ፍኖተ መስቀል fnote meskel

Page 1

ጉዕዞ መስቀል ንቐራንዮ ፍኖተ መስቀል

1


መእተዊ ጸሎት

ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ነዚ ሕጂ ክንፍጽሞ ተቐሪብና ዘሎና ናይ ፍቁር ወድኻ ናይ መስቀል ጉዕዞ፣ ነቲ ካብ ጌተስማኒ ክሳብ ቀራንዮ ዝተጓዕዞ መሪር ናይ ሕይወቱ ሕማማትን ስቅያትን ውርደትን ግፍዕን ሞትን ትንሳኤን እናዘከርና፣ በቲ ካብ ሑጻ-ባሕሪ ዝበዝሕ ኃጢኣትናን ኮንትነትናን እናተጣዓስና፣ ስለ`ቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ክቡር ደም-ወድኻ ይቕረታን ምሕረትን ግበረልና። ኦ ሕያው ኣምላኽና ነዚ እንገብሮ ጉዕዞ-መስቀል ከኣ ስለ ኃጢኣትናን ኃጢኣት-ኣሕዋትናን ኣኅትናን ኣእዳውካ ዘርጊሕኻ ብሕያውነትካን ብሕራሔኻን ተቐበለልና። ነዚ መንፈሳዊ ተጋድሎና ብምስትውዓልን ብጥንቓቔን ብውዕውዕ-መንፈሳውነትን ክንፍጽሞ ከኣ፣ ንልብና ብቕዱሳት ኣቑሳልካ ኣነቓቕሓልና። ካብ ትህኪትን ሸለልትነትን ዝርወት-ሓሳባትን ኣናግፈና። ንወፈያና ከኣ ከም ናይ ምሸት መስዋዕቲ ገቢርካ ተቐበለልና። ኣሜን።

2


ቀዳማይ ምዕራፍ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ ጲላጦስ ቐሪቡ ንሞት ከም ዝተፈርደ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና። ማቴ.27፣11..30 ጥበብ ሰለሙን 2፣12 "ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛኢ ቆመ። እቲ ገዛኢ ድማ 'ንስኻ'ዶ ንጉሥ ኣይሁድ ኢኻ'? ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ 'ንስኻ እዃ ትብል ኣሎኻ'በሎ። ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት 3


ሕዝብን ኪኸስዎ ከለዉ ድማ ሓንቲ እዃ ኣይመለሰን። ሽዑ ጲላጦስ 'ብኽንደይ ነገራት ኣብ ልዕሌኻ ዚምስክሩ ከም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ?' በሎ። ኢየሱስ ግና እቲ ገዛኢ ክሳዕ ዝግረም ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን።….ጲላጦስ ከኣ 'ነዚ ክርስቶስ ዝተባህለ ኢየሱስ ደኣ እንታይ ክገብሮ ኢየ በሎም?' ኩሎም ድማ 'ይሰቐል' በሉ።….ሽዑ ንባርባን ፈትሓሎም፣ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኺስቀል ሃቦም።" መተሓሳሰቢ እቲ ፈጣሪ ኣብ ቅድሚ ፍጡሩ ኣእዳው ክሩንኩሪት ተኣሲሩ፣ በቶም ከሰስቱ እናተጐነጸን እናተኸትከተን ፍርዱ ኪሰምዕ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ይቀርብ። ኩሉ ሕዝቢ ድማ ነቲ ካብ ኣፍ ንጉሥ ዝወጽእ ቃል ፍርዲ ኪሰምዕ ጸጥ ይብል። እቲ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ኣብ-ትሕቲ ማንም ንጉሥ ይቐውም፣ እቲ ፈራዲ ኩሉ ፍጡር ኣብ-ትሕቲ ኃጥእ-ፈራዲ ቆይሙ ንሞት ይፍረድ፣ እቲ ብባህሪኡ ሓቅን ጽድቅን ርትዕን ሰላምን ዝኾነ መድሓኒ-ዓለም፣ ብዘይ ወዓሎ ብጽልእን ብቕንእን ብሓሶት ተኸሲሱ ናይ ሞት ፍርዲ ይቅበል። ንሱ ንኹሉ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተላዕለ ሓሶት ሕሜታ በደል ግፍዒ ብዘይ-ገለ ግብረ-መልሲ ብስቕታ

4


ይቕበሎ። ንሕናኸ ነቲ ኣብ ልዕለና ዝለዓል ዝተፈላለየ ክሲ ብስቕታን ብሓይሊ ትዕግስትን'ዶ ንቕበሎ?  ኦ ወድሰብ እቲ ጻድቅ ኣብ ክንዳኻ ኃጥእሰብ ኮይኑ ንሞት ይፍረድ ኣሎ።  ኦወድሰብ ሎሚ ኣብ ዓለምና ክንደይ ንጹሓት እዮም፣ ብዘይ ወዓልዎ በደል፣ ብዘይ ፈጸምዎ ኣበሳ፣ ኣደዳ ስቃይን መግረፍትን ሞትን ዝኾኑ ዘለዉ። ክንደይ ንጹሓት ሕጻናት እዮም'ከ ብርሃን ጸሓይ ከይረኣዩ፣ ምስጢር-ሕይወት ከየስተማቀሩ፣ ብሞት ዝፍረዱ ዘለው። ኦወድሰብ ስለዚ-ኹሉ ዶ ኣይኮነን ክርስቶስ ስለና ንሞት ዝፍረድ ዘሎ።  ኦወድሰብ ሎሚ ንሕና ኩልና ካብ ኃጢኣትና ምእንቲ ክንነጽሕ ንኹሉ ኃጢኣትና ናብ ክርስቶስ መድኃኒና ነቅርቦ።

5


ጸሎት  ኦጥዑም ኢየሱስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ብጾትና ብሕሜታን ብቕንእን ብጽልእን ዝገበርናዮ ፍርዲ ይቕረ በለልና።  ኦ ጥዑም ኢየሱስ ነቲ ብኃጢኣት ክንፈርደካ፣ ኣብ ቅድሚ ዓለምን ሥጋን ሰይጣንን ዝተመላለስናዮ ጉዕዞሕይወትና ይቅረ በለልና። ኣሜን። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት.

6


ካልኣይ ምዕራፍ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝቐረብሉ ዕንጸይቲ መስቐል ሓቝፉ ከም ዝተሸከመ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

7


ሉቃ.9.23..26 "ኢየሱስ ንኹሎም ከምዚ በሎም፣ ዝኾነ ሰብ ደድሕረይ ኪስዕብ ዝደሊ ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ፣ መዕልቲ መዓልቲውን መስቀሉ ተሸኪሙ ይስዓበኒ። ምኽንያቱ እቲ ንነፍሱ ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ። እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ከድሕና እዩ። ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ ንነፍሱ እንተጐድአ ወይ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? ብኣይን ብቓለይን ዚሓፍር ዘበለ፣ ወድሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣብኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፣ ብእኡ ኪሓፍር እዩ።" መተሓሳሰቢ እቲ መድሓኒ ዓለም ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ጉዕዞ መስቀል ብምሽካም ይጅምሮ። መስቐል ከኣ ከም ስርዓት ኣይሁድ ናይ-መርገም፣ ናይ-ከንቱ ሰባት፣ ናይቶም ኃጥኣንን ዝተርግሙን መቕጽዒ እዩ ዝነበረ። ክርስቶስ ከኣ ኣብ ክንዲ ኩልና ኃጥእ ኾይኑ ንመስቐሉ ይስከማ። ኦሕዝበ-ኽርስትያን ናይ ክርስቶስ መስቐል ንሕና ኢና። መስቐል ኮይኑ ዝቀርብ 8


ዘሎ ኸኣ ኩሉ ኃጢኣትናን ናይ ኃጢኣት ተግባርናን እዩ። እስኪ ንሕሰብ፣ ሎሚኸ ኃጢኣት ብምግባርናን፣ ኣብ ኃጢኣት ብምንባርናን፣ ክንደይ ዝኸውን ኃጢኣት ኢና እነሰክሞ ዘሎና፣  ኦ ወድሰብ ሎሚ ኣብ ዕለታዊ ተግባራትካ ከመይ ዝበለ መስቐል እዩ ዝቕረበካ፣  ኦ ወድሰብ ናይ ሎሚ ጭቡጥ መስቀልካ እንታይ እዩ፣  ኦ ወሰብ ናይ ሎሚ ጭቡጥ መስቀልካ እቲ ምስ ኃጢኣት እትገብሮ ቅልስዶ ኣይኮነን፣ ድኽነት/ሕማም/ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ጌርካ ምፍቃር/ኣብ እምነትካ/ኣብ ኪዳንካ/ኣብ ጸዋዕታኻ-ጸኒዕኻን ተቐቢልካ ምንባርን መስቀልካዶ ኣይኮነን፣ እምበኣር ኦ ወድሰብ ነቲ ኣብዕለታዊ ሕይወትካ ዝገጥምካ ፈተናንን መከራን ከም መድሓኒካ ሓንጎፋይ ኢልካ ተቕበሎ። 9


ጸሎት  ኦ ክርስቶስ መድኃኒና ንመስቐል ኃጢኣትና ብፍቕሪ ሓቝፍካ ዝተቀበልካ፣ ንሕና ከኣ ነቲ ኩሉ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዝገጥመና ፈተና ብዓቕልን ብትዕግስትን ብፍቕርን ጼርና ከም እንስዕበካ ግበረና። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት.

10


ሳልሳይ ምዕራፍ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መስቀሉ ከም ዝወደቐ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

11


ኢሰያስ 50, 5..9 "እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምእንቲ ኪሰምዕ እዝነይ ከፈተለይ፣ኣነ'ውን ኣይኣቤኹን፣ ኣየድሓርሓርኩን። ዝባነይ ንገረፍቲ ምዕጉርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጉሪ ሃብኩ። ኪጸርፉንን ጡፍ ኪቡሉለይ ከለውን ገጸይ ኣይከወልኩን። ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ዝረድእኒ፣ ብጸርፎም ተጓእ ኣይበልኩን። ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፣ ከም ዘይ-ሕፍር ከኣ ይፈልጥ እየ። ከመይ እግዚኣብሔር ቀረባ እዩ። ጻድቕ ከም ዝኾንኩ ከኣ ኪምስክረለይ እዩ።" መተሓሳሰቢ እቲ ንዝቐረብሉ ዕጸ መስቐል ብፍቅሪ ዝተሰከመ ኢየሱስ፣ ብዙሕ ከይሰጐመ ምስ መስቀሉ ኣብ ምድሪ ጻሕ ኢሉ ይወድቕ። ነታ መስቐል ከኣ ሒዝዋ እዩ ዝወድቕ። ኣይፍንዋን እዩ። ፍቑር ሓወይ እቲ ግዙፍ መስቐል ዝኸበዶዶ ይመስለካ? ኣይፋሉን፣ እቲ ክበድ ኃጢኣትና እዩ ጸቒጥዎ። እወ፣ እቲ ኣዳም ካብ ዝወድቕ ዝተፈጸመ ኃጢኣትና ኣብ ዝባኑ ምስ ተጻዕኖ ከቢድ ጾር ኮኑ 12


ተጻዒንዎ።ናብ ምድሪ ድማ ኣውዲቕዎ። ሎሚ እውን ኃጢኣተይን ኃጢኣትካን ከምኡ ገቢሩ እዩ ጻሕ ዘብሎ ዘሎ።  ኦወድሰብ ሎሚ ክንደይ ካባና እዮም ንዝጀመርዎ፣ ንዝኣተውዎ ዕላማ፣ ንዝተኸልዎ ኪዳን፣ ኣብ መፈለምታኡ ገና ኣብ እግሪ ተክሉ እንከሎ ሒዞሞ ዘይወደቑን ፋሕ ዘየበልዎን?  ክንደይ ካባና ኢዮም ዝፈለምዎ ጉዕዞ ከቢድዎም ንድሕሪት እሞ ዘይተመልሱ?  ክንደይ ካባና እዮም ሎሚ ዝክትምናን ድክነትን ሕማምን ማእሰርትን ከቢድዎም እንግድዓ ሕልናኦም ከየቅንዑ ድፍእ ኢሎም ዝነብሩ ዘለዉ።  ክንደይ ካባና ኢዮም ሎሚ ኣርዑት ኃጢኣት ከቢድዎም ዝወድቁ ዘልው፣

13


ጸሎት

 ኦ ጐይታ እቲ ጽባሕ ጽባሕ ኣብ ኃጢኣት እንወድቆ ክንደይ ከም ዘሕዝነካ ንፈልጥ። ኦርሕሩሕ ጐይታ መሓረና።  ኦ ጐይታ ነቶም ኣብ ዓቢ ኃጢኣት ወዲቖም ዝነብሩ ኣሕዋትና ኣሓትናን ብምሕረትካ ሕያውነትካን ካብ ኃጢኣት ኣተንስኣልና።  ኦ ጐይታ ዕለታዊ መስቐልና ጸይርና ኣሰር ኣሰርካ ክንስዕብ ምሳኻ ኣተንስኣና። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት

14


ራብዓይ ምዕራፍ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንገዲ ምስ ማርያም እኖኡ ከም ዝተርኸበ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

15


ዘፍጥረት 37. 34..35 "ያዕቆብ ከኣ ነቲ ቐሚሽ ዮሴፍ ኣለልዩ "እዚ ናይ ወደይ እዩ፣ ግርጉር ኣራዊት በሊዕዎ። ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ እዩ" በለ። ያዕቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቝኡ ማቕ ተዓጥቐ፣ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ። ኩሎም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ድማ ኼጸናንዕዎ መጹ። ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየ።"ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሲኦል ኪወርድ ኢየ" ድማ በለ። በኸየሉ ከኣ።" መተሓሳሰቢ እታ ዝወለደት ከም ሰብ ብኩሉ ነገር ሓብሒባ ዘዕበየት ወላዲቱ፣ ንፍቓዱ ክትፍጽም እነኹ ባርያ እግዚኣብሔር ብምባል፣ካብ ዕለተ ልደቱ ኣትሒዛ ከልበትበት ዝበለት፣ ሕጅ'ውን ኣብ'ዛ መራር ሰዓት፣ቦኽሪ ወዳ መስቐሉ ተሸኪሙ ምስ ሞት ኣብ ዝጠማመተላ ጊዜ፣ ግንባር ንግንባር ጐፎጐፍ ምስተበሃሃሉ ከመይ ዝበለ ሓዘን'ኮን ኣብ ልባ ተኣጕድዋ ይኸውን? እታ ኣደ፣እታ ወላዲት፣ ኣብዛ መራር ሰዓት ንፍቑር ወዳ ገለ ሓገዝ ብዘይ ምግባራኸ ከመይ ዘበለ ጓሂ 16


ኾን ተሰሚዕዋ ይኸውን? እቲ ፍቑር ወዳኸ እኖኡ ስቓዩ ብምርኣያ ኣብ ርእሲ ስቅያቱ ከመይ ዝበለ ስቓይ ኮን ተሰሚዕዎ ኢከውን?  ኦ ወድሰብ ነዞም ኣደን ውሉድን ክንድዚ ዝኣክል መሪር ስቓይ ዝወርዶም ዘሎ ብሰሪ ኃጢኣትና ምዃኑ እስኪ ኣስተንትን።  ኦ ወድሰብ ብተመሳሳሊ ሎሚ ኣዴታት ዓለምና ስቕያትን ማእሰርትን ሞትን ፍቁራት ደቀን ዝስምዓን ዝርእያን ክንደይ ኢየን?  ኦ ወድሰብ ሎሚ እታ ኣደ ኩልና ዝኾነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንከ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣበር ዘይብሎም ንጹሓት ዜጋታት ዓለምና፣ ብግብረ-ሽበራን ዓሌታዊ ምጽናት ዘርእን ዝፍጸም ጃምላዊ ህልቂት ክንደይ ዘይትሳቐን ዘይትጉህን?

17


ጸሎት  ኦ ኢየሱስ ማርያም! ነቲ ወግሐ ጸብሐ ብኃጢኣትና እነሳቕየኩም ብፍቕርኩም ምሕረት ግበሩልና።  ኦ ኢየሱስ ማርያም! ብኃጢኣትና ንልብኹም ክይነሕዝኖን ከይነሳቕዮን ንልብና ብፍቕርኹም ኣቃጽልዎ። ኣቦና .ሰላም. ስብሓት

18


ሓምሻይ ምዕራፍ ስሞኦን ቐረናዊ መስቀል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሽከም ከም ዝተገደደ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

19


ሉቃስ. 23. 26 "ንኢየሱስ ሒዞምዎ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ ንስምዖን ቀሬናዊ፣ ካብ በረኻ ኪኣቱ ከሎ ሓዝዎ፣ ነቲ መስቀል ኣሸኪሞም ከኣ ደድሕሪኡ ከም ዝስዕብ ገበርዎ።"

መተሓሳሰቢ ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማኒ ኪጽሊ እንከሎ ንሓዋርያቱ ምስኡ ክጽልዩን ከጸናንዕዎን ደጋጊሙ ካብ ድቃሶም የንቅሖም። ሓዋርያት ግን ተሳተፍቲ ስቓይ መድኃኒኦም ኪኾኑ ኣይከኣሉን። ብግዙፍ ድቃስ ተሳዒሪም ኣብ ሕልሞም ይቅጽሉ። ነዚ ካብ ሓዋርያት ዘምለጠ ዕድል እዚ ማንም ሓላፍ መንገዲ በስገዳድ ይረኽቦ። ስምዖን ነታ ኣብ ዝባን ጐይታ ተጻዒና ጎሰስ እትብል ዝነበረት መስቀል ይጸውር። ስለዚ ስምዖን ናብ ጐይታ ቀሪቡ ኣቑሳሉን ዝነዝዕ ዝነበረ ደሙን ብሓይሊ ዝግዕር ዝነበረ ትንፋሱስን ዝሰምዐን ዝረኣየን እዩ። ኣብታ ሰዓት እቲኣ ንስሞዖን እንታይ ኮን 20


ተሰሚዕዎ ይኸውን? ሎሚ ንዓይ ንዓኻ እዚ ዕድል ስሞዖን እንተዝበጽሓና እንታይ ምበልናን ምገበርናን? ሎሚ ክንደይ ኢዮም ንዕለታዊ ጸገሞምን ንውሽጣዊ ስቓዮምን ብሓሳብን ብግብርን ክንድግፎምን ክንረድኦምን ኣብ ጐኖም ክንከውን ዝሓቱናን እምነትና ዝግድደና።  ኦ ወድሰብ ሎሚ ንክርስቶስ መስቀሉ ከተጻውሮዶ ትደሊ? እወ። በል ነቲ ተመላሊስካ እትገብሮ ኃጢኣትካ ምእንቲ ፍቅሩ ኢልካ ኣቛርጾ።  ኦ ወድሰብ ሎሚ ንክርስቶስ መስቀሉ ከተጻውሮዶ ትደሊ? እወ። በል ነቲ ጽጉም፣ ነቲ ሽጉር፣ ነቲ ስኡን፣ ነቲ ውጹዕ፣ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ሓውኻ ራሕራሓሉን ደንግጸሉን።

21


ጸሎት  ኦ ኢየሱስ መድኃኒና ሓድሕዳዊ ዕለታዊ መስቀልና ብፍቕሪ ክንጸዋወር ሓይሊ መስቐልካ ኣልብሰና።  ኦ ኢየሱስ መድኃኒና መስቀልና ኣብዝኸብደና ሰዓትን እዋንን ካባና ኣይትርሓቕ።  ኦ ኢየሱስ መድኃኒና ነቶም መስቀሎም ዝኸበዶም ኣኅዋትናን ኣኅትናን ክንድግፎምን ከነባራትዖምን ብመስቀልካ ኣበራትዓና። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት

22


ሻድሻይ ምዕራፍ ኣብ ናይ ቅድስቲ ቮሮኒካ መጎልበቢ ናይ ጐይታና ኢየሱስ መልክዕ ተሓቲሙ ከም ዝተረፈ የተሕሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

23


ሉቃስ 10. 30..37 "ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በለ፣ "ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ኺወርድ ከሎ፣ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ከኣ ገረፍዎን ከትከትዎን፣ ኣይምውት ኣይስሩር ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ሓደ ካህን በታ መንገዲ እቲኣ ብወዝቢ ኪወርድ ከሎ ርእዩ ጎስይዎ ሓለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስበጽሐ፣ ርእዩ ጎስይዎ ሓለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መንገዲ ግና ናብኡ መጸ፣ ምስረኣዮ ከኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ፣ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፣ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ መሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ።" መተሓሳሰቢ ኢየሱስ ኣብተን ንሰለስተ ዓመት ብሥራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኸሉ ጊዜ፣ ሓያሎ ኣንስቲ ይስዕባኦን ይኽተላኦን ከምዝነበራ ወንጌላውያን የዘንትውልና። ቮሮኒካ ግና ካብኣተን ኣይነበረትን። ኮይኑ ግን ነዚ ፍቕርን ርሕራሔ ሕያውነትን ዝመልኦ ሰናይ ነገር ትፍጽም። 24


ወንጌላውያን ከም ዝትርኽዎ ኢየሱስ ኣብ ደጌ ጲላጦስ ዘስካሕክሕ መሪር ግፍዕን ስቓይን ከም ዝረኸቦ እዩ። ስለ'ዚ ኢየሱስ እቲ ብሩህ ገጹ ብርሃጽን ደምን ጥፍጣፍን ተደዊኑ ዘይንሱ መሲሉ ንምርኣዩ ዘሕዝን ከም ዝነበረ ርግጽ እዩ። ነዚ ዝረኣየት ሕያወይቲ ቮሮኒካ ነቲ ኩሉ ሕዝቢ ሰንጢቓ፣ ጭካነን ሕሰምን ሰራዊት ጲላጦስ ጸሓፍቲ ፈሪሳውያንን ድምብርጽ ከይበላ ናብ ኢየሱስ ቀሪባ ነቲ ናብ ዓይኑ ጸረር እና በለ ዝወርድ ዝነበረ ረሃጽን ደምን ትሕብሰሉ። በዚ ከኣ ኢየሱስ ልቡ ብፍቕሪ መሊኡ መለኮታዊ ስእሊ ገጹ ከምህያብ ኣብ መጎልበቢኣ ይሓትመላ። እቲ ንብዙሓት ንብዓት ኣዒንቶምን ልቦምን ዝሓበሰ፣ ንሕዙናት ዘጸናንዐ፣ ኩሉ ናይ ፍቕሪ ስራሕ፣ናይ ምሕረት ስራሕ ዝፈጸመ ወዲ ኣምላኽ ካብ ፍጡሩ ሰናይ ነገር ይቕበል።  ኦ ወድሰብ ሎሚ ከመይ ዝበለ ግፍዒ እዩ ኣብ ልዕሊ ደቒ ሰባት ዝፍጸም ዘሎ?  ኦ ወድስብ ሎሚ ክንደይ ዝኸውን ሕዝቢ ዓለም እዩ ብሓለንጊ ጥሜትን ውግእን ዝግረፍ ዘሎ? 25


 ኦ ወድሰብ ሎሚ ክንደይ ካባና ኢዮም ብሕማምን ብዝኽትምናን ዝሳቐዩ ዝለዉ? እሞ ሎሚ ከም ቕ.ቮሮኒካ ኮይኑ ንብዓቶም ዝሕብሰሎም መን እዩ?

ጸሎት

 ኦ ጥዑም ኢየሱስ ብሕያውንውትካን ምሕረትካን ስእሊ ቕዱሳት ኣቑሳልካ ኣብ ልብና ስኣለልና።  ኦ ሕያው ኢየሱስ ንውጹዓት ኣሕዋትና ናይ ምሕረት ስራሕ ክንፍጽመሎም ብሕያው መንፈስካ ኣነቓቕሓና። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት

26


ሻብዓይ ምዕራፍ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኻልኣይ ጊዜኡ ከም ዝወደቐ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

27


1ጴጥሮስ 2፣21..24 "ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፣ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፣ ሓሶት'ውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፣ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቅንዕና ዝፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር ኣየፈራርሀን። ካብ ኃጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኪንነብር፣ ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ጾሮ። ብቑስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም።" መተሓሳሰቢ ኢየሱስ ሕጂ'ውን ክበድ ኃጢኣትና ጸቒጥዎ፣ ብዘሰቅቕ ኩነት ንካልኣይ ጊዜኡ ናብ ምድሪ ይወድቕ። እዚ ኸኣ እቲ ተመላሊስና እንፍጽሞ ውድቀት ኃጢኣትና እዩ። ንሓደ ዝጀመርናዮ ዕላማ ኣብ መፈጸምታ ከየብጻሕናዮ ክንደይ ጊዜ ወዲቕና ንኸውን? ንሓደ ኃጢኣትናኸ ክንደይ ጊዜ ደጋጊምናዮ ኣሎና። ክንደይ ጊዜ ካብ'ቲ ናይ ትማሊ ናብ ናይ ሎሚ ዝገደደን ዝዓበየን ኃጢኣት ፈጺምና ንከውን? 28


ኢየሱስ ብኽበድ ኃጢኣትናን ብመግረፍቲ ደቂ ሰባትን ሓይሉ ደኺሙ ንኻልኣይ ጊዜኡ ይወድቕ ኣሎ። ንሕናኸ ብኃጢኣትናን ብፈተና ደቒ ሰባትን ተሓቢልናን ተሳሒብናን ክንደይ እዋን ኢና ናብ ኃጢኣት ዘይወድቕና። እወ ክንደይ እዋን ኢና'ሞ ኣብ ዘይደለናዮ ኃጢኣት ዘይተረኸብና። እምበኣር ንሕና ከይንወድቕ እዩ ኢየሱስ ኣብ ክንዳና ዝወድቕ ዘሎ። ብርግጽ ከኣ ኢየሱስ ወዲቑ፣ ወዲቑ ግና ኣይተረፈን። ተንሲኡ እዩ ጉዕዞኡ ዝቐጸለ። ንሕናውን ሎሚ ጽኑዕ ቑርጺ ፍቓድ ጌርና ካብ ጭቃ ኃጢኣትና ብትብዕት ንተንስእ።  ኦ ወድሰብ ሕጂ ኣበይ ኢኻ ዘሎኻ? ኣብ ምውዳቕዶ ወይስ ኣብምትንሳእ?  ኦ ወድሰብ ንሓደ ኃጢኣት ክንደይ ጊዜ ደጋጊምካዮ ኣሎኻ? ክንደይ ጊዜከ ተናዚዝካሉ ትኸውን?  ኦ ወድሰብ ተንስእ ሕጂ መስቀልካ ጼርካ ኣሰር ኣሰር መድሓኒኻ ሰዓብ።

29


ጸሎት  ኦ ጥዑም ኢየሱስ ካብ ውድቀት ኃጢኣትና ሕጂ ምሳኻ ኣተንስኣና።  ኦ ጥዑም ኢየሱስ በቲ ደጋጊምና እንገብሮ ኃጢኣትና መሓረና።  ኦ ጥዑም ኢየሱስ ካብቶም ናብ ውድቀት ገጾም ዝመርሑና ፈተናታት ኣናግፈና። ኣቦና. ስላም. ስብሓት.

30


ሻምናይ ምዕራፍ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝበኸያሉ ሕያዎት ኣንስቲ ከም ዘጸናንዐን የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

31


ሉቃስ 23፣ 27.31 "ብዙሕ ሕዝቢ ከኣ ይስዕቦ ነበረ፣ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ። ኢየሱስ ከኣ ናብኣተን ግልጽ ኢሉ ከምዚ በለን፣ "ኦ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር ምእንታይሲ ኣይትብከያ። ምኽንያቱ እተን መኻናትን ዘይወለደት-ማሕጸንን ዘየጥበዋ-ኣጥባትን ብፁዓት ኢየን፣ ዝብሉለን መዕልትታት ኪመጻ ኢየን። በቲ ጊዜ እቲ ንእምባታት ኣብ ልዕለና ውደቑ፣ ንኹርባታት'ውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ ኢዮም። ኣብ ጥሉል ኦም ከም'ዚ ካብ ገበሩስ፣ ኣብ ንቑጽ ደኣ ከመይ ኪኸውን እዩ?" መተሓሳሰቢ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ነቲ ኣብ ዴገ ጲላጦስ ኣብ ኣእዛን ክርስቶስ ዝተቓልሐ ናይ ጭካኔ ዕሙር ድምጺ ሕዝቢ፣ ኔው በሎ፣ "ስቐሎ! ስቐሎ!" ዝብል ዝኽሕስ ናይ ርሕራሔን ድንጋጼን ዋይዋይታን ብኽያትን ዝመልኦ ካብ'ዘን ቦቕባቓት ኣዴታት ኢዮሩሳሌም ይቕበል። እዘን ኣዴታት እዚኣተን ነቲ 32


ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝፍጸም ዝነበረ ስቓይን መግረፍትን ርእየን፣ ልበን ብድንጋጸን ብርሕራሔን መሊኡ፣ ብእኖታዊ ፍቕሪ ይሓዝና፣ ይነብዓ ፣ዋይዋይ ይብላ። እዚ ከኣ ስቓይ ኢየሱስ ክንደይ መሪርን ዘስካሕክሕን ከም ዝነበረ የረድኣና። ኢየሱስ ከኣ ነቲ ኩሉ ስቓዩን ውርደቱን ረሲዑ፣ ነቲ መስቐል ካብ ዝጸውር ዘይተኸፍተ ኣፉ፣ ንመጀመርታ ጊዜ ነዘን ሕያዎት ኣንስቲ ይኸፍተለን። ብኃጢኣትኽንን ብኃጢኣት ደቕኽንን ድኣ ብኸያ እምበር፣ ብኣይ'ስ ኣይትብከያ ይብለን። እወ! ኦንስቲ ኢዮርሳሌም እዚ ወሪድኒ ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ፣ ብበደለይ፣ ብኃጢኣተይ ዘይኮነስ ብኃጢኣትኩም እዩ። ኣነ ካብ'ዚ ስቓይ እዚ ከዓርፍ፣ መስቐለይ ኪራገፍ፣ ንስኻትኩም ኃጢኣት ምግባር ሕደጉ። ምእንቲ በደልኩም ከኣ ብኸዩን ደንግጹን ይብለና ኣሎ።  ኦወድሰብ ካብዘን ሕያዎት ኣንስቲ እንታይ መንፈሳውነት ትማሃር?  ኦወድሰብ ነዘን ኣንስቲ ዝተሰመዐን ርሕራሔ ድንጋጼን ንዓኻኸ ይስምዓካዶ?

33


 ኦወድሰብ እዚ መሪር ናይ ሞት ስቓይ ብሰሪ ኣበሳኻ ምዃኑ እስኪ ኣብልብኻ ወሪድካ ኣስተንትኖ። ጸሎት

ኦ ኢየሱስና ሎሚ እውን ንሕና ከምዘን ሕያዎን ኣንስቲ ብኃጢኣትናን ብድኻምነትናን ናይ ጣዕሳ ንብዓት ምእንቲ ከነብዕ፣ ብዓይኒ ምሕረትኻ ጠምተና፣ ንኩሉ ኣበሳና ሓዲግካ ንልብና ኣጸናንዓልና። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት.

34


ታሽዓይ ምዕራፍ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሳልሳይ ጊዜኡ ምስ መስቀሉ ከም ዝወደቐ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

35


ማቴዎስ 18፣21..22 ዮሓንስ 13፣36..38 , መዝ. ዳዊት 38፣1-ፍጻሜ "ኦ እግዚኣብሔር ድላየይ ስለዝኾነ ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ። እህህታይ ካባኻ ዝተኸወለ ኣይኮነን። ልበይ ይሃርመኒ፣ ሓይለይ ይጠልመኒ፣ ብርሃን ዓይነይ'ውን ይጽልምተኒ። ብጾተይን ኣዕሩኽተይን ከይተረፉ ካብ ቑስለይ ሃዲሞም ግልል ይብሉ፣ ኣዝማደይውን ርሒቖም ይቕመጡ።…..ኦ እግዚኣብሔር ኩሉ ተስፋይ ኣባኻ እዩ። ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፣ ንስኻ ኢኻ መልሲ እትህበኒ።…ከመይ ንኽወድቕ ቀሪበ ኢየ ዘለኹ፣ ቁስለይ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።…መኒንካ ኣይትግደፈኒ ኦኣምላኸይ፣ ኦ እግዚኣብሔር፣ ካባይ ኣይትርሓቕ። ኦ ኣምላኸይን መድኃኒየይን ናብ ምርደአይ ተቓላጠፍ።" መተሓሳሰቢ ኢየሱስ በቲ ኣብ ልዕሌኡ ብቐጻሊ ብዘይ ምሕረትን ርሕራሔን ዝፍጸም ዝነበረ መግረፍቲ፣ ዝያዳ ሓይሉ እንዳ ደኸምን እናተጸንቀቐን እዩ መጺኡ። ስለ'ዚ እዚ ሳልሳይ 36


ምውዳቕ ካብቲ ዝሓለፈ ዝበርትዐ እዩ ነይሩ። ስለ'ዚ ኢያኸኣ እታ መስቐል ብዘይገለ ምክልኻል ኣብ ዝባኑ እትወድቕ ። ኣብታ ሰዓት እቲኣ ንኢየሱስ ወላሓደ ዝሕግዞ ኣይነበረን። እዚ ከኣ እቲ ኢየሱስ ብተደጋጋሚ ንሓዋርያት ኣብጌተሰማኒ ብናይ ሞት ጽዋዕ ደም እናገዓረ እንከሎ ብጸሎት ክሕግዝዎ ዘቕረበሎም ልመና እዩ። ሽዑ'ውን ኢየሱስ ነታ ጽዋዕ ምስኩሉ ምረታ እዩ ብትዕግስቲ ጸጽይዋ። ንሕና'ውን ሎሚ በቲ ተደጋጋሚ ኃጢኣትና ክንደይ ዝመርር ናይ ሞት ጽዋዕ ኢና እነስትዮ። ክንደይ ዝረዝን መስቐል ኢናኸ እነሰክሞ። ክንደይ እዋንከ ኢየሱስ ካብ ውድቀትና ከበራብረና ዘይፈተነ።ንሕናኸ ኣዒንቲ ልቦና-ባዕዚዙ መንፈስና-ደንዚዙ ብተደጋጋሚ ኣብ ኃጢኣት ዘይወደቕና። እሞኸድኣ ኢየሱስ ፣ ወዲቑዶ ተሪፉ እዩ? ኣይፋኡን። በል ንስኻ ኸኣ ሕጂ ምስ ኢየሱስካ መስቀልካ ጼርካ ካብ ረግረግ ኃጢኣትካ፣ ሕጂ ተንስእ። ደጊም እቲ ኣብ ኃጢኣት ወዲቕካ ምንባር ይኣኽለካ ፣ንኩሉ ገዲፍካ ኣሰሩ ሰዓቦ።

37


 ኦ ወድሰብ እቲ ዘይወድቕ ይወድቕ ኣሎ። ነቲ ዝወደቐ ከተንስኦ።  ኦ ወድሰብ እቲ ንዝወደቁ ዘተንስእ፣ ንዝደኸሙ ዘበርትዕ፣ ሓይሉ ደኺሙ ይወድቕ ኣሎ።  ኦ ወድሰብ ክንደይ ኢዮም ሎሚ ብዘይ ፍጸምዎ ገበን ብመግረፍትን ብግፍዕን ሃላዋቶም ዘጥፍኡ ዘለዉ። ጸሎት ኦ ጥዑም ኢየሱስ እቲ በይንኻ መስቀልኻ ጼርኻ ምውድቕካ ብዙሕ የሕዝነኒ። እቲ ዘሕዝነኒ ከኣ ኣነ መስቐልካ ምዃነይ እዩ። ሎሚ እውን ኃጢኣት ብምግባረይ ደጊመ መስቀል ኣሰክመካ ኣለኩ። ከስኽመካ ግና ኣይደልን ኢየ ፣ ስለ'ዚ ንመስቀለይ ዝጸረሉ ሓይልኻ ሃበኒ።ኣሜን። ኣቦና. ሰላም .ስብሓት

38


ዓስራይ ምዕራፍ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዳኑ ከም ዝተገፈን መሪር ሓሞት ከም ዝሰተየ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

39


ማቴዎስ 27፣33..34 "ጎልጎልታ፣ ትርጕሙ ሓምሓም ርእሲ፣ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስፍራ ምስ በጽሑ፣ ሓሞት ዝተሓወሶ መጺጽ ወይኒ ኪሰቲ ሃብዎ፣ ንሱኸኣ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ።" መተሓሳሰቢ ኣዳም ኣብገነት ኃጢኣት ምስገበረ ብኡንብኡ ጥራዩ ከም ዘሎ ተፈለጦ'ሞ፣ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ተኸወለ። እዚ ኸኣ እቲ ዝተዋህቦ፣ ናይ ፍቕሪ ጸጋ ከም ዘጥፍኦን ከምዝተቐንጠጠን ዘረድእ ኣብነት እዩ። ሽዑ ኣዳም ዕራቑ ብምኾኑ ሓፊሩ፣ ኣብ ዓፋፉን-ገነት ተሸጒጡ ካብ ገጽ ኣምላኹ ተሓቢኡ ኪነብር ፈቲኑ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ፣ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ጸላኣቱ እቲ ምዕሩግ ልብሱ ካብ ዝባኑ ተቐንጢጡ ዕሩቕ ዝኸውን ዘሎ።እዚ ኸኣ እቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ልብሰ-ጸጋ ንምምላስ እዩ። እዚ ካብ ዝባን ኢየሱስ ዝቕንጠጥ ዘሎ ልብሲ ኃጢኣትና እዩ። እወ እቲ ዝበለየ፣ እቲ ዝኣረገ፣ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ልብሲ ባህሪ ኃጢኣት፣ ቀንጢጡ ሓድሽ ናይ ድሕነት ልብሲ ከልብሰና ስለ ዝደለየ 40


እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣብ ትሕቲ መስቀሉ ኾይና፣ ነቲ ኣባና ዘሎ ዝበለየ ኃጢኣትና ብጣዕሳን ብንስሓን ብምሕረትን ንቐንጥጦ። ሎሚ ኩልና ካብ ኃጢኣትና እንተዘይተንሲእና ነቲ ብፍቕርናን ብምሕረትናን ብጽምኢ ቃዕ ኢሉ ዘሎ መድኃኒና፣ ከምቶም ኣይሁድ መጺጽ ሓሞት ከነስትዮ ንደፍር ኣሎ።  ኦ ወድሰብ ሎሚ ኢየሱስ ብኣምላኽነቱ ንውርደትን ንሕፍረትን ብሰንኪ ኣበሳኻ ይቃላዕ ኣሎ።  ኦ ወድሰብ ኃጢኣት ኣብ ዝገበርካሉ እዋን ከመይ ይስምዓካ? እወ እቲ ክቡር ጸጋ ብድኻምነትካ ምስ ኣጥፋእኻዮ፣ ሽዑ ኣብ ሕልናኻ እንታይ ይስምዓካ?  ኦ ወድሰብ ሎሚከ ክንደይ እዮም ብግፍዕን ብዕመጽን ምሰሎምን ናጽነቶምን ተዘሪፎም ኣብ ዘሕፍር ሕይወት ዝነብሩ፤

41


ጸሎት ኦ ትሑት ኢየሱስ ልብስኻ ተቐንጢጡ ንሕፍረትን ንውርደትን ብሰንኪ ኃጢኣትና ዝተቓልዓኻ፣ ሎሚ ብእንብድለካ ኃጢኣትና ድማ ይቅረ በለልና። ኣብ'ቲ ብጽምኢ-ፍቕሪ-ነፍስና ቓዕ ኢልካ ኣብ እትጽበየና መዓልቲ፣ ነቲ ዝኸፈአ ኃጢኣትና ብምግባርና ክንደይ እዋን ከምዘሕዘናካ ንእመን ኣሎና'ሞ፣ ደጊምኻ ምሕረት ግበረልና። እወ ኦ ኢየሱስና! ነታ ብደምካ ኣንጺሕኻ፣ ብጸጋኻ ዝሸለምካያ ነፍስና ብምሕረትካ ሓልወልና። ኣሜን። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት

42


መበል ዓሰርተ ሓደ ምዕራፍ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ከም ዝተሸንከረ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

43


ዘፍጥረት 22፣ 6..12 "ኣብርሃም ድማ ነቲ ዝሓርር-መስዋዕቲ ዝኸውን ዕንጨይቲ ወሲዱ፣ ንወዱ ይስሓቅ ኣሰከሞ። ሓውን ካራን ድማ ወሰደ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ከዱ። ይስሓቅ ነቦኡ ኣብርሃም ኣቦየ ኢሉ ጸወዖ። ኣብራሃም ከኣ "እነኹ ወደይ" በሎ። ይስሓቅ ድማ "ሓውን ዕንጨይትንሲ እነሆ፣ እቲ ንዝሓርር መስዋዕቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ?" ኢሉ ሓተቶ። ኣብርሃም ከኣ "ወደየ እቲ ዝሓርር መስዋዕቲ ኣምላኽ ባዕሉ ኪሓልዮ እዩ" ኢሉ መለሰሉ። ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ኣብርሃምን ወዱን ድማ ናብ'ታ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝሓበሮ ቦታ በጽሑ። ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውዒ ሰርሐ፣ ዕንጨይቲ ከኣ ጸፍጸፈሉ። ንወዱ ይስሓቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውዒ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንጨይቲ በጥ ኣበሎ።" መተሓሳሰቢ እታ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ዝባኑ እናወደቐት ክትጸቕጦ ዝወዓለት መስቐል፣ ሕጂ ግና ንሱ ይወድቃ፣ ሕጂ ግና ኣብዘይከላኸለሉ ደረጃ በጺሑ ኣብ ልዕሊ እታ መስቀል 44


ይወድቕ። ኣእዳዉ ዘርጊሑ ኸኣ ልኽዕ ቅርጺ ናይታ መስቀል ይሕዝ። ጽቡቕ ገቢራ ክትጸሮ ከኣ እቶም ጨካናት ጸላእቱ ነእጋሩን ነእዳውን ብመስማር ይሽንክርዎ። እተን ንኽንደይ ሕሙማት ዝፈወሳ ኣእዳው፣ እተን ክንደይ ሩባን ስንጭሮን ምኽራባትን ቤተ ጸሎትን…. ወዘተ፣ ዝረገጻ ኣእጋሩ ብገዚፍ መስማር ተሸንኪረን፣ ብደም ጨቂየን ኣብ መስቀል ይደርቃ። ካብ ቅድሙ ድሑሩ ዝገድድ ስቓይ የጋጥሞ ። ሃለዋትካ ዘጥፍእ፣ ነፍስኻ ዝሰርቕ መሪር ስቓይ፣ እቲ ነዚ ስቓይ ወዲ ኣዳም ከጥፍእ ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ፣ ስቓይ ኣብ ልዕሊ ስቓይ ይቕበል። ንኹሉ ግና ብዓቢይ ስቕታን ብዘገርም ትዕግስትን ይቕበሎ። ኦ ዘገርም ስቕታ ኢየሱስ! ንልብና ብስቕታኻን ብትዕግስትኻን ማርኮ።  ኦ ወድሰብ ኣብዚ ስእሊ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ? ኣብ ልዕሊ ዕንጸይቲ መስቀል ዝተጋደመ፣ ወዲ ኣምላኽዶ ትምልከት ኣሎኻ። እወ ኣብ ልዕሊ መስቀል ደሙ እናፍሰሰ ዝስዋእ መድሕን ዓለም።

45


 ኦ ወድሰብ እስኪ ነዚማርቴሎ ኣልዒሉ ወስ ዝብል ዘሎ ጨካን ሰብኣይ ብትኹረት ተመልከቶ።  ኦ ወድሰብ እስኪ ነዚ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ መሳምርን ኣኽሊል እሾኽን ናይ ስቓይ መጋበርን ልቢ ገቢርካ ርኣዮ። ጸሎት ኦ ስቕተኛ ኢየሱስ! ንድሕነትና ክትብል ንስቕያት መስቀል እትቕበል ዘሎኻ፣ ብስቕያትካ መሓረና። ኦ ትዕግስተኛ ኢየሱስ! ነዚ ዘስካሕክሕ ስቓይ ብሰሪ ኃጢኣትና ብትዕግስቲ ዝተቐበልካ። ብፍጹም ልብና ንኃጢኣትና እንጽየፈሉ፣ ኣብ መስቀልካ ምሳኻ እንሽንክረሉን ሕያው ጸጋኻ ሃበና። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት.

46


መበል ዓሰርተ ክልተ ምዕራፍ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቒሉ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ከም ዝሞተ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

47


ማቴዎስ.27፣35..56 "….እንሆ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳዕ ታስዓይቲ ሰዓት ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ። ብታስዓይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ "ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰብቕታኒ?" እናበለ ብዓቢይ ድምጺ ጨርሐ። እዚ ከኣ "ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! ንምንታይ ሓደግካኒ?" ማለት እዩ። ገሊኦም ካብቶም ኣብኡ ቆይሞም ዝነበሩ ሰባት ነዚ ምስ ስምዑ፣ "እዝስ ንኤልያስ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ" በሉ። ሽዑ ሓደ ካብኣቶም ጐይዩ ሰፍነግ ወሲዱ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ፣ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ ኪሰትዮ ኣቕረበሉ። ገሊኦም ግና "ሕደጎ! ኤልያስ መጺኡ ዘድሕኖ እንተኾይኑ ክንርኢ ኢና" በሉ። ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብዓቢይ ድምጺ ጨርሐ፣ ነፍሱ ድማ ወጸት።…" መተሓሳሰቢ "እቲ ዘይመውት ሞተ፣ ንሞት ኪስዕሮ ሞተ።" ኢየሱስ እናወደቐን እናተንስአን እናተገርፈን እናተከትኸተን ኣብ ቀራንዮ ምስበጽሐ፣ ነኣእዳዉን ንኣእጋሩን ብዓበይቲ መሳምር ሸንኪሮም ኣብ ርእሱ ዝተተተዐ እሾኽ ገቢሮም፣ 48


ነቲ ነዊሕ-መስቀል ብሓይሊ ይተኽልዎ። ኩሉ ኣካላት ክርስቶስ ድማ ብመስማር ተታሒዙ ጠልጠል ይብል። እታ መስቀል ድማ በቑሳሉን በቲ ካብ ኣእዳውን ኣእጋሩን ዝውሕዝ ዝነበረ ውዑይ-ደም ትጥልቂ። እቲ ናብ መሬት ዝፈስስ ዝነበረ ድማ ንመሬት ኣጠልቂዩ ኣብኡ ይረግእ። እታ ክጸራ ዝወዓለ መስቀል ሕጂ ንሳ ትጸሮ። ኢየሱስ ከኣ ናይ ርእሱ-ኣኽሊል-እሾኽ ምጽጋዕ ከልእዎ፣ ርእሱ ንመሬት ኣጥቅስ ኣቢሉ ይቕንዞ። ንኩሉ ምድራዊ ሕይወቱ ድማ ብናይ ቀራንዮ ስቓይ ይዛዝሞ። ንብሉይ ዓጽዩ ከኣ ንሓድሽ ኪዳን ይኸፍቶ። ንኩሉ ናይ ወድሰብ መርገም ኃጢኣት ምሳኡ ኣብ መስቀሉ ይሰቕሎ። በጃ ኩልና ኪኸውን ከኣ ሕይወቱ ብፍቕሪ የወፊ። በቲ ዘየቛርጽ ወሓዚ ደሙ ከኣ ንኃጢኣትና ሓጺቡ ምሕረት ይገብረልና። ሕይወቱ በጃና ብምሕላፍ፣ ንኩልና ብደሙ ዓዲጉና፣ ናቱ ድማ ግይርና።  ኦወድሰብ እቲ ዘይመውት ይመውት ኣሎ። ነቲ መዋቲ-ፍጡር ካብ ናይ ኃጢኣት ሞት ከተንስኦ።

49


 ኦወድሰብ ክንደይ ተፈቒርካ፣ ክንደይ ከቢርካ፣ክንደይ ተዓዲልካ ተዓዊትካ ።  ኦወድሰብ ኢየሱስ ስለኻ ይመውት ኣሎ። ንስኻ ከኣ ሎሚ ካብ ኃጢኣትካ ክትመውት ኢየሱስ ይሓተካ ኣሎ።  ኦወድሰብ እስኪ ምስ ማርያም እኖኡን ምስ ዮሓንስ ሓዋርያኡን ኮንካ ናብ ቕዱሳት ኣቑሳሉ ቀው ኢልካ ተመልከት፣ በቲ ካብ ጎኑ ዝፈስስ ማይን-ደምን ኪሓጽበካ፣ ከኣ ኩልንትናኻ ኣወፍየሉ። ጸሎት ኦ መድኃኒ-ዓለም ወልደ-ኣምላኽ ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂልካ ሕይወትካ በጃና ዘሕለፍካ፣ ብቕድስቲ ሞትካ መሓረና። በቲ ዝተቐበልካዮ ናይ መስቐል ስቕያት፣ ካብ ኩሉ ኃጢኣትናን መርገምና ኣናግፈና። በቲ ዝፈሰሰ ደምን-ማይን ንነፍስና ኣንጽሓያን ኣጽርያን። ኣፍቂርካና ኢኻ'ሞ፣ብፍቕርኻ ንልብና ምልኣዮ። ኣሜን። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት 50


መበል ዓሰርተ ሰለስተ ምዕራፍ ማርያም ናይ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስካሬን ኢዳ ከም ዝተቐበለት የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

51


ሉቃስ.2፣34..35 ,ዮሓንስ 19፣38..40 "ስምኦን ከኣ ባረኾም፣ ንማርያም ኣድኡ ድማ "እነሆ እዚ ሕጻን እዚ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንሳኦምን፣ ከምኡ'ውን ዘይቅበልዎ ኪኸውን ዝተመደበ እዩ። ንኣኺ ኸኣ ሓሳባት ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኪግለጽ፣ ሓዘን ንልብኺ ከምሰይፊ ኪስንጥቆ" እዩ በላ።" "ድሕሪ እዚ ዮሴፍ ብዓል-ኣርማትያስ… ሥጋ-ኢየሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ….ኒቆዲሞስ'ውን ሳላሳን ሓደን ኪሎግራም ኣቢሉ ዝኸውን ከርበ ምስ ዓልወ ዝተሓወሰ ሒዙ መጸ። ንሥጋ-ኢየሱስ ወሲዶም ከኣ ከምቲ ልማድ ኣይሁድ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።" መተሓሳሰቢ ዮሴፍ ብዓል-ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ንሥጋ-ኢየሱስ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ንማርያም የረክብዋ። ማርያም ከኣ፣ ከም እኖ መጠን ንሥጋ ፍቁር-ወዳ፣ ብጓህን ብድንጋጼን 52


ብርሕራሔን በእዳዋ ሕቑፍ ኣቢላ ኣብ ሕቑፋ ትቕበሎ። ነቲ ብመግረፍቲ፣ ብደምን በቑሳልን ናብ ሕቡር-ቑስሊ ዝተለወጠ፣ ፈጨቕጨቕ ዝበለ ኣካላት ክርስቶስ ኣብሕቕፋ ገቢራ በእዳዋ ተረማስሶ። ነቲ ኩሉ ኣቑሳሉ ብቐረባ ብኣዒንታ ትምልከቶ፣ ብምዕጉርታ ከኣ ትስዕሞ። ልባ ብጓሂ መሊኡ፣ ነቲ ዝሕልሕል ዝብል ሰብነቱ፣ በእዳዋ ደጋጊማ ብምድህሳስ ሞት ፍቑር ወዳ ተረጋግጽ። ንብዓታ ጸረር እናበለት ነቑሳሉ ቀው ኢላ ትምልከቶሞ። ብኣእዛና ትንፋሱ ሃሰስ እናበለት ነቑሳሉ ገላቢጣ ተረምስሶ። ፍቑር ወዳ ከኣ በጃ-ኩሉ ወዲ-ኣዳም ከም ዝተሰውአ ባዕላ ተረጋግጽ። ንሳወን ብስቓይን ቃንዛን ጓህን ፍቁር-ወዳ፣ ብስቓይ ምስወዳ ትመውት። ከመይ እቲ ዝሳቐ፣ እቲ ዝሓምም፣ እቲ ዝቕንዞ፣ ሥጋ-ክርስቶስ-ወዳ ሥጋኣ እዩ። እዚ ኩሉ ስቓይ ክርስቶስ ከኣ ብሰሪ ኃጢኣትና እዩ።  ኦ ወድሰብ ሎሚ ንሥጋ-ክርስቶስ ኣብ ኢድካ እንተዘቐብሉኻ እንታይ ምተሰመዓካ፣ እንታይ'ከ ምበልካ፣ እንታይ'ከ ምገበርካ? 53


 ኦ ወድሰብ እስኪ ንነፍስኻ ኣብ'ቲ ናይ ማርያም ስፍራ ኣእቲኻ፣ ንስቅያት መድኃኒኻ ኣስተንትኖ።  ኦ ወድሰብ ስጋ መድኃኒኻ ናብ መቓብር ገጹ የምርሕ ኣሎ'ሞ፣ ንስኻ ከኣ ንኩሉ ኃጢኣትካ ሒዝካ ናብ መቃብር ንስሓ ውረድ/ ሕጂ ምሳኡ ንዓናይ/።

54


ጸሎት ኦ ማርያም ዝሕልሕል ዝብል ሥጋ ፍቑር ወድኺ፣ ኣብ ኣእዳውኪ ክትቅበሊ ብዙሕ ዝተሳቐኪ፣ እዚ ናብ መሪር ሞት ዘብጽሖ ስቕያት ወድኺ፣ ብሰሪ ኃጢኣትና እዩሞ፣ ፍጹም ጸላእቲ ኃጢኣት ኮይና ኣብ ፍቕርኽን ፍቕሪ ወድኽን ከም እንመውት ግበርና። ኦ ማርያም! እቲ ዝተሰመዓኪ መሪር ስቓይ ፍቑር ወድኺ እናኣስተንተንኩ፣ ደጊመ ኣብ ኃጢኣት ኪወድቕ ኣይደልን። ንስኺ ከኣ ካብ ወድኪ ምሕረት ኣማልድለይ። ኣቦና. ሰላም. ሰብሓት

55


መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ምዕራፍ ናይ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ናብ መቓብር ከም ዝወረድ የተሓሳስበና።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና።

56


ዮሓንስ 19፣ 40-42, ማቴ፣27.59-61, "ዮሴፍ ድማ ነቲ ሥጋ ወሲዱ ብጽሩይ በፍታ ገነዞ፣ ኣብ'ቲ ኣብከውሒ ዘውቀሮ ናይ ባዕሉ ሓድሽ-መቓብር'ውን ኣንበሮ። ሓደ ዓቢይ እምኒ ኣንከራርዩ ድማ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓጽይዎ ከደ። ኣብኡ ከኣ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እታ ካልኣይትን ኣብ መንጽሩ ተቐሚጠን ነበራ።>> መተሓሳሰቢ "ኦ ኣዳም መሬት ኢኻ'ሞ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ” ተባሂልዎ። እቲ ሥጋሰብ ለቢሱ ካብ ማርያም ዝተወልደ፣ ወልደ-እግዚኣብሔር ዳግማይ-ኣዳም ብምዃን ንሞት ይጥዕማ፣ እቲ ምድራዊ ሥጋኡ ገዲፉ ሰማያዊ-ሥጋ ኪለብስ ከኣ ኣብ መቓብር ይድቕስ። እቲ መሪር ስቅያት ዘስተማቐረ ሥጋ-ኢየሱስ ኩሉ ተቐቢሉ ካብ ቃንዛ ኣዕሪፉ ብዘይ ቃንዛ ሕጂ ይዕርፍ፣ በዚ ከኣ ክርስቶስ ንኩሉ ዕጫ ወዲ-ኣዳም ይጥዕሞ፣ በዚ ከኣ እቲ ዘይመውት ሞተ፣ ንሞት ኪስዕሮ ሞተ እናበልና ነስተንትን። እቶም ሕያዎት ሰዓብቲ መስቀልን 57


ዮሴፍ ብዓል-ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ንሥጋ ኢየሱስ ኣብ'ቲ ተሰናዲዩ ዝነበረ፣ ውቑር ናይ ዮሴፍ መቓብር ብኽብሪ ይቐምጥዎ። ኣይሁድ ከኣ ምማቱን ምቕባሩን ኣረጋጊጾም ነናብ ስፍራኦም ይምለሱ። እቲ ዝነበረ ከም ሰብ ስለ ዝሞተ ሕጂ የልቦን፣ከም ርድኢት ኣይሁድ ከኣ ኩሉ ምስ ሞቱ ዝዛዘምን ዝዕጾን እዩ መሲልዎም። ኩሉ ቃላቱን ተግባራቱን ትኣምራቱን ብሞት ዘኽቲሙስ ኣብ መቓብር ተዕጽዩ ከብቅዕ ኢዮም ዝጽበዩ። እዚ ኸኣ ናይ ብዙሕት ናይ ዓለምና ሓያላትን ገፋዕትን ዝሕስብዎን ዝርድኦምን እዩ።  ኦ ወድሰብ ንስኻ'ኸ እንታይ ትሓስብ? ካብ'ዚ ሕጂ ኣብ መቓብር ዝወርድ ዘሎ ክርስቶስ'ከ እንታይ ትጽበ ? እንታይ ዝዓይነቱ ተስፋ እዩ ኣብ ልብኻ ዘሎ?  ኦ ወድሰብ ናብ'ታ ናብ መቓብር እትወርደላ ዕለት እንታይ ኮን ሒዝካ ትወርድ ትኸውን? በታ ሰዓት እቲኣስ ኣማውታኻ ከመይ ኮን ይኸውን? 58


 ኦ ወድሰብ ሎሚ ነቲ ኩሉ ዝበለየን ዝኣረገን ሓጥእ ሰብነትካ ቀንጢጥካ ምስ ክርስቶስ ናብዚ መቃብር ኣውርዶ፣ ጸሎት ኦ መሎኮታዊ ሥጋ ኢየሱስ ናብ መቓብር ዝወረድካ፣ ንዓና ከኣ ምስ ኩሉ ኃጢኣትና ምሳኻ ናብ መቃብር ከም እንወርድ ግበረና። ኣቦና.ሰላም.ስብሓት.

59


መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ምዕራፍ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ከምዝተንስአ የተሓሳስበና ።

ኦ ጐይታና ብዝተቐደሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ንስኻ ኢኻ'ሞ፣ ኣብዝን ኣብ መላእ-ዓለም ዘላ ቤተክርስትያንካ ንሰግደልካ ኣሎና። 60


ማቴ.28፣1-8 "ድሕሪ ሰንበት ለይቲ ናብ'ታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ዜውግሕ፣ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እታ ካልአይትን መቓብሩ ኺርእያ መጻ። እነሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ወረደ እሞ፣ ዓቢይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮነ። ቅርብ ኢሉ ከኣ ነቲ እምኒ ኣንከራርዩ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። …..ነተን ኣንስቲ ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ከም ዘሎኽን እፈልጥ ኢየ እሞ ኣይትፍርሃ። ኣብዚ የሎን ፣ ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ። ንዓ! ነታ ጐይታ ተነቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ርኣያ።" መተሓሳሰቢ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ "ዓለም ኪሎው እንኪውዳእ እንታይ ይኸውን? ዝሞተ ሰብ ኩሉ ካብ መቃብር ይትንስእ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ፍርዲ ኪፈርድ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ይወርድ" ዝብል ተማሂርና ኢና።

61


ዝኸበርካ ወድሰብ ሓደ መዓልቲ ፈቲና ጸሊእና እታ ቖጸራ ዘይብላ ምስጢራዊት ሓፍትና ሞት ኩልና ክንጥዕማ ኢና። ብቕጽበት ኣብ ዘይተፈልጠ መዓልትን ሰዓትን ካብ'ዛ እንነብረላ ዓለምን፣ ካብቶም እንፈትዎም ቤተሰብናን ብጾትናን ንብረትናን ጥሪትናን ሃብትናን ፍልጠትናን ገለ ነገር ከይተማላእና ንሓዋሩ ብሞት ክንፍለ ኢና። ሓደ ነገር ግን ኣሎ፣ ብሞት ዘይመውት ንምሉእ መዋእልና ምሳና ኮይኑ ዘሰንየና። እዚ ከኣ እቲ ሰናይ ግብርና፣ ጽቡቕ ስራሕና እዩ። ዝኸበርካ ወድሰብ ከኣ ሓደ መዓልቲ ካብ ሞት ካብ መቓብር ክትትንስእ ኢኻ፣ ሓደ መዓልቲ እዚ በላይን መዋትን በናንን ሥጋኻ ዘይመውት ሕያው ኮይኑ ክትንስእ እዩ። በቲ ግብርኻ ከኣ ንዘለዓለም ክትነብር ኢካ፣ እቲ ምድራዊ _ ሰማያዊ፣ እቲ መዋቲ _ ኢመዋቲ/ዘይመዋቲ/ ኮይንካ ካብ ኩሉ ስምዒትን ሃረርታን ካብ ኩሉ ጊዝያውን በራስን ነገራት ክትፍለ ኢኻ። ንኹሉ ናይ ሥጋ ድሌት ኣብ መቓብር ቐቢርካ፣ ሓድሽ-ሥጋን ሓድሽ-መንፈስን ለቢስካ፣

62


ሓድሽ-ፍጥረት ኮንካ ክትትንስእ ኢኻ። ስለ'ዚ ዝኸበርካ ወድሰብ ምድራዊ ፍጡር ከምዘይኮንካ ደጋጊምካ ሕሰብ።  ኦ ወድሰብ ሓደ መዓልቲ ከም እትመውት ትፈልጥ ኢኻ፣ ሓደ መዓልቲ ከም እትትንስእኸ ትኣምንዶ?  ኦ ወድሰብ ሓደ መዓልቲ ካብ ሞት ተንሲእኻ ዘለዓለማዊ ፍርዲ ይጽበየካ ከም ዘሎ ኣይትዘንግዕ።  ኦ ወድሰብ ሓደ መዓልቲ 'ኦ ሞት ኣበሎ ሓይልኻ፣ ኦ ሞት ኣበሎ ብልሕኻ፣ ኦ ሞት ኣበሎ ምውጋእኻ' እና በልኻ ናይ ትንሳኤ መዝሙር ዓወት ከም እትዝምር ትፈልጥዶ?

63


ጸሎት፣ ኦ ኢየሱስ ንሓይሊ ኃጢኣትን ሞትን ረጊጽካ፣ ንመርገም ጨርቂ ኃጢኣትና ኣብ መቓብር ቐቢርካ፣ ብሥልጣንኻን ብሓይልኻን ካብ መቓብር ዝተንሳእኻ፣ ንሕና ከኣ ንኹሉ ድኻምነትናን ኃጢኣትናን ኣብ መቓብር ምስጢረ-ንስሓ ቀቢርና፣ ብጸጋኻ ሓደሽቲ-ፍጥረት ኮይና ከም እንትንስእ ግበረና። ኦ ኢየሱስ ንስኻ ሕይወትን ትንሳኤን ኢኻ'ሞ ፣ ኣብ ትንሳኤኻ ተሳተፍቲ ግበረና። ንዘለዓለም ካብ'ዚ ምድራዊ ሻቕሎት ተፈሊና ናብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከም እንሳገር ግበረና። ኣሜን። ኣቦና. ሰላም. ስብሓት

64


መዕጸዊ ጸሎት ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽና በጃና፣ በጃ ኃጢኣትና ኪኸውን ዝሃብካና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ፈቃር ኣቦ፣ ነዚ ሕጂ ክንፍጽሞ ዝጸናሕና ናይ መድኃኒና ናይ መስቀል ስቅያትን ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ዑደት፣ ስለ ካሕሳ ኃጢኣትና ኢልካ ተቐበለልና። ስለ እቲ ዝፈሰሰ ደም ንጹሕ-ወድኻ ኣንጽሓና፣ ሕጸበና፣ ለውጠና፣ ሓደስቲ ፍጥረት ግበረና። ኦ ርሕሩሕ ኢየሱስ ብናይ መስቀል ስቅያት ዘድኃንካና፣ ሎሚ'ውን ከም ትማሊ ብዓቢይ ምሕረትካን ፍቅርኻን ንኹሉ ኃጢኣትናን ኣበሳናን ይቅረ በለልና፣ መሓረና፣ ተዓረቐና፣ ገጽካ ምለሰልና። ንሕያው መንፈስ ቅዱስካ ኣብ ልቢ ነፍሰወከፍና ሰዲድካ ዳግም ኣሕድሰና። ዘውትር ብትዕግስትን ብዓቕልን መስቀልና ጸይርና፣ ኣሰር ኣሰርካ ክንስዕበካ ከኣ ብእምነትን ብተስፋን ብፍቕርን ኣብ ጸጽባሕ ኣዕብየና። ኣሜን። 65


Turn static files into dynamic content formats.

Create a flipbook
Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.