AMARAMA Eritrea-special (Tigrinya)

Page 1

AMARAMA

2ይ ዓመት ቁ 1 10/2015

እዚ ኣማራማ ዝበሃል ሕታም ናይ ብዮንድ ቦርደርስ እዩ። ብዮንድ ቦርደርስ ድማ ትሕቲ ዕድመ ንዝመጹ ስደተኛታት ዝተሓባበሩ ማሕበር እዮም።

መጀመሪ ጋዜጣ ሰላም ንኹልኹም ይኹን-! እዛ ጋዜጣ’ዚኣ፥ ናብ ቋንቋ-ዓረብ ዝዛረቡን፥ ዓቕሚ-ኣዳም ዘይኣኸሉን መንእሰያት ብምትኳር ዝተዳለወት’ያ። ኣብዚ ኣብ ሃገረ-ሆላንድ፥ ብዘይወለዶም ዝነብሩ ዘለዉ እዮም። ስለዚ’ውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ክንህብ ንደሊ። • ናይ ሕይወትካ መጻ ኢ ዕድል እንታይ’ዩ-? • መሰልካኸ እንታይ’ዩ-? • ኣብቲ ቅድም እዋን ትሕቲ-ዕድመ ዝነበሩ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንታይ ይገብሩ ኣለዉ-? • ኣገባብ ትምህርቲ ኣብ ሆላንድ፥ ከመይ’ዩ-? • መን ክሕግዘካ ይኽእል-? • ገንዘብካ ከመይ ጌርካ ኢኻ ተመሓድሮ-? ጽቡቕ ናይ ምንባብ ግዜ ክኾነልኩም ሠናይ ትምኒትና እዩ ካብ ናይ ብዮንድ ቦርደርስ ሠራሕተኛታት

ኣብ መጻኢ ሂወተይ ብክእለት እዚ ክገብር እየ። ኣክሊሉ ወዲ 16 ዓመት፡ ኣነ ንፉዕ ተጻዋታይ ክዕሶ-እግሪ ክኸውን’ ዩ መደበይ። “ካብ ኤርትራ ክሳብ ዝሃደምኩሉ ግዜ፡ ኣብ ላዕለዋይ-ደረጃ ክዕሶ-እግን ቮሊባልን ይጻወት ኔረ። ኣብ ሜዳ ክዕሶ-እግሪ፡ ኩሉ ግዜ ሓጎስ ይስመዓኒ ኔሩ። ስድራይ ግን በዚ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ንሳቶም ኣብ ትምህርቲ ጥራይ ከድህብ’ ዮም ዝደልዩኒ ኔሮም። ኣነ ግና ኩሉ ግዜ ጥራይ፡ ተጻዋታይ ኩዕሶ ክኸውን’ዩ ትምኒተይ ኔሩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከኣ፡ ብዙሕ ጻዕሪ ኣካዪደ እየ። ሕጂ ክሐስቦ ከለኹ ግን፡ ክሰልጥ ዝኽእል ምዃኑ የጠራጥረኒ እዩ። ስለዚ ውን ናይ ሆላንዳውያን ሓገዝ ከምዘድልየኒ እሓስብ እየ። ማለት ሓደ ናብ ሓንቲ ጋንታ ኩዕሶ ሒዙኒ ዝኸይድ የድልየኒ እዩ። ክዕልመኒ ዝኽእል’ውን ከምኡ። ከመይሲ መሊሰ ክዕሶ እግሪ ክጻወት ምደለኹ።”

ክዳውንቲ ይመርጸለን ኔረ። እንታይ ምስ ምንታይ ይሳማማዕ ጽቡቕ ጌረ እየ ዝፈልጥ። እዚ ግን ከም መሕለፊ ግዜ ጌረ እየ ዝርእዮ። ቆልዑት ብጣዕሚ እየ ዝፈቱ። ኣነስ ናይ ቆልዑት ናይ ስነ-ኣእምሮ ኣላይት ኮይነ ክሰርሕ ምመረጽኩ። ወይ ድማ ኣብ መዋእለ-ህጻናት ክሰርሕ ምደለኹ። ተስፋ ይገብር ድማ ኩሉ ነገር ኣብ ሆላንድ ክቐንዓኒ።”

ሉእላ ጓል 16 ዓመት፡ ኣነ ቆልዓኡት ብጣዕሚ እየ ዝፈቱ፡ ኣብ አርትራ ኮለኹ ንዝምርዓዋ ዝነበራ ማሓዙተይ፡ ጽቡቕ ጌረ የጸባብቐን ኔረ። ናብ ፌስታታት ክኸዳ ከለዋ ድማ ጽቡቕ ዝኾነ

ኦሳማ ኣቡ-ዓማር፥ ከም ዓቢ-ሓውኹም ክትርእዩኒ ትኽእሉ ኢኹም ይብል-!! ብዮንድ ቦርደርስ እንታይ እዩ-? ተሓጋጋዝቲ ናይ ብዮንድ ቦርደርስከ፥ ኣብ ምንታይ ክትሓባበሩ ይኽእሉ-? ኦሳማ ኣቡ-ዓማር፥ ካብ ፍልስጥኤም ካብ ዝሃድም ነዊሕ ገይሩ ኣሎ። ሕጂ ተሓጋጋዚ ስደተኛታት፥ ናይ ብዮንድ ቦርደርስ ኮይኑ ኣብ ምሥራሕ ዝርከብ ዘሎ ሰብ’ዩ። “መንእሰያት ዝኾነ ሕቶ ክህልዎም ከሎ፥ ክድዉሉለይ ይኽእሉ’ዮም” ድማ ይብል። እምበኣር ንኦሳማ ሓሙሽተ ሕቶ ከነቕርበሉ ኢና።

ቦታ ምቕያር፥ ቀሊል ኣይኮነን። ካልእ ኣማራጺ ግን የልቦን። ብዝተረፈ ኣነ ንኹሉ ዝባጻሕ ግዜ እንተ-ዝህልወኒ፥ ንኹሎም እቶም መንእሰያት ክበጽሖም ምፈቶኹ። ንኸምኡ ዝኸውን ግዜ ስለዘየሎ ግን፥ ተሌፎን ደዊለ ክረኽቦም’የ ዝፍትን።

ምስ ብዮንድ ቦርደርስ ተሓጋጋዚካብ እትኸውን፥ ክንደይ ዓመት ጌርካ-? ነዚ ሥራሕ’ዚ ካብ ዝጅምሮ፥ 3-ዓመት ኮይኑኒ ኣሎ ። ተሓጕሰ ደስ እንዳ-በለኒ ድማ’የ ዝሠርሖ። ብዛዕባ ባህሊ ዓረብ ረሲዐዮ ዝነበርኩ፥ ኣነ’ውን ካብቶም መንእሰያት ብዙሕ እናተመሃርኩ’የ ዘሎኹ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን፥ እቶም መንእሰያት ዝኾነ ጸገም ከጋጥሞም ከሎ፥ ምስኣቶም ኮይነ መፍትሒ ኣብ ምርካብ እተሓጋገዞም’የ። ከምኡ’ውን ኣብ ነፍሶም ርእሰ ተኣማምነት ከሕድሩ፥ ዝከኣለኒ ዘበለ ኩሉ’የ ዝገብር።

ንስኻ ካብቶም ተሓጋገዝቲ እንታይ ፍልልይ ኣሎካ-? ኣነ ነዞም መንእሰያት ሞራላዊ ደገፍ’የ ዝገብረሎም። ማለት ኣብ ነፍሶም ርእሰ-ምትእምማን ከም-ዘሕድሩ ንምግባር፥ ዝከኣለኒ’የ ዝተሓጋገዞም። ከመይሲ ኣነ ብዛዕባ ባህሊ-ዓረብ ጽቡቕ ኣፍልጦ ስለ-ዘሎኒ፥ ንኣተሓሳስባኦም ክርድኦ ኣይጽግመንን እዩ። ስለዚ’ውን ከም ዓቢ ሓዎም መጠን፥ ንዓታቶም ዝሓይሽ ነገር ክሕብሮም ዝኣክል ተመክሮ ኣሎኒ በሃሊ’የ።

ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፥ ሓደ መንእሰይ ደዊሉለይ ነይሩ። እቲ ንኽድውል ዘግበሮ ምኽንያት፥ ካብቲ ተዓቝቡሉ ዝጸንሐ ቦታ፥ ናብ ካልእ ሓዲሽ ስለ-ዝተቐየረ’ዩ። ነቲ ናይ ቅድም ለሚዱዎ ስለ-ዝጸንሐ ድማ፥ ነዚ ሓዲሽ ምቕባሉ ከቢዱዎ። ቀስ ኢለ ስለ-ዘረዳእኩዎ ግና፥ ነቲ ምኽሪ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝተመደቦ ክኸይድ ክኢሉ። ስለዚ’ውን ኣብ ዝኾነ እዋን፥ ንዓይ ክድውሉለይ ከም-ዝኽእሉ ይፈልጡ’ዮም። መቸም ለሚድካዮ ካብ ዝጸናሕካ

ንመጻኢ-ሕይወትካ እንታይ ክትገብር ከም-እትደሊ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ።

ኣብ ብዮንድ ቦርደርስ ሠራሕተኛታት ኮይኖም ዝቑጸሩ፥ ኩላቶም ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት ድዮም-? ማለት ምስቶም መንእሰያት ሓደ ዓይነት ባህሊ ዘለዎም-? እወ እዚ ብርዱእ መንገዲ ከምኡ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ከመይሲ እቶም መንእሰያት ምስ ሕብረተ-ሰብ ሆላንድ ምእንቲ ክላለዩ፥ ከም ንኽልቲኡ ዘራኽብ ድንድል ኮንና ኢና ንሠርሕ። ንኣብነት ኣነ ኣብዚ ኣብ ሆላንድ፥ 19-ዓመት ዝኣክል ተቐሚጠ’የ። ስለዚ’ውን ባህሊ’ዚ ሃገር፥ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ’የ ክብል እኽእል። ብጀክኡ ድማ ኣነ ንባዕለይ’ውን ዓረብ’የ።

ነዞም መንእሰያት እትህቦም ምኽሪ፥ ንምንታይ ክጠቕሞም ይኽእል ይመስለካ-? እቲ ተስፋ እንገብሮ፥ እዞም መንእሰያት ከመይ ገይሮም ኣብዚ ከም-ዝነብሩን፥ ከም-ዝሰማምዑን ምግባር’ዩ። ኣብ መጻኢ ሕይወቶም እንታይ ክኾኑ ከም-ዝግብኦም፥ ንነዊሕ ዝጠመተ ጻዕሪ ብምግባር፥ ከዐውቶም ዝኽእል መንገዲ ምሕባር’ዩ።

ቦየንድ ቦርደርስ መንእሰያት ንምሕጋዝ፥ ተበግሶ ኣብ ምውሳድ ይርከብ ኣሎ። ከመይሲ እዚ ትካል’ዚ ትሕቲ ዕድመ ንዝኾኑ፥ ብዘይ ኣቦን ኣደን ንስደት ዝመጹ መንእሰያት፥ ዝሕግዝ ትካል’ዩ። ስለዚ እቶም መንእሰያት ብሩህ መጻኢ ከም-ዝህልዎም ኣብ ምግባር ድማ፥ ዝሠርሓሉ ዘሎ ዕላማ እዩ። ስለዚ ንሕና ቦዮንድ ቦርደረስ ንመንእሰያት እንህቦ ምኽሪ፥ ምስቶም የድልዩ’ዮም ዝበሃሉ ኣካላት ርክብ ኣብ ምግባር፥ ንተሓጋገዝ ኢና። መጻኢ ሕይወትካ ብኸመይ ትሠርዕ ብዝብል ኣርእስቲ’ውን፥ ነዳልዎ በዓላት ኣሎ። ገና ክትፈልጡዎ ትደልዩ እንተልዩኩም፥ ኣብዚ ረኣዩ ኢኹም። ወይ ድማ ኢሜይል ናብዚ ትልእኩ። www.beyondborders.nu, info@beyondborders.nu


ኣብ መጀመርታ እዋን፥ ኣብ ገዛኻ’ውን ከም-ዝጽምወካ ፍሉጥ’ዩ። ዓወት ፍስሃየ ወዲ 26-ዓመት ኣብ መዕቈቢ-ስደተኛታት ዘሕለፍኩዎ ጽቡቕ-እዋን

ኣብ መዕቈቢ-ስደተኛታት (ካምፕ) ከሎኻ፥ ኩልኻ ኣብ ሓደ ዓይነት ኩነታት ስለ-ዝኾንካ፥ እቲ ጽምዋ ኣይፍለጠካን እዩ። ክሳብ ኣብ ሆላንድ ክትቅመጥ ፍቓድ ዝወሃበካን ዘይወሃበካን፥ ሓዲኡ እተፍልጥ ድማ፥ ኣብቲ መዕቈብ-ስደተኛታት ኮንካ ኢኻ እትጽበ። ኣብ ዝቕጽል መቐመጢ-ፍቓድ ምስ-ተዋህበካን፥ ገዛ ምስ-ተቐበልካን ግና፥ ካልእ ሓዲሽ-ናብራ ኢኻ ትጅምር። ንኣብነት ዓወት ፍስሃየ ዝተባህለ ኤርትራዊ፥ ሕጂ ኣብ ኣምስተርዳም ዝቕመጥ ዘሎ’ዩ። ንሱ ክዛረብ ከሎ “ንዓይ ሕጂ ካብ ኩሉ ኣዚዩ ዘገድሰኒ፥ ቋንቋ-ሆላንድ ምምሃር’ዩ” ብምባል ይመክር።

ኣብ ሆላንድ ዓመትን ሾሞንተ ወርሕን እየ ገይረ። ኣመጻጽኣይ ድማ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ። መጀመርታ እዋን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ እየ ሃዲመ። ብድሕር’ዚ ብሊብያ ገይረ ባሕሪ ምስተሳገርኩ፥ ዓዲ-ጥልያን ክኣቱ ክኢለ። ብመሠረቱ ኖርወይ ክኸይድ’የ መደበይ ዝነበረ። ኣብ ጀርመን ግና ክተሓዝ ክኢለ። ንሳቶም ግና ንሆላንድ ክኸይድ ኣፍቂዶሙለይ። ብኣውቶቡስ ድማ ተርኣፐል ኣብ ዝበሃል ቦታ ክበጽሕ ክኢለ። ኣብ መዕቈብስደተኛታት ከኣ፥ ንሾሞንተ-ወርሒ ዝኣክል ግዜ ተቐሚጠ። እቲ ኣብኡ ዘሕለፍክዎ ግዜ ከኣ፥ ብዙሕ ደስ ዘብል’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሠራሕተኛታት እንዳ-ተዛረብኩ’ውን፥ ቋንቋ-ሆላንድ ክመሃር እፈታትን ነይረ። ምስቶም ካልኦት ስደተኛታት’ውን ጽቡቕ ርክብ’ዩ ነይሩኒ። ደሓር ኣብ ኣምሰተርዳም ስሎተርዳይክ ገዛ ምስ-ተዋሃብኩ ግን፥ ኣብቲ መጀመርታ እዋን ንኽለምዶ ቁሩብ ጸገም ነይሩኒ’ዩ። ከመይሲ ኣብቲ ቅድም እዋን፥ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጥቓይ ነይሮም’ዮም። ናተይ ገዛ ምስ-ሓዝኩ ግን ብጣዕሚ’ዩ ጸምዩኒ። ጽምዋ ጽቡቕ ኣይኮነን። ኣብቲ ገዛ ዝተዋሕበኒ እዋን፥ ንኣቝሑት-ገዛ ተባሂሉ ክልተሽሕ ኦይሮ ተዋሂቡኒ እዩ። በዚ ድማ ሓጻቢት-ክዳን, ሳሎን, ተለቪዢን ክገዝእ ክኢለ። እቲ ዝተዋህበኒ ገንዘብ ቀልጢፉ’ዩ

ገንዘብ ከመይ ጌርካ’ዩ ክተሓዝ ዝኽእል-? ኣብ መቐመጢ ስደተኛታት፥ ሰሙናዊ ገንዘብ ኢኻ ትቕበል። ኣብዚ ሃገር’ዚ ክትቅመጥ፥ እንተደኣ ኣፍቂዶሙልካ ድማ፥ መግዝእ ኣቑሕት-ገዛን፥ ንኻልእ መነባብሮን ዝኸውን ገንዘብ ይወሃበካ እዩ። እቲ ዝወሃበካ ግን ብዙሕ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ኣተሓሕዛ ገንዘብ ግን ከመይ ጌርካ ኢኻ ክትመሃር ትኽእል-? ነዚ ዝኸውን እንታይ ምኽሪ ኣሎካ-? ኣብ ቫኽኒንገን ዝበሃል መዕቈቢ-ስደተኛታት፥ ዝቕመጡ መንእሰያት ዝተዋህቡዎ ምኽሪ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ “ዋግኡ ክቡር ዝኾነ ነገር፥ ጽቡቕ’ዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ዋግኡ ዝሓሰረ ድማ፥ ሕማቕ’ዩ ማለት ኣይኮነን” ኤርትራውያን, ሶርያውያን, ከምኡ’ውን ሊብያውያን ዝኾኑ መንእሰያት፥ ኡትረኽት ኣብ እትበሃል ከተማ ናብ ማርኬት ከይዶም። ኣብኡ ድማ ኦሳማ ዝበሃል ናይ ብዮንድ-ቦርደሽ ዓላሚ ንእሽቶይ-ሥራሕ ሂቡዎም። ማለት ብ50 ኦይሮ ክንደይ ክትሽምት ከም-እትኽእል-? እንታይ ድማ ክትገዝእ ከም-እትኽእል-? ጸሓፉ ኢኹም ኢሉዎም።

ተወዲኡ። እቲ ከይገዛእኩዎ ዝተረፈ ኣቝሑት፥ በቲ መንግሥቲ-ሆላንድ ዝህበኒ ሓገዝ ቀስ ኢለ ክገዝኦ’የ። ሕጂ ግና ኣብ ፍራየ-ዩኒቨርሲተይት ናይ ኣምስተርዳም፥ ቋንቋ-ሆላንድ ኣብ ምምሃር እርከብ ኣሎኹ። እቲ ቋንቋ ቀልጢፈ’የ ክለምዶ ዝደሊ። ብዝተረፈ ሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን፥ ኣብ ናይ ሆላንዳውያን ቤተ-ክርስቲያን እኸይድ እየ። ክልተ ግዜ ኣብ ወርሒ ድማ፥ ኣብ ናይ ዓድና ቤተ-ክርስቲያን እመላለስ። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ፥ ምስ ብዙሓት ሰባት ክላለ ክኢለ። በዚ ከኣ ቋንቋይ ኣብ ምምሕያሽ እርከብ ኣሎኹ።

ትዕግስቲ-! ትዕግስቲ-! ትዕግስቲ-! ዓወት ብዛዕባ’ቲ ንሱ ዝሓለፎ ተመክሮ ክመክር ከሎ “ ስደተኛ እንድሕሪ-ኮንካ፥ ብዙሕ ትዕግስቲ ምግባር ኣድላዪ እዩ። ማለት ክሳብ መቐመጢ ፍቓድ ረኺብካ ገዛ ዝወሃበካ፥ እቲ ክትመሃሮ እትደሊ ኢደ-ጥበብ፥ ጀማሚርካዮ ክትጸንሕ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ድማ እንተ-ተማሂርካ ምስቲ ሕዝቢ ክትወሃሃድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ምምሃር እንተ-ዘይተገዲስካ ግና፥ ንኹሉ ግዜ ጓና ኮንካ ኢኻ ትተርፍ” ብምባል’ዩ ዓወት ዝመክር።

ረሳሕን ናይ ድኻን “ሰባት ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ኣቑሑት’ውን፥ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ ሓደ ካብቶም ተሓጋገዝቲ። ንሱ ወዲ ሶርያ እዩ። ኣብ ወርደን እትበሃል ከተማ ድማ ገዛ ረኺቡ ይቕመጥ ኣሎ። ንሱ ክዳን ጥራይ ዘይኮነ፥ ምሉእ ኣቝሑት-ገዛ ብ5,= ኦይሮ ክዕድግ ኪኢሉ። ካብ ሓደ ሓደስቲ ዘይኮኑ ኣቝሑት ዝሽየጡሉ ድኳን ድማ’ዩ ዓዲጉዎ። እቲ ዝገዝኦ ኩሉ ከኣ፥ ብሞባይሉ ገይሩ ዘልዓሎ ስእሊ ኣርእዩዎም። ኩላቶም ምስ-ረኣዩዎ ግና ሕጉሳት ኣይነበሩን። “እውይ እዝስ ከፈንፍነካ” ድማ ኢሉ ሓደ ኣብ ፊቱ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ። “ኣነ ፈጺመ ከምዚ ኣይገብርን’የ። እዝስ ረሳሕ’ዩ ምልክት ድኽነት’ውን እዩ” ክብል’ውን ተሰምዐ። ኦሳማ ግን “ ኣብ ባህሊ-ዓረብ ተረፍ ካልኦት ምኽዳን፥ ምልክት ድኽነት’ዩ። ሆላንዳውያን ግና ከም ቅቡል’ዮም ዝወስዱዎ” ብምባል ኣረዲኡዎም። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ መንእሰያት ግርም’ዩ ኢሉዎም። ኦሳማ ግን “ዳርጋ ኩሉ ከም ሓድሽ’ዩ። ብጽፈት ዝተሓጽበ’ውን እዩ። ፈውሲ’ውን ይግበሮ እዩ” ብምባል ኣረዲኡዎም። መቸም እዚ ኩሉ’ዚ ነቶም መንእሰያት ኣተሓሳሲቡዎም እዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ሓደ ካብኣቶም “ቁጠባዊ ኣተሓሕዛ ጽቡቕ ጌርካ ክትፈልጦ ኣሎካ” ዝበለ። ሕጂ ጥራይ ዘይኮነ፥ ደሓር ናትካ ገዛ ምስሓዝካ’ውን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

ምቁር-መግቢ ዝተዋህቡዎ ሥራሕ ምስ-ወድኡ፥ እቶም ናይ ብዮንድ-ቦርዴስ መንእሰያትን ኣሰነይቶምን፥ ብዛዕባ ገንዘብ እናተዛረቡ፥ ምቁር-መግቢ ብሓባር ክምገቡ ክኢሎም። ማለት እቲ ዝተመገቡዎ መግቢ፥ ዝተቐልወ-ድንሽን, ሰላጣን, ፎርማጆን, ሥጋን’ዩ ነይሩ። ንሳቶም ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰሙን፥ 56,= ኦይሮ እዩ ዝወሃቦም። ኩላቶም ድማ ገንዘቦም ብሓባር እዮም ዘቐምጡዎ። ስለዚ ከኣ እተን ቀዳሞት ሠለስተ-መዓልቲ፥ ክሳብ ንጸግብ ኢና ንበልዕ ይብሉ።

ረሳሕን ናይ ድኻን KAPSALON? እተን ብድሕሪአን ዘለዋ መዓልታት ግና፥ ባንን ማዮኔዘን ጌርና ኢና ንበልዕ፥ ኢሉ ሓደ መንእሰይ ወዲ-ሶርያ። ኣተሓሕዛ ገንዘብ ስለ-ዘይከኣልናዮ’ውን፥ እቲ ገንዘብ ቀልጢፉ’ዩ ዝውዳእ ይብል። እቲ ገንዘብ ኣብ ከም ቺፕስን, ካራሜለን, ዝኣመሰሉ ኢና ነባኽኖ ዘሎና። ስለዚ ድማ ካብ ሕጂ ንደሓር፥ ገንዘበይ ባዕለይ እየ ዘመሓድሮ ኢሉ ሓደ ካብኣቶም። ማለት ዘድልየኒ ባዕለይ ሓሲበ እገዝእ። ከምኡ ገይረ ድማ’የ ገንዘብ ክቝጥብ ዝኽእል። መግቢ ጥራይ ዘይኮነ ክዳውንቲ’ውን፥ ካብተን 56,= ኦይሮ እየ ክገዝእ ዝኽእል ድማ ኢሉ። ሓንቲ ጓል ከኣ”ፕሪማርክን ዜማን ዝበሃላ ኣብያተ-ንግዲ’የን፥ ብርትዓዊ-ዋጋ ዝሸጣ ዝብል ምኽሪ ሂባ።

ኣገዳሲ ኢንተርነት: www.marktplaats.nl (ሴኮንዶ ማኖ ኣቕሑት) www.ikgeefweg.nl (ደይትከፍለሉ ኣቕሑት) www.gratis.nl (ደይትከፍለሉ ኣቕሑት)


ቋንቋ እዚ ሃገር እንተዘይመለኽካዮ’ውን ኣብዚ ሕብረት-ሰብ’ዚ ክትሳተፍ ስፖርት ሓጋዚ እዩ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣብ ውድድር ጉያ-እግሪ፥ ንፉዓት ተቐዳደምቲ ከምዝኾኑ፥ ኣብዚ ኣብ ሆላንድ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ ኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ፥ ኣብ ሆፍድ-ዶርፕ እትበሃል ከተማ፥ ዝኾነ ታዕሊም ከይገበረ፥ ኣብ ቅድድም ስፖርት ጉያ-እግሪ ክሳተፍ ዝኸኣለ። ራብዓይ ተርታ ብምውጻእ ድማ እቲ ውድድር ፈጺሙዎ። ኣብ ዝመጽእ እዋን ድማ፥ ኣብቲ ዝግበር ቅድድም ጉያ-እግሪ ክሳተፍ እንዳ-ተሓጎሰ እዩ። ኣማኑኤል ለገሰ ገብረ-ኪዳን ወዲ 25-ዓመት’ዩ። ኣብዚ ኣብ ሆላንድ ድማ፥ ዓመትን ሠለስተ-ወርሕን ገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ሃገር ከንብሮ ዝኽእል መቐመጢ ፍቓድ ከኣ፥ ቅድሚ ሓሙሽተ-ወርሒ ተቐቢሉ ኣሎ። ካብዚ ዝሓለፈ ሠለስተ-ወርሒ ጀሚሩ ከኣ፥ ኣብ ሆፍድ-ዶርፕ እትበሃል ከተማ ይቕመጥ ኣሎ። ኣማኑኤል “-ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል ኣይፍተወንን’ዩ-” በሃሊ እዩ። ግዳስ ቋንቋ-ሆላንድ ግና፥ ገና ምዝራብ ኣይከለን ዘሎ። እንተኾነ ንሱ ብፍሉኽተሊንገን-ቨርክ ዝበሃሉ ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ኣቢሉ፥ ኣብ ቅድድም ጉያእግሪ ንኽሳተፍ፥ ክተሓባበሩዎ ሓቲቱዎም ኣሎ። ንሱ ኣብ ኤርትራ ከሎ፥ ኣብዚ ስፖርት’ዚ ይሳተፍ ነይሩ’ዩ። ኣማኑኤል “-ንዓይ ስፖርት ማለት ሓጎሰይ እዩ-” ብምባል ድማ ይገልጾ። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ናይ ምምዝጋብ ግዜ ገና ከይተወድአ ከሎ፥ ኣብታ ዝሓሰባ ናይ ጉያ-እግሪ ጋንታ ክሳተፍ ዝሓተተ። ከምዚ’ሉ ምስ-ተሳተፈ ከኣ’ዩ፥ ራብዓይ ተርታ ክወጽእ ዝኸኣለ። በቲ ዝረኸቦ ውጽ ኢት’ውን ብዙሕ’ዩ ተሓጕሱ። ሕጂ’ሞ ሰሉስን ሓሙስን፥ ስሩዕ ታዕሊም ወይ ልምምድ ኣብ ምግባር’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብታ ኣማኑኤል ዘለዋ ጋንታ፥ ካልእ ኤርትራዊ’ውን ኣሎ። እቶም ካልኦት ዝተረፉ ግና፥ ሆላንዳውያን እዮም። ኣማኑኤል ከምዝብሎ “-ኩላትና ብቋንቋ እንግሊዝ ኢና ንረዳዳእ። ቀስ እንዳ-በልኩ ግና፥ ቋንቋ-ሆላንድ ክመሃር እየ። በዚ ኣቢለ’ውን ምስ ሆላንዳውያን ሌላ ክገብር እኽእል እየ-” ብምባል ድማ ይዛረብ። ኣማኑኤል ነቲ ቋንቋ-ሆላንድ ድሕሪ ሓደ-ወርሒ፥ ኣብ ቤትትምህርቲ ብግቡእ ክመሃሮ ክጅምር እዩ። ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ድማ መንፈሱ ምእንቲ ክሃድእ፥ ናይ ስፖርት ልምምድ ምግባሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ብእኡ ኣቢሉ’ውን ምስቶም ደቂ-ዓዲ ክላለ ይኽእል’ዩ። እታ ትመጽእ ቅድድም ድማ ቀሪባ’ያ ዘላ። ስለዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት፥ ኣብ ሃርለም ዝተባህለት ከተማ፥ ቅድድም ጉያ-እግሪ ክግበር እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ “-ተሳታፊ እቲ ውድድር’ቲ ክኸውን ተመዝጊበ ኣሎኹ-“ ይብል ኣማኑኤል።

ትምህርቲ ኣብ ሆላንድ ዓቢይ-ዕድል እዩ ናይ ሆላንድ ትምህርቲ ኣብ ሆላንድ ኩሎም ቈልዑት፥ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ መሰሎም እዩ። ንስኻ’ውን ክትመሃር ኣሎካ። ከመይሲ ትምህርቲ ወርቂ ዝኾነ ዕድል’ዩ። ቅድሚ 18-ዓመት ዕድመ ምውዳእካ፥ ዝኾነ ዓይነት ትምህርቲ እንተ-ጀሚርካ፥ ንኣብነት “ኤምቤኦ” ዝበሃል ዓይነት ትምህርቲ ክትመሃር፥ መንግሥቲ-ሆላንድ የፍቅደልካ እዩ። ዋላ ናይ መቐመጢ ፍቓድ እንተ-ዘይብልካ’ውን፥ እዚ ዕድል’ዚ ኣይትስእኖን ኢኻ።

ቋንቋ-ሆላንድ ምምሃር ኣብ ኢንተርናሺናል-ክላስ ኣገዳሲ ስለ-ዝኾነ፥ቋንቋ ሆላንድ’ዮም ዝምህሩኻ። በዚ መንገዲ’ዚ ነቲ ቋንቋ ጽቡቕ ጌርካ ምስ መለኽካዮ፥ ናብ “ፌኤምቤኦ” ወይ’ውን “ኤምቤኦ” ዝበሃል ዓይነት ትምህርቲ ብምምሃር፥ ከሥርሓካ ዝኽእልን ደሞዝ ትረኽበሉን ኢደ-ጥበብ፥ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። “ሃቤኦ” ዝበሃል ዓይነት ትምህርቲ ድማ፥ ኣብ ዩኒቬርሲቲ ክትመሃር እንተ-ደሊኻ፥ ምስ “ኡኣኤፍ” ዝበሃሉ ትካል፥ ርክብ ክትገብር የድልየካ። እዞም ትካል እዚኦም ላዕለዋይ-ደረጃ ዘለዎ፥ ትምህርቲ ክመሃሩ ንዝደልዩ ወጻእተኛታት ዝተሓባበሩ’ዮም

(VMBO]

“ፌኤምቤኦ”

“ፌኤምቤኦ” ዝበሃል ዓይነት ትምህርቲ እንተ-መረጽካ ድማ፥ 1ይ - እንታይ ዓይነት ትምህርታዊ መንገዲ ኢኻ ትመርጽ-? 2ይ - ኣብ ከመይ ዓይነት ሥራሕ ኢኻ ክትሠርሕ ትደሊ-?

በበይኑ ዓይነት መንገዲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ማለት ኣውቶ-መካኒክ ክትከውን እንተደኣ ደሊኻ፥ ተክኒክ ትወስድ ማለት’ዩ።

ዝተፈላለየ-መንገዲ

እንታይ’ዩ ድሌትኪ-? ወይ ድሌትካ-? ተውህቦኺ-? ወይ ተውህቦኻ-? እቲ ክትመሃሩዎ ትኽእሉ ዓይነት ሥራሕ፥ ተሓጋገዝቲ-ፋርማሲ, ነርስ, ኣውቶ-መካኒክ, ጽርበትዕንጨይቲ, ከሸንቲ, ኣብ ድኳን ኮንካ ሸያጢ, ሕርሻ, ምእላይእንስሳታት ወዘተ . . . ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም።

እንታይ ዓይነት’ዩ ዝሰመማዓካ-? ኣብ “ፌኤምቤኦ” ኣብ መንጎ ሥነ-ሓሳብን (ቲዮሪ) ግብራውን(ፕራክሲስ) ክትመርጽ ኣሎካ። እንተ-ደሊኻ’ውን ክልቲኡ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ማለት ኣብ ትዮሪ ( ቁጽሪ, ዛንታ, ቢዮሎጂ, ወዘተ... ክህሉ ከሎ፥ ኣብ ፕራክሲስ ድማ ከም-ዝሰማማዓካ፥ ሓደ ዓይነት ኢደ-ጥበብ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። BASISBEROEPSGERICHTE (BB)

“ቤቤ”

ን”ኤምቤኦ” ካልኣይ-ደረጃ ትቀራረብ። እዚ ድማ ዉሑድቲዮሪ፥ ብዙሕ ድማ ፕራክሲስ ኣሎካ ማለት እዩ። KADERBEROEPSGERICHTE (KD)

“ካቤ”

እቲ ኣብ “ኤምቤኦ” ዝወሃብ ዓይነት ትምህርቲ፥ ካብ ፍርቂ-ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ-ዓመት’ዩ ዝወስድ። “ኤምቤኦ” ራብዓይ-ደረጃ እንተ-ወዲእካ፥ብድሕር’ዚ “ሃቤኦ” ዝበሃል ዓይነት ትምህርቲ ክትመሃር ትኽእል። “ሃቤኦ” ማለት ድማ፥ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ማለት’ዩ። ኣገዳሲ-ሓቤረታ

ኣየናይ ኢደ-ጥበብ ምስ ድሌትኩም ይሰማማዕ-? ኣብ እዚ ድማ ን”ኤምቤኦ” ሣልሳይን ራብዓይን ደረጃ ትቀራረብ። ኢንተርነት ኣብዘን ገጻት እዚኣተን ድለዩ-!!! ማለት ዉሑድ-ቲዮሪ ብዙሕ ከኣ ፕራክሲስ ትመሃር። ቀጺልካ ድማ ሣልሳይን ራብዓይን ደረጃ “ኤምቤኦ” ትመሃር። www.beroepeninbeeld.nl www.mbowijzer.nl GEMENGDE LEERWEG (GL) “ኸኤል” www.studieroute.ecabo.nl በዚ ከኣ ን”ኤምቤኦ” ሣልሳይን ራብዓይን ደረጃ ትቀራረብ። ብዙሕ-ቲዮሪ ዉሕድ ከኣ ፕራክሲስ ትመሃር። ነዚ ምስወዳእካ ድማ፥ ሣልሳይን ራብዓይን ደረጃ “ኤምቤኦ” ን“ሃፎ” ዝበሃል ዓይነት ትምህርቲ ክትወስድ ትኽእል። THEORETISCHE LEERWEG (TL) “ቴኤል”

በዚ ኣቢልካ ድማ፥ ን”ኤምቤኦ” ሣልሳይን ራብዓይን ደረጃ ትቀራረብ። ብዙሕ-ትዮርን ዉሑድ-ፕራክሲስን ከኣ ትመሃር። ነዚ ምስ-ወዳእካዮ ድማ፥ ሣልሳይን ራብዓይን ደረጃ “ኤምቤኦ” ን፥ “ሃፎ” ን ዝበሃል ዓይነት ትምህርቲ ክትወስድ ትኽእል።


ጸብሒ - ደርሆ ቀመማት ናይ ጸብሒ ምልእቲ-ደርሆ ወይ ኪሎን-ፈረቓን እግሪ-ደርሆ ሓደ-ኪሎ ሽጉርቲ ሓሙሽተ መብልዒ-ማንካ ጠስሚ ሓሙሽተ መብልዒ-ማንካ በርበረ ሓደ ታኒካ-ኮመደረ በርበረ-ጸሊም ብዓቐን ጨው ብዓቐን እንቋቝሖ

ኣገባብ ኣሠራርሓ-ጸብሒ እታ ደርሆ ሸተት ሸተት እናበለት፥ ምእንቲ ምትሓዝ ከይትኣብየካ ፥ ብሶፍት ጌርካ ክትትሓዝ ከም-ዝግባእ ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። ብድሕር’ዚ ብካራ ጌርካ ነቲ ቈርበት ክትቀልጦ የድሊ። ምናልባት እቲ ኣገባብ ኣሠራርሓ ጸብሒ፥ ከም ናይ ሃገርና ክትገብሮ እንተ-ደሊኻ፥ ኣብ ዓሠርተው-ክልተ ክትቈራርጾ ከድልየካ’ዩ። ማለት መልሓጭ, ክልተ-መንገብገብ, ክልተ-እግሪ, ክልተ-ሰለፍ, ፈረሰኛ, ጐሮሮ, ሕቖ, ቈርበት። ቀጺሉ ክግበር ዝግባእ ዕዮ፥ ማለት ነቲ ሥጋ ቅድሚ ናብ ጻሕሊ ወይ ድስቲ ምእታዉ፥ ብለሚን ወይ ብኣቸቶ ጌርካ ምሕጻቡ ኣገዳሲ እዩ። ቀጺልካ ድማ ሽጉርቲ ኣድቅቕ ኣቢልካ ትቕርድድ። ኣብ ድስቲ ወይ ጻሕሊ ምስ ኣተወ ድማ፥ ክሳብ እቲ ዝነበሮ ጠሊ ወይ ራሕሲ ነቒጹ ዝውድእ፥ ነቲ እቶን ኣዝሕል ኣቢልካ፥ ብዝተሓተ ዓቐን ዋዒ ጌርካ ትቐልዎ። ከምዚ’ሉ ማዩ ምስ ወድአ ከኣ፥ ብጠስሚ ጌርካ ገለ ዕሥራ-ደቒቕ ዝኸውን ግዜ ክቝሎ ትገድፎ። ኣስዒብካ ድማ ድልኽ ወይ ድኹም በርበረ ትገብረሉ። ብኸምዚ ኣገባብ’ዚ ድማ፥ 20-ደቒቕ ዝኸውን ግዜ ክበስል ትገድፎ። ኣከታቲልካ ከኣ እቲ ኮሞደረ ቅጥቅጥ ኣቢልካ፥ ወይ ዝተጣሕነ ናይ ባኮ ኣእቲኻ፥ ንክበስል መኽደኒ ከዲንካ ትገድፎ። ገለ ርብዒ-ሰዓት ዝኸውን ጸኒሕካ ድማ፥ ነቲ ኣዕጽምቲ-ደርሆ ኣብቲ ጻሕሊ ተእትዎ። ንክባቢ ፍርቂ-ሰዓት ዝኸውን ምስ በሰለ ከኣ፥ ኣብ መወዳእታ በርበረ-ጸሊም ነስኒስካ ተውርዶ።

ቀመማት ናይ ጣይታ እንጀራ ምስንካት ብርቱዕ ኣይኮነ። እንታይ ከምዘድሊ ካብዚ ቀጺሉ ክሕበረኩም እዩ ሓደ ኪሎ ሓሩጭ-ፊኖ ክልተ-ሕፍንቲ ሓሩጭ-ዕፉን ክልተ-ሕፍንቲ ሓሩጭ-መሸላ ሓደ-ባኮ ንቑጽ ለቢቶ ክልተ-ንእሽቶ ማንካ ድኹም-ጨው ማይ ብዓቐን ከም-ኣድላይነቱ

ኣገባብ ኣሰናኽታ ጣይታ መጀመርታ ነቲ ለቢቶ፥ ብኽልተ ልብጥ ዝበለ ኩባያ-ማይ ጌርካ ትሕውሶ። ኣብ ምዉቕ ዝበለ ቦታ ኮንካ ከኣ፥ እቲ ዝተፈላለየ ሕሩጫት፥ ኣብ ሓደ ሰንኬሎ ጌርካ ትሓዋውሶ። ብድሕር’ዚ እቲ ድሮ ኣዳሊኻዮ ዝጸናሕካ ለቢቶ፥ ምስቲ ሓሩጭ ሕውስውስ ኣቢልካ ትለሶ። ኣጸቢቑ ክሕሰ ከምዘድሊ ድማ፥ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ብማይ እንዳ-ኣቀጣጠንካ ከኣ፥ ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦ ጌርካ ሕስይ ኣቢልካ ትለሶ። ብገለ ተሓቢኡ ዝሓለፈ፥ ዕንኩርኩር ዝበለ ብሒቝ ከይርከብ ድማ፥ ተጠንቂቕካ ሃሰስ ክትብሎ ኣድላዪ እዩ። እዚ ኩሉ ምስ ገበርካ ድማ፥ ነቲ ብሑቕ ሒዙ ዘሎ ሳንኬሎ፥ ብግቡእ መኽደኒ ከዲንካ፥ ከም ኣድላይነቱ ክልተ ወይ ሠለስተ መዓልቲ ዝኸውን፥ ኣብ ሓደ ምቖት ዘለዎ ቦታ ተቐምጦ። ድሕሪ ሣልስቲ ድማ፥ ጨው እናነስነስካ ብጭልፋ ጌርካ ተማስሎ። በዚ ኣገባብ’ዚ ከኣ፥ ገለ ርብዒ ሰዓት ዝኸውን ከዲንካ ተቐምጦ። ኣብ መወዳእታ ድማ፥ ርዝን ዝበለ ባዴላ ኣብ ልዕሊ’ቲ እቶን፥ ንገለ ሓሙሽተደቒቕ ዝኸውን ግዜ ከም-ዝረስን ይግበር። ብድሕሪ’ዚ ከኣ ነቲ ብሒቝ ብጭልፋጌርካ ትሓዋውሶ። እቲ ድሮ ኣብ እቶን ተሰኽቲቱ ዘሎ ባዴላ ምስረሰነ ድማ፥ ጣይታ ምኽሳስ ይጅመር። እቲ ጣይታ ተኻሲሱ ዓይኒ ምስ ኣውጽአ ድማ፥ ሓንሳእ በቲ መኽደን ባዴላ ከዲንካ ተጽንሖ። ብድሕር’ዚ ብመሽረፈት ጌርካ ተውጽኦ። ክሳብ ኣርባዕተ-ጭልፋ ብሒቝ ዝተርፍ ከኣ፥ ጣይታ ምስንካት ቀጻሊ እዩ። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ነቲ ማይ-ብሑቝ፥ ኣብ ጥርሙዝ ጌርካ ኣብ ፍሪጅ ተቐምጦ።

ነይልኣርት (Nail art) ዝበሃል ምስላም ጽፍሪ፡ ኩሉ ዝኽእሎ እዩ ኩለን፡ኣዋልድ ጽቡቕ ዝኾነ ኣዝማልቶ ይፍተወን’ዩ። ፍሉይ ነገር ክትገብሪ እንተ፡ደሊኺ፥ ንምግባሩ ዘጸግም ኣይኮነን ትብል ምርያም ማያርድ። ሓንቲ፡ፒሮ እንተደኣ፡ ኣልያትኪ፥ ብእኣ ብዙሕ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ምርያም ብዙሕ’ያ ተመራሚራ። ኣብ ሥነ፡ጽባቐ ክትሠርሕ ከም፡እትደሊ ገና ንእሽቶ ከላ ትፈልጥ ነበረት። ሕጂ ናይ ሥነ፡ጽባቐ ኪኢላ እያ። ብተወሳኺ’ውን ኣጽፋር ኢድን እግርን ተጸባብቕ። መጀመርታ ክትላመድ ከላ፥ ብኣጽፋር ኣቦኣ’ያ ተማሂራ። መስደዲ ኣዝማልቶ ስለ፡ዘይነበረና ድማ፥ ኣቦይ ንሓደ፡ ሰሙን ዝኸውን ግዜ፥ ምስ ኣዝማልቶኡ ይዛወር ነይሩ፥ ኢላ ኣስሒቓትና። ምርያም ማያርድ ንጓል፡ 19 ዓመት ዝኾነት ቅሳነት፥ ኣብቲ ናታ ናይ ሥነ፡ጽባቐ ዝኾነ ቤት፡ንግዲ፥ ናይ ኢዳን እግራን ኣጽፋር ዝተፈላለየ ሕብሪ ብዘለዎ ኣዝማልቶ ለኽያትላ። 1ይ፡ሊላ 2ይ፡ሰማያዊ፨ቀጠልያ 3ይ፡ጻዕዳ ቅሳነት ድማ ፈትያቶ ሕጉስ ኢላ። ከመይ ገይራ ክትከናኸኖ ከምዘለዋ ከኣ፥ ምርያም ኣረዲኣታ። ሠለስተ፡ሕብሪ ስለዝኾነ ከኣ፥ ክሳብ ዝነቅጽ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ክትጥንቀቕ ከም፡ ዝግብኣ ነጊራታ። ናይ እግሪ፡ጽፍሪ ግን ነዊሕ’ዩ ዝጸንሕ። ማለት ከም ናይ ኢድ ቀልጢፉ ኣይከይድን እዩ። ሓጋይ ዳርጋ ኣብ ምውድኡ እዩ። ጸሓይ ግና መሊሳ ክትምለሰና ዝደለየት እያ ትመስል። ቅሳነት ድማ ኣዝማልቶ ምስነቐቀጸላ፡ ጸሓይ ስለ ዝረኣየት፡ ሸበጣ ጌራ ናብ ደገ ከደት። ከመይ ኣቢልካ ጽፍርኻ ባዕልኻ ተጸባብቕ፡፧ 1ይ፡ ተረፍ፡ኣዝማልቶ ኣብ ጽፍርኺ እንተሎ፥ ብኣቸቲኖ ማለት መስደድ ኣዝማልቶ ጌርኪ ተጽርይዮ። 2ይ፡ ብድሕሪ’ዚ ኣብ መንጎ ነፍስ፡ወከፍ ኣጻብዕቲ፡እግሪ ሶፍት ትገብርሉ። 3ይ፡ ነቲ ኣጽፋር፡እግሪ ኣቐዲምኪ፥ ሕብሪ ብዘይብሉ ኣዝማልቶ ትለኽይዮ። 4ይ፡ ካብዚ ብምቕጻል ፍርቂ፡ጽፍሪ ሓደ፡ሕብሪ፥ እታ ዝተረፈት ፍርቂ ድማ፥ ዝመረጽክዮ ካልእ ሕብሪ ትለኽይዮ። 5ይ፡ ብድሕሪ’ዚ ድማ ክነቅጽ ሓንሳእ ግዜ ትህብዮ። ጸኒሕኪ ምስ ነቐጸ ከኣ፥ ክሬም ጌርኪ ልኽይ ተብልዮ። 6ይ፡ ኣብ መወዳእታ እታ ጫፍ፡ፒሮ ኣልጊስኪ ትጥቀምላ። ማለት ቁሩብ ኣዝማልቶ ኣብ ወረቐት ተንጥቢ። ብእኡ ጌርኪ ድማ ዝደለኽዮ ቅርጺ ኣብ ጽፍርኺ ትስእሊ። ኣገዳሲ፡ሓበሬታ

ድማ “ኩሉ ግዜ ብዓባይ፡ዓበይቶኺ ኢኺ ትጅምሪ” 7ይ፡ እቲ ኣዝማልቶ ዓሠርተ፡ደቒቕ ክነቅጽ ግደፍዮ። ድሕሪኡ “Top Coating” ተጠቐሚ። እቲ ኣብ ቁጽሪ፡ 3 ዝተጠቐምክሉ ሕብሪ ድማ፥ደጊምኪ ተጠቐምሉ። እሞ ንስኺ ናይ ጽፍሪ ሥነ፡ጽባቐ ክኢላ ክትኮኒ ትደልዪዶ? ነዚ ዝሕግዘኪ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርኔት ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ብድፕሎማ ምስ፡ተመረቕኪ ድማ፥ ናትኪ ናይ ሥነ፡ ጽባቐ ቤት፡ንግዲ ክትከፍቲ ትኽእሊ ኢኺ።

COLOFON AMARAMA is een uitgave van Beyond Borders. Beyond Borders steunt AMA’s en ex-AMA’s bij het ontwikkelen van een toekomstperspectief, zowel in Nederland als, indien nodig, in de landen van herkomst. De AMARAMA wordt mede mogelijk gemaakt door Stichting Kinderpostzegels en het Skanfonds.

AMA’s en de medewerkers van Beyond Drukwerk: Borders. Drukkerij All Print www.all-print.nl Met dank aan: VluchtelingenWerk, Chiel te Bokkel. Contact: Middenweg 269-I Vertaling Nederlands-Arabisch: 1098 AR Amsterdam Nayla Chebli www.leerarabisch.nl T: 06-84711435 info@beyondborders.nu Vertaling Nederlands-Tigrinya: www.beyondborders.nu Bet-El Teklemariam Behalve de uitgave van AMARAMA’s facebook.com/beyondbordersnu organiseert Beyond Borders jaarlijks het Beyond Borders: Liesbeth Devos, twitter.com/beyondbordersnu Toekomstfestival voor AMA’s. BovenOssama Abu Amar, Tim Looten, Mical dien geeft Beyond Borders trainingen De Nederlandse tekst van deze Chebreab en Janneke Juffermans. om je voor te bereiden op je toekomst. AMARAMA is te downloaden op: www.beyondborders.nu/AMARAMA Aan dit nummer werkten mee: Arras, Vormgeving: Sazza Asu, Faizel, Mejd Mardo, Aahd Jarrar, www.sazza.nl Mical Ghebreab, een groepje van 15


Turn static files into dynamic content formats.

Create a flipbook
Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.