ዝሓሸ መባእታዊ ክንክን ንስደተኛታትን
መጻእትን ናብ ካናዳ
ጽማቝ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣዋርኬር-ኣምብረላ ዘተ CommunityRoundtable)
ኣብ ኣርባዕተ ቋንቋታት/ባህላዊ ጉጅለታት ማለት ስጳኛ፣ ዓረብኛ፣ ዳሪን ትግርኛን ን23 ተሳተፍቲ ኣዋሲኡ። እቲ ዘተ (roundtable) ዝተኻየደሉ ምኽንያት፣ ኣብ ካናዳ ንዝርከቡ ሓደስቲመጻእትን ስደተኛታትን ማሕበረ-ኮማት ብዘሎ ስርዓታዊ ዕንቅፋታት ኣብ ጥዕናን መባእታዊ ክንክንን ዝፍለጡ ዘይምዕሩይነታት ስለዘለዉ ኢዩ።
ንብዙሓት፣ ድሌታቶም ብስርዓት ክንክን ጥዕና ስለዘየማልኡ ዘለዉን ኣብ ህዝባዊ መድረኻት
ድምጾምን ኣረኣእያኦምን ትሑት ውክልና ኣለዎም። እቲ ኣዋርኬር-ኣምብረላ ዘተ ማሕበረ-ኮም (OurCare-UmbrellaCommunityRoundtable) ኣብ ክልተ ክፍለ ግዜታት፣ ብ3
ጥቅምትን 6 ጥቅምትን 2023፣ ብድምር ን6.5 ሰዓታት ዝተጸውዐ ኰይኑ፣ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ስርዓተ መባእታዊ ክንክን ክመሃሩ፣ ኣረኣእያታቶም ከካፍሉን ንለውጢ ዝኸውን ሓሳባት ከመንጭዉን ኣኽኢልዎም። ኣዋርኬርን ኣምብረላን (OurCareandUmbrella) ነቶም ኣብ ዘተ ማሕበረ-ኮም (ommunityRoundtable) ዝተሳተፉ 23 ውልቀሰባት የመስግኖም። ምሉእ ጸብጻብ ብእንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ኣብ ታሕሳስ 2023 ንህዝቢ ክቐርብ ኢዩ፣ ከምኡ’ውን ኣረኣእያታቶምን ሓሳባቶምን ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ዝግበር ናይ ኣዋርኬር ሃገራዊ መምርሒ
ንለውጢ መባእታዊ ክንክን (OurCareNationalBlueprintforPrimaryCare Transformation) ኪኸውን ኢዩ።
ተሳተፍቲ፡ 23
ሰዓታት፡ 6.5
ቋንቋ/ባህላዊ ጉጅለታት፡ 4
● ትግርኛ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ
● ስጳኛዊ ቋንቋ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ላቲን ኣመሪካ
● ቋንቋ ዳሪ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ኣፍጋኒስታን
● ዓረብኛ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ
ቋንቋ/ባህላዊ ጉጅለታት፡ 4
● ትግርኛ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ
● ስጳኛዊ ቋንቋ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ላቲን ኣመሪካ
● ቋንቋ ዳሪ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ኣፍጋኒስታን
● ዓረብኛ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ
ንሓደስቲ መጻእቲ መባእታዊ ክንክን ንምርካብ ዝጸልዉ ብድሆታትን ስክፍታታትን፥
● ሕጽረት ሓካይም ስድራቤትን (family doctors) ካልኦት ወሃብቲ መባእታዊ ክንክንን
● ናይ ወጻኢ መረጋገጺ ብቕዓት (credentials) ንዘለዎም ሓካይም ፍቓድ ንምሃብ ዝዕንቅፉ
● ቋንቋን ባህላውን ዕንቅፋታት ጽሬት/ዓይነት (quality) ዘለዎ ክንክን ንምርካብ ዝዓግቱ ኢዮም
● ተሃዊኽካ ዝግበር ክንክን፥ ሓካይም ካብ ጽሬቱ ዝሓለወ/ዓይነታዊ ክንክን ንላዕሊ ብዝሒ ንኽህቡ ይተባብዑ
● ኣብ ስርዓት መባእታዊ ክንክን (primary care system) ተጣበቕቲ ሕሙማት፣ ኣብ’ቲ ስርዓት ከመይ ገርካ ከምትኸይድ ዝመርሑን ተርጐምትን ዘይምህላው
● ኣብ ባህለን ፍሉይ ድሌት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንጾታ-ዝምጥን ክንክን ዘይምህላው
● መባእታዊ ክንክን እንታይ ምዃኑን ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ብኸመይ ከም እትጓዓዝን ፍልጠት ዘይምህላው
● ክንክን ንምርካብ ዝወጽእ ወጻኢታት ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ መጻእቲ ዝዓበየ ጾር ኢዩ።
● ኣብ ስርዓተ መባእታዊ ክንክን ንዝርከቡ ሓደስቲ መጻእቲ ምድንጋጽን ርህራሄን ዘይምህላው
● ክንክን መድሃኒት፣ ክንክን ስኒን ክንክን ዓይንን ኣብ ትሕቲ ስርዓት መባእታዊ ክንክን ኣይሽፈንን ኢዩ።
● ናይ ምክልኻል ክንክን፣ ኩለንትናዊ ክንክን፣ ክንክን ጥዕና ኣእምሮን ናይ ዘይምዕራባውያን ዝኾኑ ኣገባባት ክንክንን ቀዳምነት ኣይውሃቦምን
● ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ’ቲ ስርዓት መባእታዊ ክንክን ምትእምማን ከምዘይብሎም፣ ሓይሊ ከምዘብሎምን ኣኽብሮት ከምዘይውሃቦምን ኰይኑ ይስምዖም
ንሓደስቲ መጻእቲ መባእታዊ ክንክን ንምምሕያሽ ሓሳባት ንለውጢ፥
1. ንሓደስቲ ናብ ካናዳ ንዝመጹ ኩሉ-መዳያዊ መባእታዊ ክንክን ንምድጋፍን ከምኡ’ውን ተሳትፎን ምሕያልን ማሕበረ-ኮም ንምድንፋዕን ብዝያዳ ኣብ ማሕበረ-ኮማዊ ማእከላት ጥዕና (community health centres [CHCs]) ወፍሪ ምግባር።
2. ንኣባላት ማሕበረ-ኮም ከም ተጣበቕቲ ሕሙማት፣ ኣብ’ቲ ስርዓት (system) ብከመይ ከምትጕዓዝ መራሕቲ፣ መማህራን ማሕበረ-ኮምን ገርካ ምስታፍ።
3. ንመእተዊ ዕንቅፋታት ብምእላይ፣ ኣብ መንጎ ሓካይምን ተማሃሮ ሕክምናን ልምምድ መባእታዊ
ክንክን ብምትብባዕ፣ ከምኡ’ውን ናይ ወጻኢ መረጋገጺ ብቕዓት (credentials) ዘለዎም ሰብ ሞያ ንምፍቃድ መስርሕ ብምቅልጣፍ ዝያዳ ሓካይም ምውሳኽ።
4. ባህላዊ ብቕዓት ምጕላሕ፣ ዝያዳ ርህራሄን ምድንጋጽን፣ ከምኡ’ውን ተማሃሮ ሕክምና ቅድሚ ሓካይም ምዃኖም ኣብ ናይ ማሕበረ-ኮም ማእከላት ጥዕና ንክሰርሑ ዕድላት ምኽፋት።
5. ወሃብቲ መባእታዊ ክንክን ባህላውን ቋንቋውን ዕንቅፋታት ንክንክን ንዘለዎም ሕሙማት ተወሳኺ ግዜ ክወስዱን ተወሳኺ ደገፍ ክህቡን ዘበራትዖም ንሞዴላት ልምዲ ሓኪም ስድራቤት (family doctor) ምትብባዕ።
6. ድሌታት ይማላእን ድምጺ ሓደስቲ መጻእቲ ከምዝተሰምዐን ንምርግጋጽ፣ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት፣ ማእከላት ጥዕና ማሕበረ-ኮምን፣ ተጣበቕቲ ሕሙማትን ዘሳትፍ ናይ መባእታዊ ክንክን ማሕበረኮም ኣማኸርቲ ጉጅለታት ምፍጣር።
7. ኣብ ዙርያ መባእታዊ ክንክን ጥዕና፣ ህዝባዊ ትምህርቲ ዓውደ መጽናዕትታት
ማሕበረ-ኮማት ምሕያል፣ እዚ ድማ ምውሳኽ ፍልጠት ስርዓት (system knowledge
ፍልጠት ምክልኻል ክንክንን ንሓደስቲ መጻእቲ ባህላዊ፣ ቋንቋን/ወይ ቴክኖሎጂካውን ዕንቅፋታት ንዘለዎምን ምፍላጥ (promotion) ጥዕናን ትኹረት ብምሃብ።
8. ሓደስቲ መጻእቲ ነዞም ኣገልግሎታት ክጥቀሙሉ ከለዉ ትርጉም ቋንቋን ምጥባቕ ሕሙማትን ንምጥቕላል ክልቲኡ ዓቕሚ ቴክኖሎጅን ማሕበረ-ኮምን ብምጥቃም ኣገልግሎት ብማዕዶ
ጥዕናን ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ ክንክንን (telehealthandvirtualcare) ምምሕያሽ።
9. ሓደስቲ መጻእቲ ቀጻሊ ፍልጠትን ጸጋታትን መባእታዊ ክንክን ከምዝረኽቡ ንምርግጋጽ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ስደተኛታትን ከምኡ’ውን ብደረጃ ፌደራልን ኣውራጃን ምስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከምዝሰማማዕ ምግባር።
10. ንሓደስቲ መጻእቲ ብቐጻሊ ዝጸሉ ናይ ዋጋ ወጻኢታት ዕንቅፋታት ብምእላይ ኩለንተናዊን (holistic) ብምክልኻልን ክንክንን ብምጕላሕ ንመባእታዊ ክንክን ብሓቂ ኣድማሳዊ ምግባር።
ምስጋና፥
ዛርጉና ዋኪል፣ ፈጻሚ ዳይረክተር፣ ኣምብረላ ብዙሐ-ባህላዊ ናይ ጥዕና ተራድኦ ዶክተር ሜይ-ሊንግ ዊድመየር፣ ሕክምናዊ ዳይረክተር፣ ኣምብረላ ብዙሐ-ባህላዊ ናይ ጥዕና ተራድኦ ሪቻርድ ጆንሰን፣ ኣካያዲን ኣሰናዳኢን ኣዋርኬር
ዶክተር ሪታ ማክራከን፣ ኣቕራቢት መባእታዊ ክንክን ኣዋርኬር
ዶክተር ታራ ኪራን፣ ዋና መርማሪት ኣዋርኬር
ዶክተር ጎልዲስ ሚትራ፣ መሪሕ ኣውራጃ ኦርኬር ቢሲ
ጃስሚን ኬይ፣ ዳይረክተር ፕሮጀክት ኦርኬር
ተርጐምቲ፥ ራኒያ ኣሕመድ፣ ፋኒኤል ሃብተሚካኤል፡፣ጋብሪኤላ ሩይዝ-ኑነዝ፣ ሱሳን ሶብሃኒ፣ ሳይዳ ኣሕማዲ፣ ፋሃድ ኣልሙታይሪ፣ ኣብርሃም ሓጎስ፣ ሰላማዊት ሓጎስ፣ ፋርዛድ ሓኪሚ፣ ሃና ሓምዱን፣ ቢኣትሪዝ ሜለንደዝ መጅያ፣ ዞቺትል ደ ላ ሮዛ ሳንቸዝ
ፍሉይ ምስጋና ን፥ ታይለር ቱትል፣ ታይለር ማክኣሊር፣ ለማ ዋኪል፣ ካይት ማክናይት፣ ዳግላስ ኮለጅ ተወሳኺ ሓበሬታ፤ ourcare.ca umbrellacoop.ca