዝመሳሰሉ፡[ሕንጻጽናተይ]ይዅን፡ እምበር፡ብድምጽን፡ብቕርጽን፡እተፈላለዩ፡ አብርዕሲ፡ምዃኖም፡ዝህብዎ፡ኣገልግሎት፡ ድማ፡አብ፡አደማምጽኦም፡እተመስረተ፡ ስለዝኾነ፡እዞም፡አብ፡ላዕሊ፡እተጠቕሱ፡ፊደላት፡ ካብ፡ነፍስ፡ወከፎም፡ሐደ፡ሐደ፡መሪጽና፡ ንኽንጥቀመሎም፡ዘሸግር፡እዩ።” ገጽ 11 መሪጌታ ብድምጽን ብቕርጽን

እተፈላለዩ ኢሎሞ ዘለዉ ብግብሪ ክርአ እንከሎ ብቕርጺ ዝተፈላለዩ ምዃኖም ዘማትእ ኣይኮነን። እንተ ብድምጺ ግን ፍልልዮም ፈጺሙ ኣይረኣይን ኣዩ። ኣብ “ታሪኽ ትውልዲ ልሳን ግእዝ” እትብል መጽሓፍ ናይ አ/ገብረ ኢየሱስ ክፍሌ (MA DD) ፲፱፻፺፫ ግ (2001ፈ) ቤት ማሕተም ኣሰር ኣስመራ ገጽ 89 እዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ንረክብ። “ግእዝ ካብ ሳባ ዝወሰደቶም ጸጽምዲ ዝኾኑ 4 ፊደላት ኣሎዉዋ። እሳቶም ግን ብሓደ ሽም ይጸውዑ [ሕንጻጽ ናተይ] እምበር ነናቶም ቦታን ሓድ ሓደ’ዊን ዝፍለ ድምጺ ኣለዎም። ሀ፡ ሐ፡ (ኀ) እዞም ክልተ ሀ ግእዝ ካብ ሳባ ዝወሰደቶም እዮም። እቲ ቀዳማይ ሀ ድምጹ ከምዘለዎ ኮይኑ ሐ ግን ካልኦት

ሴማውያት ቋንቋታት ሔት ዝብልኦ ፊደል እዩ ድምጹ ዝውሰን። እሱ ድማ ናይ ጐረሮ ፊደል ተባሂሉ ይፍለጥ። ሰ፡ ሠ ቀዳማይ ሰ ድምጹ ከምዘለዎ ኮይኑ ብሴማውያት ቋንቋታት ሰመክ ተባሂሉ ክፍለጥ ሠ ግን ብኩለን ሴማውያት ሺን ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ። አ፡ ዐ ቀዳማይ አ ድምጹ ከምዘለዎ ክኸውን እቲ ዐ ግን ብጐረሮ ዐ ተባሂሉ ይንበብ፣. . . ጸ፡ ፀ ናይዚ ቀዳማይ ጸ ድምጹ ከምዘሎ ኮይኑ ፀ ግን ብሳባ እንታይ ድምጺ ከምዝህብ ኣይፈልጥንምበር ብግእዝ ግን ዝበዝሕ ግዜ ጨ ተኪኡ ይርከብ’ዩ፣ ፄነወ ጨነወ፡ ፄው ጨው፡ ዕፅ ዕንጨይቲ፡ ፀሓይ ጨሓይ ዝብሉ ስለዘለዉ ዝመሳሰሉ ካልኦት’ዊን፣” ብምባል ኣመጻጽኣ ተደገምቲ ፊደላት ኣብ ግእዝ ይገልጹ። ብተወሳኺ መሪጌታ ግርማጽዮን መብራህቱ ትንሣኤ ቋንቋ ትግርኛ ፲፱፻፹፭ [1985]ግ. 1993 ፈ. ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ተደገምቲ ፊደላት ከምዚ ኢሎም ኣለዉ። “መረድኢ፡ ስሙ ሠውት ወይ “ሠ” ንጉሥ ኮይኑ በቲ ጥንታዊ ግእዝ “ሰ” ን “ሸ” ን ዝበሃል ዝነበረ ፊደል እዚ ሠውት “ሠ” ደአምበር “ሰ” እሳት አይኮነን። “ዲልማን” እውን ነዚ መሰረት ብምግባር

“ሸረዐ፡ ሸረቐ፡ ነገሸ”፡ ዝበሃሉ ንዝነበሩ ቃላት “ሠረጸ፡ ሠረቐ፡ ነገሠ” ብምባል ቀይሩ ከምዝጸሓፎም” ንሃለቃ ኪዳነወልድ ክፍሌ ኣተባህሉ ደራሲ ጠቒሶም፡ ጽሒፎምኣለዉ። (ገጽ 28) ዶክተር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ “48 ሰሌዳታት ብዛዕባ ፊደል ናይ ደብተራ ታሪኻዊ ምህዞን ብልሓትን” MBY printing press 2004 ኣስመራ። “[ቋንቋ] ግእዝ ኣብ ኣደማምጻ ደኣሉ... ዝተደናገረ እምበር፡ ኣብ ኣቀማምጣ ፊደሉስ (spelling orthography) ብጽኑዕ ተሓሊዩ ተመሓላሊፉልና እዩ። ንኣብነት ሠ፡ ኀ፡ ፀ፡ ኣደማምጻአን (ሸ፡ ጨ፡ ኸ) ብዘየገድስ ቦታአን ኣይለቐቓን።” ገጽ 20 – 21 ብምባል እዘን ተደገምቲ ንብለን ዘለዋ ፊደላት ካልእ ኣደማምጻ ከምዝነበረን የብርሁልና። ኣስዒቦም ኣባ ይስሃቕ፡“ፀ፡ ሠ፡ ኀ፡ ናይ መፈጠር ስርሓውቶም ተረስዐ። መደረብታ ናይ ጸ፡ ሰ፡ ሀ ጥራይ ኮይኖም ብምትራፎም ከኣ ድምጻዊ ተግባሮም ኣቋረጸ። እተን ብኣታቶም ዝውከላ ዝነበራ ድምጽታት ኣብቲ ናይ ቅድመ ግእዝ ዝሩብ ቋንቋታት ህያዋን ስለ ዝኾና ግን፡ ግድን ክውከላ ነበረን። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ . . . ከም ጨ፡ ኸ፡ ሸ፡ ዝኣመሰሉ ወከልቲ ኪስንዑለን ግድን ኮነ።” ገጽ 21

መአረምታ ብዕለት 29-10-2014 ዝቐረበ ሰሌዳ በዚ ዝስዕብ መገዲ ተኣሪሙ ይነበብ።

ጌጋ ቅመማ ቅመም ልሪስማስ ኣብ ስራሕ ሰዓታት

ምንጪ ጌጋ ኣምሓርኛ እንግሊዝኛ ኣምሓርኛ

እሩም ትግርኛ ቀመማት ልደት ኣብ ሰዓታት ስራሕ


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 10

ኤርትራ

ብዕዳ ዝዘቕበበ ዴቪድ ጄምስ ንብረቱ ኣብ ዕዳጋ የውርድ ሃብቶም ጸጋይ

“ብጉዳይ በበ ንፈርጉሰን ኣየማኸርኩን” ኲሮዝ

ኣብ ታሪኽ ውድድር ፕ/ሊግ ዝበለጸ ኣሰልጣኒ ዝኾነ ኣሌክስ ፈርጉሰን ካብ ጸወታ ካብ ዝሰናበት ድሮ 18 ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ። ኣብቲ ብህጡር ዓወታት ዘጌጸ ናይ 26 ዓመታት መዝነቱ ኣብ ክለብ ማን ዩናይትድ ዘፈረሞም ተጻወትቲ ብሉጽነቶም ካብ ጋንትኦም ሓሊፉ ክሳብ ብዓለም ደረጃ ኮዋዂብቲ ንምዃን ዝበቕዑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ፖርቱጋላዊ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ሓደ ኣብነት ኢዩ። ብኣንጻሩ ድማ እቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም 1986 ንስኮትላንድ መሪሑ ዝተሳተፈ ኣሰልጣኒ ኣብ ግዚኡ ናብ ክለብ ማንዩናይትድ ዘምጸኦም ግን ዘይከም ትጽቢቱ ትሑት ብቕዓት ብምንጽብራቕ ንደረጃ’ቲ ኣሰልጣኒ ብኣሉታ ዝጸለዉ ተጻወትቲ ኣለዉ። ፖርቱጋላዊ በበ ኣብነት ናይዚኦም ኢዩ። ፈርጉሰን ብዛዕባ’ቲ ካብ ፖርቱጋላዊት ክለብ ቪክቶሪያ ጒማረዝ ብ7.4 ሚልዮን ፓውንድ ዝፈረመ ተጻዋታይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንበበ ክጻወት ከምዘይረኣዮን እቲ ናይ ምስግጋር ፍጻመ ድማ ብምኽሪ ተሓጋጋዚኡ ዝነበረ ፖርቱጋላዊ ካርሎስ ኲሮዝ ዝተፈጸመ ምዃኑ ዝሕብርን

ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ግን ካርሎስ ኲሮዝ ንፈርጉሰን ዝኾነ ንበበ ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይሃቦ ባዕሉ እቲ ፖርቱጋላዊ ኣሰልጣኒ ምግላጹ ጋዜጣ ደይሊ መይል ኣቃሊሓ። ኲሮዝ ምስ መጽሄት ፎር-ፎር-ቱ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ፡ “ኣብቲ እዋን’ቲ ብዛዕባ በበ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣይነበረንን” ክብል ምግላጹ ዝሓበረ እቲ ምንጪ፡ ጉዳይ ምምጻእ በበ ናብ ማንቸስተር ካልእ መልእኽቲ ዝነበሮ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ። ኣብ ክለብ ማንዩናይትድ ክልተ ናይ ፕ/ሊግ ጸወታታት ጥራይ ዘካየደ በበ ቅድሚ ናብታ ዓርሞሸሽ ክለብ ምምጽኡ፡ ብዘይካ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ራብዓይ ዲቪዥን ክለባት ፖርቱጋል ውድድር ካልእ ዝኾነ ተመኩሮ ኣይጸንሖን። ወኪል እቲ ተጻዋታይ እቲ ንብሉጻት ስፖርታውያን ዓለምና ወኪሎም ዝኾነ ፖርቱጋላዊ ፐድሮ መንደዝ ምስ ፈርጉሰን ኣዝዩ ጽቡቕ ዝምድና ስለዝነበሮ፡ እቲ መስርሕ ምስግጋር ብመገዱ ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ንጉዳይ ምስግጋር በበ ኣመልኪቱ ፖሊስ ፖርቱጋል መርመራ ኣካይዱ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

እንግሊዛዊ ዴቪድ ጄምስ ምስ ከም ሊቨርፑል፡ ኣስቶን ቪላ፡ ዌስትሃም፡ ማንሲቲን ፖርትስማውዝን ዝኣመሰላ ክለባት ፕ/ሊግ ዝተጻወተ ምኩር ሓላው ልዳት ኢዩ። ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ወኪሉ’ውን ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለምን ዋንጫ ሃገራት ኤውሮጳን ተሳቲፉ ኢዩ። ኣብ ናይ 26 ዓመታት ናይ ጸወታ ጻንሖቱ ብዘካየዶም ብዝሒ ጸወታታት ድማ ካብ ሓለውቲ ልዳት ኣብ ቅድሚት ይስራዕ። ኣብ ናይ ውድድር ዘመኑ ካብ መሃያን ካልእ ናይ ምውዕዋዕን ፋሽንን ንጥፈታትን ዝረኸቦ መጠን ገንዘብ ድማ ልዕሊ 20 ሚልዮን ፓውንድ ኣቢሉ ይበጽሕ ነይሩ። ይኹን እምበር እዚ መጠን ሃብቲ ጄምስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነከየ ክመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2005 ምስ በዓልቲ ቤቱ ታንያ ድሕሪ ምፍትሑ መሊሱ ክገድድ ተራእየ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ እዚ ወዲ 44 ዓመት እንግሊዛዊ ንበዓልቲ ቤቱ ነበር 3 ሚልዮን ፓውንድ ካሕሳ ክኸፍል ተገዲዱ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት እዚ ድማ ዴቪድ ጄምስ እቲ ዝነበሮ መጠን ሃብቲ ተጸንቂቑስ ኣብ ዕዳ ከምዝተሸመ ተሓቢሩ። ነዚ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ዕዳ ንምፍዋስ ድማ ነቲ ብወለንትኡ ገዲፉዎ ዝነበረ ናይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ሞያኡ ደጊሙ ተመሊሱዎ። ኣብቲ ካብ ዝፍለም ናይ ሰሙናት ዕድመ ኣቑጺሩ ዘሎ ናይ ህንዲ ሱፐር ሊግ ምስ ክለብ ኬራላ ብላስተርስ ከም ተጻዋታይን ኣሰልጣንን ኮይኑ ኣብ ምዕያይ ይርከብ። እዚ ኮይኑ ግን ዕዳ ጄምስ በዚ ጥራይ ዝቃለል ብዘይምዃኑ፡ እዚ ተዓዋቲ ዋንጫ ኤፍ ኤ ካፕ 2008 ሓላውልዳት ንብርክት ዝበሉ ዉልቃዊ ንብረቱ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱዎም ኣሎ። ኣብ መንጎ’ዞም ናይ ውልቂ ንብረት ጄምስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጸወታታት ዝተለዋወጦም ልዕሊ 150 ማልያታትን ኩዓሳሱን ክርከቡ ከለዉ፡ ናይ ሙዚቃ ኣልቡማትን መጻሕፍትን’ውን ክፋል ናይቲ ንመሸጣ ዝቐረቡ ንብረቱ ኢዮም። ብተወሳኺ ጄምስ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መሳርሒታት ከምኡ ከኣ መኪናን ሞተር ብሽክለታን ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡዎም ኣሎ። እቲ ናይ መሸጣ መስርሕ ብሓሙስ 6 ሕዳር ዝጀመረ

እንታይከ ኣሎ ሓድሽ! => ኣብ ውድድር ክለባት ሩማንያ ዝጻወት ሓደ ተጻዋታይ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ’ታ ሃገር ናይ 16 ጸወታታት እገዳ ተበይንሉ። እዚ ጋብርኤል ሙርሳን ዝተባህለ ተጻዋታይ ኣብ ሓደ ጸወታ ንመጋጥምቱ ብብርኪ ኢዱ ኣብ ገጹ ብምህራም ከቢድ ማህሰይቲ ስለዘውረደሉ ኢዩ ነዚ መቕጻዕቲ ተቓሊዑ። እቲ ዘገርም ግን እቲ ተጻዋታይ ነቲ በደል ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ብማእከላይ ዳኛ ዝተወሃቦ መቕጻዕቲ ናይ ስምዕታ ብጫ ካርድ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። => ባርሴሎናን ኢንደፐንደንተን ዝተባህላ ናይ ኤኳዶር ጋንታታት ኣብ ዝጻወታሉ ግዜ ዳኛ ንክልተ ሓለውቲ ልዳት ናይ ሓንቲ ጋንታ ብቀይሕ ድሕሪ ምብራሩ ኣብቲ ሜዳ ከቢድ ዕግርግር ተፈጢሩ። ማእከላይ ዳኛ ነቲ ግዜ ዘጥፍእ ዝነበረ ሓላው ልዳት ባርሴሎና ኣብ መበል 42 ደቒቕ ናይቲ ግጥም ብክልተ ብጫ ካርድ ድሕሪ ምብራሩ፡ እቲ ንኽቕየር ዝዳሎ ዝነበረ ተቀያሪ ሓላው ልዳት’ታ ጋንታ ከኣ ንራብዓይ ዳኛ ኣብ ሜዳ ከይኣተወ ከሎ ብምጽራፉ’ዩ ዳኛ ብቀይሕ ካርድ ኣባሪሩዎ። => ኣመሪካዊት ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ሆፕ ሶሎ ኣብ ልዕሊ ሓፍታን ወዲ ሓፍታን ጉድኣት ኣውሪድኪ ተባሂላ ተኸሲሳ ምህላዋ ኣሶሼትድ ፕረስ ሓቢሩ። እዛ ጓል 33 ዓመት ብልጽቲ ሓላዊት ልዳት ካብ 2000 ኣትሒዛ 159 ግዜ ንሃገራዊት ጋንትኣ ወኪላ ተጻዊታ ኢያ። => ክለብ ቶተንሃም ኣብ ወርሒ ጥሪ ንኣጥቃዓይ ሳውዝሃምፕተን ጀይ ሮድሪገዝ ንምፍራም ኣብ ጥርዚ ምብጽሓ ይንገር ኣሎ። እዚ ብኣሰልጣኒ ፖቸቲኖ ዝህደን እንግሊዛዊ ተጻዋታይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዝወረዶ መስበርቲ ዛጊት ክሳብ ሎሚ ናብጸወታ ኣይተመልሰን ኣሎ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣከፋፋሊ ሳውዝሃምፕተን ሽናይደርሊን ጋንትኡ ሒዛቶ ዘላ ኣቃውማ ክትቕጽሎ ዓቕሚ ከምዘለዋ ኣነጺሩ። => ኣርሰናል ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ መስመር ምክልኻል ተጻወትቲ ከተፍርም ምዃና ኣብ ዝግለጸሎ ዘሎ እዋን ብርክት ዝበሉ ተኸላኸልቲ ምስታ ጋንታ ተኣሳሲሮም ይጥቐሱ ኣለዉ። ማት ሁመልስ፡ ሮን ቭላር፡ ስሞሊንን ዳኒ ኣልቨስ ገለ ካብኣቶም ኢዮም። ብዘይካ’ዚ ኣርሰናል ንኣከፋፋሊ በነፊካ ጎንካሎ ጒደስ ተቛምት ኣላ። ክለብ በነፊካ ነዚ ‘ሓድሽ ሮናልዶ’ ተባሂሉ ዝግለጽ ተጻዋታይ ዋግኡ ክሳብ 40 ሚልዮን ፓውንድ ከምትትምኖ ይንገር።

ኮይኑ፡ ክሳብ ዕለት 18 ሕዳር ክቕጽል ኢዩ። ጠንቂ እዚ ንጄምስ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ናይ ዕዳ ኩነታት ብልክዕ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ሕሉፍ ናይ ምሕሻሽ ባህርያቱ ናብዚ ደረጃ ኣውዲቑዎ ምህላዉ ቀረብቱ ይገልጹ። ጄምስ ንዝተበላሸወት መኪናኡ ክንዲ

ምዕራይ ኣብ ጋራጅ ኣቐሚጡ ሓዳስ መኪና ከምዝገዝእ ዝገለጸ ኣብ ክለብ ሊቨርፑል መጻውትቱ ዝነበረ ስታን ኮሊሞር፡ ንኣጠፋፍኣ ገንዘብ ጄምስ ምስትዕዘብ፡ ንመዋእሉ ተመሳሳሊ ኣታዊታት እናረኸበ ዝነብር ሰብ ከምዝመስል ኣረዲኡ።

መማቕርቲ ሞንትሮስ ናይ ዝተባህለት ኣብ ራብዓይ ዲቪዥን ናይ ስኮትላንድ እትነጥፍ ጋንታ ሓላው ልዳት - ሉቃስ ቢርጊስቲን ዝሓለፈ ሰሙን ብዘርኣዮ ትሑት ብቕዓት ኣመና ብምስጫዉ ኣገራሚ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ ተራእዩ። ሉቃስ ኣብቲ ኣንጻር ጋንታ ኣርብሮዝ ዝተኻየደ ጸወታ 5 ሸቶታት ኢዩ ተመዝጊቡዎ። እዚ ጥራይ ከይኣክል’ውን፡ ሓንቲ ካብተን ሸቶታት ሓላው ልዳት ኣርብሮዝ ካብ ልዳቱ ቀሊዑ ዘመዝገበሉ ኢያ ነይራ። መዘዝ ሉቃስ በዚ’ውን ኣየብቅዐን - ጸወታ ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ ብዝፈጸሞ ጉድለት ካብ ሜዳ ብቐይሕ ካርድ ተባሪሩ። ነዚ ምጽዋር ዝሰኣነ ሉቃስ ድማ ድሕሪ ጸወታ ሳንጥኡ ጠርኒፉ ናብ ሃገሩ ካናዳ ኢዩ ኣምሪሑ። ሓለፍቲ ጋንትኡ እዚ ተርእዮ ኣብ ስፖርት ዘጋጥም ባህርያዊ ምዃኑ ብምርዳእ ክምለስ’ኳ እንተተማሕጸኑዎ፡ መልሲ ወዲ 24 ዓመት ሉቃስ ግን “ኣይፋል!” ዝብል ብምንባሩ እቶም ኣካየድቲ ጋንታ ሞንትሮስ ንስም ሉቃስ ካብ መዝገብ ጋንትኦም ክስርዝዎ ኢዮም ተገዲዶም።

ተወሳኺ ትማሊ ቀዳም ክለባት ማንሲቲን ኪውፒኣርን ኣብ ሜዳ ሎፍትስ ሮድ - ለንደን ኣብ ዝጻወታሉ ዝነበራ እዋን፡ ኣከፋፋሊ ማንሲቲ - ያያ ቱረ ከም ወትሩ ኩዕሶ ናብ ልዳት ይቐልዕ’ሞ እታ ኩዕሶ ዕላማኣ ከይወቕዐት ደገ ትወጽእ። ይኹን እምበር እታ ንደገ ዝወጸት ኩዕሶ፡ መዓልቦኣ ኣብ ገጽ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ተዓዛቢት ቈልዓ ኢዩ ኮይኑ። እዛ ክሎይ ፓወር ዝስማ ቈልዓ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዛ ብቐጻሊ ኣብ ሜዳ ተረኺባ ጸወታታት ኪውፒኣር ትከታተል ኢያ። ዝሓለፈ ቀዳም ግን ጸወታ ብህንጡይነት እናተኸታተለት ከላ እታ ብናህሪ ዝመጸት ኩዕሶ ኣብ ገጻ

ምዕላባ ከቢድ ስንባደ ኢዩ ፈጢሩላ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘድሊ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩላ ድማ ምዕዛብ ጸወታ ክትዛዝም ክኢላ ኢያ። ጸኒሓ ከኣ፡ ፌርማ ተጻወትቲ ኪውፒኣር ዝሰፈራን ናይታ ተፍቕራ ጋንታ ማልያ ከምኡ ድማ ናይ ጽቡቕ ምንዮት መግለጺ ዝተጻሕፋ ማልያ ያያ ቱረን ተዋሂቡዋ። ድሕሪ ጸወታ ደሃያ ንምግባር ደዊሉ ከምዝረኸባ ዝገለጸ ቱረ፡ እታ ቈልዓ ደሓን ምህላዋ ከምዘቕሰኖ ሓቢሩ። ንክሎይ ብኣካል ዝረኸቡ ወከልቲ ክለብ ኪውፒኣር ብወገኖም፡ ክሎይ ንቕላዕ ያያ ቱረ ዝተጻወረት ምዃና ብምግላጽ፡ በቲ ዝተበርከተላ ማልያ ኣመና ከምዝተሓጎሰት ኣረዲኦም።


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 11

ኤርትራ

ስፖርት

ተስፋኣለም ገ/ዮሃንስ (ኲባ)

ኤርምያስ ኣስፋሃ

ኣንጠልጣሊ ቅድድም ብሽክለታ-ሞኖፖልዮ

ብምኽንያት መዓልቲ ሽኮርያ፡ ብፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከልን ማሕበር ሽኮርያ ኤርትራን ተወዲቡ “ስሩዕ ኣመጋግባን ምንቅስቓስን ደማዊ ሽኮር ይቆጻጸር።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ንኽልተ ቀዳመ ሰንበት ዝተሰርዐ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ፡ ብ8 ን 9 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከባቢ ኤክስፖ ማውንቴን ብሽግለታ፡ ኣብ ከባቢ ሞኖፖልዮ ድማ ናይ ልሙዳት ውድድር ፈሊሙ። ናይ ሰንበት ቅድድም ብሽክለታ፡ ካብ ካልእ እዋን ፍልይ ብዝበለ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቃል ኪዳን ዝኣስረሉ ዕለት ብምንባሩ’ዩ፡ በዚ ከኣ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ምስ መርዓቱ፡ ናይ ዓበይቲ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ ብብርክት ዝበላ መካይን ተዓጂቡ ንሓደ ዙርያ ምስ ተቐዳደምቲ ብምዛር፡ ምስ ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽግለታ፡ ጋዜጤኛታት ስፖርት፡ ኣባላት ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከልን ናይ ክብሪ ስእሊ ወሲዱ። ብድሕሪ’ዚ ካብ ኮምሽነር

“ናብ ባርሳ ደጊመ ናይ ምምላስ ሓሳብ የብለይን” ጓርዲዮላ

ስፖርት ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም ኣብ መዳለዊ ቅድድም ናይ ክብሪ ዕንበባ ተቐቢሉ። ብዘይካ’ዚ ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታን ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ናብ ቃልኪዳን ዝኣሰረሉ ከተማ ዱባርዋ ብምኻድ ዘዳለዉሉ ህያብ ሂቦሞ። ናብ’ቲ ውድድር ምስ እንምለስ ተቐዳደምቲ 1ይ ዲቪዥን ነቲ ዝተሰርዓሎም 50 ዙርያ (90 ኪሎ ሜትር) ዝሽፍን ውድድር ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሮሞ። ተቐዳደምቲ ካብ ምፍላም ውድድር ኣትሒዞም ስካቶታት ክገብሩ ስለ ዝጀመሩ ዝተፈላለየ ጉጅለታት ክፍጠራን እንደገና ብሓባር ክጥርነፋን ጀሚረን። ጸወታ 15 ዙርያ ምስ ተላዕሎ፡ ተቐዳደምቲ ኣስቤኮ ቴለ፡ ሰንበል ጀጋንተን ደቡብን ዝርከብዋ ተቐዳደምቲ ካብ ዓባይ ጉጅለ ተፈንቲታ ናታ ጉጅለ መስረተት። ድሕሪ ገለ ዙርያታት ከኣ ዓባይ ጉጅለ ነታ ተፈንቲታ ዝነበረት ጉጅለ ኣርከበታ፡ ኣብ ከባቢ 20 ዙርያ ከኣ ካልእ ጉጅለ ተፈጥረት፡ ድሕሪ ገለ ዙርያ ድማ ንተቐዳደምቲ ኩለን ጋንታታት ዝሓቖፋ ክሳብ 4 ጉጅለታት ተተመቓቒለን ውድድረን ቀጺለን። ጸወታ ብኸምዚ እናቐጸለ ጸወታ ክዛዘም 15 ዙርያታት ምስ ተረፎ፡ ናይ ኤሪ ቴል ዩሃና ተስፋይ ናይ ሰንበል ሚኪኤል ሃብቶም፡ ናይ ኣስቤኮ የውሃንስ ወልደሩፋኤል ካብ ዓባይ ጉጅለ ሞሊቖም ብምውጻእ ናይ በይኖም ጉጅለ መስረቱ። እዞም ተቐዳደምቲ ነቲ ካብ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ጋግ ንምግፋሕ ዘርኣይዎ ጻዕሪ ዝድነቕ ነይሩ፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዙርያታት ከኣ ብጽቡቕ ተጓዒዞም፡

እንተኾነ ጸወታ ክዛዘም 3 ዙርያታት ምስ ተረፎ፡ እታ ፋሕ- ፋሕ ኢላ ዝነበረት ዓባይ ጉጅለ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ብሓባር እናተበራረየት ነቶም ሰለስተ ተቐዳደምቲ ኣርከበቶም። ጸወታ ኣብ ምዝዛሙ ስለዝነበረ እቶም ብሓባር ተጠርኒፎም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ተቐዳደምቲ፡ ንቕጽበታዊ ውድድር ተዳለው። ሓያለ ኪኢላታት ቅጽበታዊ ውድድር ዝርከብዎም ተቐዳደምቲ ናይ መወዳእታ ውድድር ንምክያድ ደወል ምስ ተደወለት ኩሉ ተዓዛቢ “ መን ይዕወት?” ብዝብል ኣብ ወጥሪ ኣተወ። ተቐዳደምቲ ሓደ ካብ ሓደ ዘይሰናነፉ ክኢላታት ቅጽበታዊ ውድድር ብምንባሮም፡ ኣንጎሎ ተጠውዮም ናብ መስመር ቅጽበታዊ ውድድር ተቐልቀሉ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ከኣ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ኣካየዱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ኤሪ ቴል ሜሮን ኣብርሃም ቀዲሙ መስመር ሕንጻጽ ረጊጹ። 2ይ፡ ኣሮን ደብረጽየን- ኣስቤኮ፡ 3ይ ሚኪኤል ሃብቶም ሰንበል፡ 4ይ ዮናስ ተኸስተ ኤሪ ቴል፡ 5ይ መርሃዊ ጎይትኦም ኤሪ ቴል፡ 6ይ ዮናታን ሃይለ ሰምበል፡ 7ይ ኣማንኤል መንግስ ኤሪ ቴል፡ 8ይ ሚኪኤል ተኸስተ ጀጋንተ፡ 9ይ ዩሃና ተስፋይ- ኤሪ ቴል፡ 10 ሜሮን ሰለሙን ካብ ኣስቤኮ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብዚ ውድድር ብኣባላት ፖሊስ ዝነበረ ጸጥታ ዝነኣድ ነይሩ። መዛዘሚ ናይዚ ውድድር ሰንበት፡ ኣብ ከባቢ እንዳማርያም ከም ዝኾነ ህ/ር/ፈ/ቅ/ ብሽክለታ ዞባ ማእከል ይሕብር።

ዙር ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ተዛዚሙ ሰንበት 9/11/2014 ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ገጽ ውድድር ዙር ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ማውንተይን ብሽግለታ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብቸርኪቶ ከም ዝተዛዘመ ካብቲ ዞባ ዝተላእከ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣቐዲመን ኣብቲ ዕለት ጋንታት ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ባጽዕን ግንዳዕን ናይ መሕዝነት ጸወታ ኣካየደን ኔረን። ጋንታ ባጽዕ ብሽዱሽተ ተወዳደርቲ ጋንታ ግንባር ግንዳዕ ድማ ብኣርባዕተ ተወዳደርቲ እየን ተሳቲፈን። እተን ተወዳደርቲ 13 ኪሎ ሜትር ንምሽፋን ብኣመኣሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሴ ብናይ ንቕሎ ምልክት ተበጊሰን። ንያት ጎይትኦም ካብ ጋንታ ባጽዕ፡ ኣስማይት ጠዓመን ነጃት ዑመርን ድማ ካብ ጋንታ ግንዳዕ ገና ውድድር ኣብ ምጅማሩ ሓያል ብቕዓት ኣንጸባረቓ። በዚ መሰረት ኣብ መዛዘሚ ንያት ጎይትኦም ካብ ባጽዕ ቀዳመይቲ፡ ኣስማይት ጠዓመን ነጃት ዑመርን ካብ ጋንታ ግንባር ግንዳዕ ካልኣይቲን ሳልሰይቲን ንዘሎ ደረጃታት ክሕዛ ከለዋ፡ ኣርያም ብርሃነን ኣስማይት ረዳእን ካብ ጋንታ ባጽዕ ድማ ራብዓይቲን ሓምሻይቲን፡ ናርዶስ ሃይለማርያም ካብ ግንባር ግንዳዕ ድማ ሻድሸይቲ ኮይነን ውድድረን ዛዚመን። ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽግለታ ከተማ ባጽዕ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ድሒሩ ተኻይዱ። ኣብቲ 40 ዙርያ ዝሸፈነን ተወዳደርቲ ድማ ብገምጋም 37 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ብምጉዓዝ ዝተዛዘመ ውድድር ድማ እዚ ዝስዕብ ውጽኢት ተረኺቡ። ኢሰያስ ፍሰሃየን ምኪኤል መሓሪን ካብ ጋንታ ባጽዕ ቀዳማይን ካልኣይን ብምውጻእ ነፍሲ ወከፎም 5000 ናቕፋን 4000 ናቕፋን ተሸሊሞም። ነቢል ሓምድ ካብ ጋንታ ግንባር ግንዳዕ ሳልሳይ ደርጃ ብምሓዝ ተሸላሚ 3000 ሽሕ ናቕፋ ክኸውን ከሎ፡ ምኪኤል ሓድጉ ካብ ባጽዕ ራብዓይ ደረጃ ብምውጻእ 2500 ናቕፋ፡ ኢብራሂም ጋይምን ዑመር እድሪስን ካብ ጋንታ ግንባር ግንዳዕ ሓምሻይን ሻድሻይን ብምውጻእ 2000 ከምኡ ድማ 1500 ናቕፋ ተሸሊሞም። ተቐዳዳማይ ጋንታ ግንባር ግንዳዕ ኤርሚያስ ዮሴፍ ኣብቲ ውድድር ብሉጽ ተቐዳዳማይ ክኸውን ክኢሉ። ብጋንታ ንዝወሃብ ሽልማት ባጽዕ 65 ነጥቢ ብምውህላል ጎብለል ዞባ ብምዃን ተሸላሚት ዓባይ ዋንጫ ኮይና። 45 ነጥቢ ዘዋህለለት ጋንታ ግንባር ግንዳዕ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣፍዓበት ድማ ብክልተ ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ውድድረን ኣሰላሲለን። ውድድር ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ኣቋሪጹ ዝነበረ ቅድድም ብሽግለታ ንምብርባርን ምትንሳእን ዝዓለመ ስለዝነበረ ምጅማሩ ተስፋ ዘስንቕ እዩ፡ ዝበለ እቲ ካብቲ ዞባ ዝመጸ ጸብጻብ፡ ቀጺሉ እንተኾነ ካብ ምጅማሩ ምቕጻሉ ሓያል ስራሕን ተገዳስነትን ስለዘድሊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽግለታ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ገዚፍ ዕማም ይጽበዮ ከም ዘሎ ኣብ መወዳእታ ኣዘኻኺሩ።

“ልበይ ክሳብ 2019 ሰማያዊ ደም ክትጭንጉዕ’ያ” ኦስካር

ብራዚላዊ ኣከፋፋሊ ኣጥቃዒ ኦስካር ምስ ክለብ ቸልሲ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ምስታ ክለብ ዘጽንሖ ሓድሽ ውዕል ከቲሙ። እቲ ብቕድሚ ትማሊ ኣማስያኡ ዝተፈነወ ዜና ኦስካር ክሳብ 2019 ኣብ ሜዳ ስታምፎርድ

ብሪጅ ከም ዝጸንሕ ዝገልጽ እዩ። ወዲ 23 ዓመት ኦስካር ኣብ 2012 ካብ ብራዚላዊት ክለብ ኢንተርናስዮናል ብ20 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዝተሰጋገረ ይንገር። ኦስካር ክታሙ ድሕሪ ምንባሩ ንመርበብ ሓበሬታ ቸልሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ናብራ ሃገረ እንግሊዝ ለሚደዮ እየ ንክለብ ቸልሲ ምጽዋት ኣመና ዘሐጉሰኒ ኮይኑ ኣሎ፡” ምስ በለ “ንዝመጽእ ሓሙሽት ዓመታት ልበይ ሰማይስዊ ደም ክትጭንጉዕ እያ” ክብል ዕግበቱ ኣብ ቸልሲ ገሊጹ። ኦስካር ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ፕሪመር ሊግ ክለቡ ቸልሲ ከይተሳዕረት ኣብ ትግስግሰሉ ዘላ ህሞት ብውልቁ ሰልስተ ሸቶታት ከምዝግብ ከሎ ክልተ ንሸቶ ዝበቕዓ ኮዓሳሱ ድማ ንኣጥቃዕቲ ክለቡ ኣበርኪቱ።

ሕጹያት ንብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ቢቢሲ 2014 ተረቚሖም

እዋናዊ ኣሰልጣኒ ጀርመናዊት ክለብ ባየር ሙኒኽ ዝኾነ ስጳኛዊ ፐፕ ጓርዲዮላ ናብ ባርሰሎና ደጊሙ ናይ ምምላስ ሓሳብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ጓርዲዮላ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ 11 ዓመታት ክሳብ ደረጃ ሓለቓ ጋንታ ብምዃን ንባርሰሎና ተጻዊቱ እዩ። ኣብቲ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ከም ኣሰልጣኒ ባርሰሎና ኮይኑ ዝሰርሓሉ እዋን ድማ ባርሰሎና ንሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ሻምፕዮን ክለባት ስጳኛ ከምኡ ድማ ክልተ ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ክትከውን ዘኽኣለ ኣሰልጣኒ እዩ። ነዚ ክብርታት ኣብ ባርሳ ዝሃነጸ ጓርዲዮላ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ካታሎንያ እትቕመጥ ብምዃናንን ንሱ ውን ናብራኡ ሓደ እዋን ኣብ ካታሎንያ ከም ዝኸውንን ብምእማቱ እዩ እሙናት ደገፍቲ ባርሰሎና ደጊሙ ነታ ክለብ ክሕዛ ከም ዝኽእል ክእምቱ ዝኸኣሉ። ይኹን እምበር ጓርዲዮላ ካታሎንያ ንዝመደበራ ኣራ ንዝተባህለት ጋዜጣ ከም ዝሓበሮ “ብመትከል ደጊመ መንበረ ምስልጣን ባርሳ ናይ ምሓዝ ሓሳብ የብለይን” ክብል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ሓደ ካላንደር ዝተፈላለያ ናይ ስፖርት ትካላት ዓለም ሽልማት ብሉጽ ተጻዋታይ ዝዕድላሉ ግዜ ካብ ዝኸውን ነዊሕ እዋን ኣቑጺሩ ኣሎ። ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዓመታዊ ኣብዘን ኣዋርሕ ንብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ዝረቑሓሉ እዋን እዩ። ዝሓለፈ ሰኑይ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ሕጹያት ንብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ንመረጽቲ ኣቅሪቡ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕወት ኣይቮርያዊ ያያ ቱረ ምስ ወዲ ሃገሩ ጀርቪኖ፡ ጋቦናዊ ተጻዋታይ ክለብ ቦርስያ ዶርትመንድ አመሪክ ኦባምያንግ፡ ኣልጀርያዊ ያሲን በራሂሚ፡ ናይጀርያዊ ሓላው ልዳት ቪንሰንት ኢንየማ፡ ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም ኣለዉ። ኣርባዕተ ካብዞም ሕጹያት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2014 ብራዚል ዝተጻወቱ እዮም። ሓላው ልዳት ቪንሰንት ኢንየማን ኣጥቀዓይ በራሂሚን ኣብ መድረኽ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ብራዚል ምስ ሃገራት ናይጀርያን ኣልጀርያን በጺሖም እዮም። ወዲ 32 ኢንየማ ምስ ፈረንሳዊት ክለቡ ሊል ን21 ጸወታት ልዳቱ ከየድፈረ ናብቲ ብራዚል ዘአንገድቶ ውድድር ኣምሪሑ ምንባሩ ይዝከር፡ ኣብቲ ውድድር እውን ተጠማቲ ምንቅስቓስ ካብ ዘርኣዩ ሓለውቲ ልዳት ኔሩ። በራሂሚ ዝሓለፈ ወቕቲ ውድድር ኣብ ስጳኛ ምስ ክለብ ግራናዳ ኣብ ዝነበረሉ ብዘመዝገቦ ብዝሒ ሸቶታትን ዘርኣዮ ብቕዓትን ብሉጽ

ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ኣብ ስጳኛ ተባሂሉ ተሸሊሙ ኔሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ናብ ክለብ ፖርቶ ተሰጋጊሩ ይርከብ። ኣይቮርያውያን ጀርቪኖን ያያ ቱረን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንሃገሮም ዋላኳ ካብ ምድባ ክትሰግር ኣየኽእልዋ ብውልቆም ዝሓሸ ምንቅስቓስ ከም ዘርኣዩ ተግምጊሙ እዩ። ጀርቪኖ ካብ ኣርሰናል ወጺኡ ናብ ሮማ ካብ ዝግዕዝ ኣብ ሰሪኣ ኢጣልያ ካብ 39 ግጥማት 10 ሸቶታት ንክለቡ ሮማ ኣመዝጊቡ እዩ። ያያቱረ ብወገኑ ክለቡ ማንቸስተር ሲቲ ሻምፕዮን ዝሓለፈ ዓመት

ውድድር ፕሪመር ሊግ ክትከውን ዝለዓለ እጃም ከም ዝነበሮ ይትንተን። ብተወሳኺ ተዓዋቲ ዋንጫ ካፒታል ዋን እውን ኮይኑ እዩ። አመሪክ ኦባምያንግ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ኣይተሳተፈን። ሃገሩ ናብቲ ውድድር ክትሓልፍ ብዘይምኽኣላ። ይኹን እምበር ንካልኣይ ግዜኡ ከም ሕጹይ ኮይኑ ዝቐረበሉ ምኽንያት ኣብ ክለቡ ብዘርኣዮ ብቕዓት እዩ። ንሱ ኣብ ክለብ ቦርስያ ደርትመንድ ንካልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ብቕዓቱ እናኣዕበየ ዝቕጽል ዘሎ ትስፍው መንእሰይ እዩ። ድሮ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሻምፕዮንስ

ሊግ ድማ ብስሙ ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ይርከብ። ካብ 2000 ንደሓር በብዓመቱ ንሽልማት ቢቢሲ ብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ዝተዓወቱ ምስ እንርኢ። ኣብ 2000 ፓትሪክ ምቦማ ካሜሩንን ፓርማን፡ 2001 ሳሚ ኩፎር ጋናን ባየርሙኒኽን፡ 2002 ኣል ሃጂ ድዩፍ ሰኔጋልን ሊቨርፑልን፡ 2003 ከምኡ ድማ 2004 እዚ ሽልማት ካብ ዝጀመረሉ ብተኸታታሊ ዝተዓወተ ጀይ ጀይ ኦኮቻ ናይጀርያን ቦልቶንን። 2005 መሓመድ ባራካት ግብጺን ኣል ኣህሊን ንመጀመርያ ግዜ ካብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዝተዓወተ። 2006 ሚካኤል ኢሰን ጋናን ቸልሲን ድሕሪ ሳሚ ኩፎር ካልኣይ ጋናዊ ተሸላሚ። 2007 ኢማኑኤል ኣደባዮር ቶጎን ኣርሰናልን፡ 2008 መሓመድ ኣቡትሬካ ግብጺን ኣል ኣህሊን ካልኣይ ግብጻዊ ካብ ግብጻዊት ክለብ ዝተዓወተ። 2009 ዲድየር ድሮግባ ኣይቮሪኮስትን ቸልሲን፡ 2010 ኣሳሞሃ ግያን ካብ ጋናን ሳንደርላንድን ሳልሳይ ጋናዊ። 2011 ኣንድሬ ኣየው ካብ ጋናን ማርሰይን ራብዓይ ጋንናዊ። 2012 ክሪስ ካቶንጎ ካብ ዛምብያን ሀናንን። ያያ ቱረ ካብ ኣይቮሪኮስትን ማንቸስተር ሲቲን ካልኣይ ኣይቮሩኮስታዊ ዝተዓወቱ እዮም። ተጻወትቲ ኣሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዓብላሊ ቁጽሪ ንሽልማት ቢቢሲ ብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ዓብሊሎም ኣብ ዘለውሉ ተጻወትቲ ሃገረ ጋና ብዝሒ ግዜ ብምዕዋት ጸብለል ኢሎም ንረኽቦም ።


ሓዳስ

12 ሕዳር 2014 - ገጽ 12

ኤርትራ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ናብ ዝተፈላለየ ዞባታት ልሒሙ

ብር ሃነ ምሕረትኣብ

“ዓለም ኣብ ጥርዚ ሓድሽ ዝሑል ኲናት” ጎርባቾቭ

መራሒ ሕብረት ሶቭየት ነበር ሚኻኤል ጎርባቾቭ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ምትፍናን ንዓለም ናብ ሓድሽ ኲናት ከእትዋ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። ንሱ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝኽሰት ዘሎ ግጭት ናብ ዝኸፍአ ኣንፈት ይዘዙ ምህላዉ’ዩ ዘረድእ። ብፍላይ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝተኸስተ ቅልውላው ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይተረኺብሉ ንምሉእ ዓለም ናብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ዝሸምም ምዃኑ’ዩ ሚኻኤል ጎርባቾቭ ኣገንዚቡ። ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ጉዳይ ዩክሬን ናብ ምፍጣጥ ገጸን ከምርሓ ዝጸንሓ ሓያላን ሃገራት ኣመሪካን ሩስያን፡ “ንዓለም ዳግማይ ናብ ዝሑል ኲናት የእትዋኣ

ኣለዋ” ብምባል ድማ ጎርባቾቭ ወቒሱ። ንሱ፡ ኣብ 90’ታት ንሕብረት ሶቭየት ነበር ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሃገሩን ዝተኸስተ ዝሑል ኲናት ኣብ ጥርዚ ብዝበጽሐ ካብ ስልጣን ከምዝወረደን፡ ብድሕሪኡ ሕብረት ሶቭየት ከምዝተበታተነትን መዛግብቲ ይጠቕሱ። ሩስያ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዩክሬን ኢድ ከምእተእቱ ትኸስስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ናይ እገዳ ስጉምቲ ትወስድ ምህላዋ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ጎረባብቲ ሩስያ ዝኾና ሃገራት፡ ስርዓተ መከላኸሊ ሚሳይል ክትተክል ምውሳና፡ ነቲ ዝጸንሐ ምትፍናን የዕርጎ ምህላዉ ይንገር። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝምድና ሩስያን ኣመሪካን ናብ ዝኸፍአ ኑክሌሳዊ ረጽሚ ከየምርሕ ዘስግእ ምዃኑ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ። ***

ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ተቓወምቱን ብሸነኽ ከተማ በንትዩ ዝጀመረ ሓድሽ ውግእ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ታ ሃገር ከምዝለሓመ ንምንጭታት ክልቲኦም ወገናት ብምጥቃስ ፕረስቲቪ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ማዕከን ዜና፡ እቲ ሓድሽ ግጭት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ሚያርዴትን ተቐናቓኒኡ መራሒ ዕጡቓት ሬክ ማሻርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተበጺሑ ዝተባህለ ስምምዕ፡ ድሕሪ 48 ሰዓታት’ዩ ዝውላዕ ዘሎ። እቲ ግጭት ብመን ከምዝተጀመረ ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለን ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይካሳሱ ከምዘለዉን ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣብ በይጂን ዝጋብኡ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ፓሲፊክን ኤስያን፡ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ንምምስራት ተሰማሚዖም። ነቲ እማመ ቻይና ከምዘቐረበቶን ብኹሎም ተጋባእቲ ተቐባልነት ከምዝረኸበን ፕረስ ቲቪ ሓቢራ። ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ንምምስራት ዝዓለመ ውጥን ብምዝርጋሕ ነቲ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ “ታሪኻዊ” ብምባል ገሊጽዎ። ሃገራት ፓሲፊክን ኤስያን ኣብ መንጎአን ዝያዳ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ውህደትን ክፈጥራ ድማ ጸዊዑ። ኣብቲ ኣብ በይጂንግ ዝካየድ ዘሎ ቁጠባዊ ዋዕላ፡ መራሕቲ ጃፓን፡ ኣውስትራልያ፡ ኣመሪካን ሩስያን ዝርከብዎም 21 መራሕቲ ሃገራት ከምዝተረኽቡ ተፈሊጡ። ***

ደቡብ ኮርያዊ መርከበኛ 36 ዓመት ተፈሪዱ ብሸለልትነት ዝተኸሰ ደቡብ ኮርያዊ መራሒ መርከብ ሊ ጁን ሱክ፡ 36 ዓመት ክእሰር ከምዝተፈርደ ቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ መራሒ ናይታ ኣስታት 500 ሰባት ሒዛ ዝጠሓለት መርከብ ሲዎል ዝነበረ ክሱስ ኣብ እዋን ሓደጋ ሸለልትነት ብምርኣዩ ጠንቂ ሞት ኣማኢት ተሳፈርቲ ከምዝኾነ’ዩ ነቲ ብይን ዘሕለፈ ቤት ፍርዲ ሶል ዝገልጽ። ኣብታ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝጠሓለት መርከብ ደቡብ ኮርያ (ሲዎል) ካብ ዝተሳፈሩ 476 ሰባት እቶም 300 ከምዝጠሓሉ ይዝከር። ኣኽበርቲ ሕጊ ደቡብ ኮርያ፡ እቲ መራሒ መርከብ ብፍላጥ ፈጺምዎ ብዝበልዎ ገበን ቅትለት ንሞት ክፍረድ’ኳ እንተጠለቡ፡ ደያኑ

ግን በቲ ቅትለት በይኑ ጥራይ ዘይኮነ መሳርሕቱ’ውን ተሓተትቲ ምዃኖም’ዮም ዝገልጹ። በዚ ይኹን በቲ፡ ዕድሚኡ ኣብ 60’ታት ዝርከብ ብምዃኑ ዝተረፈ ህይወቱ ኣብ ቤት

ማእሰርቲ ከምዘሕልፎ ምንጭታት ደቡብ ኮርያ ገሊጾም። 14 ኣባላት መርከብ ሲዎል ድማ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ካብ 10 ክሳብ 30 ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ከምዝተበየነሎም ተፈሊጡ። ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ዝበዝሑ ተመሃሮን መምህራንን ናይ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኮይኖም፡ ንሽርሽር እናኸዱ’ዮም ጥሒሎም። ስድራቤት ናይቶም ግዳያት፡ ኣብ ልዕሊ ክሱሳት ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃብ ድሌት ከምዝነበሮም ብምምልካት፡ በቲ ዝተዋህበ ብይን ከምዘይዓገቡ ኣገንዚቦም። ንሳቶም፡ ኣብ እዋን’ቲ ሓደጋ ህጹጽ ሓገዛት ከምዘይተገብረ ብምግላጽ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ወቐሳታት ኣስሚዖም። Sabur Printing Services

ኣፈኛ’ቶም ዕጡቓት ሉል ሩዋይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይቲ ኣብ ዞባታት ዩኒቲ፡ ጆንገሊን ላዕለዋይ ናይልን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ውግእ ተሓታቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምዃኑ ክኸስስ እንከሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል’ታ ሃገር ኮል ማንያንግ ድማ፡ ሰራዊቱ በቶም ዕጡቓት ንዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ መኪቱ

ዜና ብሓጺሩ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምብ 50 ተመሃሮ ተቐቲሎም። ዛጊት ሓላፍነት ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ’ታ ሃገር - ዞባ ዮበ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ኣካል የለን። ብመሰረት ሓበሬታ ኣልጀዚራ፡ ነቲ መጥቃዕቲ፡ ተመሃራይ ንምምሳል ዩኒፎርም ዝተኸድነ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ነብሱ ዝተጻወደ ቦምብ ብምፍንጃር’ዩ ፈጺምዎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ቀጽሪ’ቲ ቤት ትምህርቲ ኣስታት ክልተ ሽሕ ተመሃሮ ከምዝነበሩን ብውሕዱ 70 ተመሃሮ ከምዝቘሰሉን ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። *** ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓደ ፍልስጤማዊ መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ናይ ኣልማማ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ካብቲ ቦታ ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ። እቲ ፍልስጤማዊ መኪና እናዘወረ ደይ መደይ ኢሉ ሓደጋ ክፍጽም እንከሎ፡ ጸኒሑ’ውን ካብታ መኪና ብምውራድ ንሓንቲ እስራኤላዊት ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተላን ክልተ ካልኦት ከምዘቑሰለን ተሓቢሩ። ንሱ ብኡ ንብኡ ክቕተል እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ጽኑዕ ሓለዋ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ተል-ኣቪቭ፡ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ተቐቲሉ። በቲ ቅትለት ዝተጠርጠረ

ከምዝመለሶ ኣፍሊጡ ኣሎ። ደቡብ ሱዳን ድሕሪ’ቲ ኣብ ታሕሳስ 2013 ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ፕረዚደንት ሳልቫኬርን ምክትሉ ዝነበረ ሬክ ማሻርን ዝተወልዐን ጸኒሑ ዓሌታዊ መልክዕ ዝሓዘን ግጭት ኣብ ዓሚቚ ደማዊ ኲናት ተሸሚማ ከምእትርከብ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሓደ ፍልስጤማዊ ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ እስራኤል ገሊጹ። እስራኤል ኣብ ሞራባዊ ገማግም ሓድሽ ሰፈራታት ንምህናጽ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፡ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ወጥሪ ተኸሲቱ ምህላዉ’ዩ ዝጥቀስ። *** ኣብ ህንዲ ልዑል መጠን ወሊድ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ብዝተኣታተወ ውጥን መሰረት፡ ብሓባር መጥባሕቲ ሻምብቆ ማህጸን ዘካየዳ ሸሞንተ ደቀንስትዮ ህይወተን ከምዝሰኣና ቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ሞት ኣደታት ዘጋጠመ ቻቲስጋር ኣብ ዝተባህለ ዞባ ኮይኑ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝተሳተፋ ካልኦት 30 ደቀንስትዮ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ጥዕና ስለዝወደቓ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚበን ምህላወን ተፈሊጡ። እቲ መስርሕ ምዕጻው ሻምብቆ ማህጸን ኣብ 83 ደቀንስትዮ ከምዝተኻየደ’ዩ ዝግለጽ። እቲ መስርሕ መጥባሕቲ ብሃታሃታ ስለዝተኻየደ ኩነታት ናይ ሓያሎ ደቀንስትዮ ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ከሲሶም። ብምሉአን ደቀስንትዮ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰዓታት ጥራይ ብሓደ ዶክተር መጥባሕቲ ከምዝተገብረለን ንሳቶም ሓቢሮም። እንተኾነ ሰበ-ስልጣን ሕክምና፡ እቲ መስርሕ ብዕቱብ ከምዝተኻየደ ብምግላጽ ንክሲ’ቶም ነበርቲ ነጺጎሞ ኣለዉ። ጠንቂ ሞት ናይተን ሸሞንተ ደቀንስትዮ ንምፍላጥ ድማ ጽጹይ መርመራ ከምዝካየድ ቃል ኣትዮም። መንግስቲ ህንዲ እቲ ኩነታት ብኽኢላታት ብዝቖመት ጉጅለ ብደቂቕ ክምርመር ኣዚዙ ከምዘሎ’ዩ ዘፍልጥ።


Turn static files into dynamic content formats.

Create a flipbook
Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.